ቢንያም ግርማይ ኣንፈቱ ናብ ጂሮ ድ'ኢታልያ ኣቕኒዑ፣ ኢትዮጵያ ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣብቂዑ

Source: Guardian
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/01/2022) * ኢትዮጵያ ሓያሎ ሽቶታት ኣብ ዝተመዝገበሉ ግጥም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ብካሜሩን 4-1 ተሳዒራ፡ ናብ ዝቕጽል ዙር ናይ ምሕላፍ ዕድላ ቅሂሙ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንትኡ ኢንተርማርች-ዎንቲ-ጎቤር ማቴሪዮ ኣብ ግራንድ ቱር ቦኽሪ ውድድሩ ዝኾነ ኣብ ቅድድም ብሽግለታት ጂሮ ድ’ኢታልያ ክሳተፍ ምዃኑ ጋንትኡ ኣፍሊጣ፡ * ኣብ ኤርትራ ሻሚዮናታት ውድድር ጉያ እግሪ መሮር ውሽጢ ሃገር ቅድሚ ሓደ ሰሙን ተኻይዶም ኦሎምፕካዊት ኣትሌት ራሄል ዳንኤል ብወገን ደቀንስትዮ ተዓዊታ፡ * ቁጽሪ ሓደ ኮኾብ ባይታ ቴኒስ ዓለም ሰርቢያዊ ኖቫክ ጆኮቪች ሚኒስተር ኢሚግረሽን ኣውስትራልያ ደጊሙ ቪዝኡ ዝሰረዞ ምኽንያት ቤት ፍርዲ ስለዝተቐበሎ ካብ ኣውስትራልያ ተጠሪዙ፡ * ዝበዝሐ ርእይቶታት ተጻወቲ ባይታ ቴኒስ ንዕኡ ከምዘይድግፍ ተፈሊጡ፡
Share