ምርጫ 2022: ሰልፊ ግሪንስ

Source: AAP
ኣውስትራልያዊ ሓምላይ ሰልፊ/ዘ ግሪንስ ካብ ኣብ ግዝኣታት ዝመደበሮም ብነጻ/በበይኖም ዝንቀሳቐሱ ወከልቲ ሓምላይ/ግሪን ሰልፍታት ኣብ ሲድኒ ተራኺቦም ሓድሽ ፌደራላዊ ሰልፊ ምስ ኣቖሙ ብወግዒ 30 ነሓሰ 1992 ተበጊሱ። ዕብየትን ዓወትን ናይ’ቲ ሕጂ ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራልያ ጸላዊ ኮይኑ ዘሎ ሰልፊ ሳላ ስራሕ ተጣባቒ ከባብን መራሒ ሰልፊ ግሪን ነበርን ቦብ ብራውን’ዩ ክበሃል ይከኣል።
Share