ኣማኑኤል ገ/ሄር፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ መርሃዊ ቅዱስን ጽጋቡ ግርማይን ኣብ ግዝያዊ ዝርዝር ኣስማት ጋንታታት ንዙር ፈረንሳ ተረቚሖም

Tour de France team list

Source: AP Cyclingnews

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/07/2020) ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ 2020 ዝካየደሉ ዕለት ገና ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ኣብ’ቲ ተታሒዙ ዘሎ ግዝያዊ ዕለት ነሓሰ 29 ተሳተፍቲ ጋንታታት ግዝያዊ ዝርዝር ስም ተቐዳደምተን የፍልጣ ኣለዋ፡ ኢትዮጵያዊን ኤርትራውያንን ተቐዳደምቲ ክቀዳደሙ ኢዮም፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣስቶን ቪላ ንስክላ ንታሕቲ ካብ ምውራድ ክትድሕን እንከላ ዋትፎርድ፡ ቦርንሞውዝን ኖርዊችን ወሪደን፡ ቸልሲን ማንቸስተርን ከኣ ንቻምፒዮንስ ሊግ ሓሊፈን፡ ቀዳሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ተሰላሚት ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ካብ ምጉያይ ንላዕሊ ምግላብ ፈረስ ትፈቱ ከምዝነበረት ትፈልጡ’ዶ፧



Share