ጋናውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንመንግስቶም ይሓቱ፡ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ

Ghanaian players, Lee Addy among them, stranded in Ethiopia

Source: Zimbio

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/06/2020) ወናኒ ክብረወሰን ፍርቂ ማራቶን ኬንያዊ ጂዮፍሪ ካምዎሮር ልምምድ እናካየደ እንከሎ ሞቶር ብሽግለታ ሃሪማቶ ኣብ እግሩ ተጎዲኡ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዝኸበሩን ተበሃግቲን ውድድራት፡ ማራቶን ከተማ ኒውዮርክ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተሰረዘ ኣዳለውቲ ገሊጾም፡ ሊቨርፑል ባህርያት ናይ’ቶም ጋንትኦም ሻምፒዮና ድሕሪ ምዃና ኣብ ማእከል ናይ’ታ ከተማ ከብዕሉን ሓጎሶም ክገልጹን ዝተኣከቡ ደገፍቲ ድሕሪ ምንቃፍ ስግኣት ምውሳኽ ብኮቪድ-19 ዝልከፉ ሰባት ስለዘሎ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ተማሕጺና፡ ኣብ ኢትዮጵያ መውጽኢ ስኢኖም ዘለው 21 ጋናውያን ተጻወቲ ንምውጻእ መንግስቲ ጋና ምስ ኤምባሲ ጋና ኣብ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ መንእሰያትን ስፖርትን ኢትዮጵያ ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀዳማይ ዝተሳተፈን መድረኻዊ ዓወት ዘመዝገበን ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ መን’ዩ፡ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ (1ይ ክፋል)



Share