ሃገራውያን ጋንታታት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግጥማት ሴካፋ መጋጥምተንን ምድባተንን ፈሊጠን

Source: Twitter
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/11/2020) ** ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስን ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይን ተሳትፎኦም ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኢስጳኛ ይቕጽሉ፡ ** ምድባት ግጥም ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ወጺኦም: መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምድቦምን መጋጥምቶምን ፈሊጦም፡ ** ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ኮሮናቫይረስ ምልካፉ ድሕሪ ምርግጋጹ ኣብ ካይሮ፡ ምስሪ፡ ንሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል ክጸንሕ’ዩ፡ ** ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣትሌታት ዝኾኑን ዘይኮኑን ጎየይቲ ጉያ እግሪ ካብ ኢትዮጵያውያን ጎየይቲ ክመሃርዎም ዝኽእሉ ሸሞንተ ምኽርታት ኣለው ክብል ሓደ ፍሉጥ ኣትሌትን ተመራማሪን ገሊጹ፡
Share