ፈደራል ኮሚሽን ስፖርት ኢትዮጵያ ክለባት ትግራይ ኣብ ንጥፈታት ስፖርት ከይሳተፋ ሂብዎ ዝነበረ መምርሒ ጸኒሑ ሰሪዝዎ

Eritrean and Ethiopian cyclists chatting while competing at Vuelta.

Source: Twitter

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/10/2020) ** ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ጂሪ ድ’ኢታልያ ዝነኣድ ምንቅስቓስ ኣርእዩ ጋንትኡ ናይ’ቲ መዓልቲ ስልማታ ተቐባሊ ጌራቶ፡ ** ኢትዮጵያ ኣንጻር ዛምቢያ ኣብ ዘካየደቶም ክልተ ምሕዝነታውያን ግጥማት ተሳዒራ፡ ** ፈደራል ኮሚሽን ስፖርት ኢትዮጵያ ናብ ፈደረሽናትን ማሕበራትን’ታ ሃገር ክለባት ትግራይ ኣብ ንጥፈታት ስፖርት ኢትዮጵያ ከይሳተፋ ዝሕብር ዝለኣኾ መምርሒ ክትዕን ምስሕሓብን ፈጢሩ፡ ጸኒሑ ግን ስሒብዎ፡ ** ዝጠመዩ ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ መግቢ ክወሃቦም ተበግሶ ወዲ 22 ዓመት ስፖርተኛን ኣዲኡን ንዝለዓሉ ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ውርደትን ትዕዝብትን የእቱ



Share