ሓደ ሚሊዮን ስደተኛ ኣብ ሊቢያ ብምኽርዳን፡ ንዋሕዚ ስደት ይዓግቶዶ?

Refugees in Libya

Source: SBS Tigrinya

ካብ 2014 ንደሓር 600 ሺሕ ስደተኛ ካብ ሊቢያ ናብ ኣውሮጳ ሰጊሩ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ዓመት ጥራይ 94 ሺሕ ህዝቢ ሰጊሩ። እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ኣብዚ ሳመር ጎዲሉ ኣሎ። ሓደ ካብ ምኽንያት መጉደሊ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ምስቲ ኣብ ሊቢያ ዘሎ ሓደ መንግስቲ ተሓባቢረን ሚሊሻታት ኣዋፊርካ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛ ተኸርዲኑ ከምዘይንቀሳቐስ ስለተገብረ እዩ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ግና ዋጋ የኽፍል ኣሎ፡ ሰብኣዊ ክብሪ እዞም ስደተኛታት ተቐንጢጡ ኣብ ሓሳር ወዲቖም፡ ውጽኢት ሳዕቤን’ዚ ስጉምቲ ንኣውሮጳ’ውን ከቢድ ከምዝኸውን ተገምጊሙ ኣሎ። ዝርዝር ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል’ዩ።



Share