ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ’ተን ዝበዝሐ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርትን ኣስተምህሮን ዘጋጠመን ሃገራት ተባሂላ

Source: Borkena
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (13/07/2020) ሕብረት ተጋሩ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ንመረጻ ኢትዮጵያ ዝምልከት ናይ ሓባር ቅዋም ኣቕሪቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ክሳብ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጽሪ 230,000 ምውሳኽ ዓለማዊ ልኽፈት ኮሮናቫይረስ ከምዝተመዝገበ ገሊጹ። ንመኸተ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ግዝኣት ቪክቶርያ ንምድጋፍ 1000 ተወሰኽቲ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሓሙሽተ ሚልዮን መሽፈኒታት ኣፍን ኣፍንጫን ይለኣኹ ከምዘለው ተገሊጹ። ስፐይን ንኣድመጽቲ ተወሳኺ መከላኸሊታት ብምቕራብ ዞባዊ ምርጫታታ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣካይዳ። ግሎባዊ ጥምረት ንምክልኻል ትምህርቲ ካብ መጥቃዕቲ ዝተባህለ ማሕበር ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ’ተን ዝበዝሐ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ትምህርትን ኣስተምህሮን ዘጋጠመን ሃገራት ብምባል ኣብ ዝለዓለ ኣቐሚጥዋ።
Share