ኣውስትራልያ ንልዕሊ 100 ሓለውቲ ጸጥታ ኤምባሲኣ ኣብ ካቡል ዝነበሩ ቪዛ ክትከልኦም ወሲናቶ ዝነበረት ቀይራቶ

Source: Getty
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/08/2021) * ፕረዚደንት ዩናይትድ ስቴትስ ጆ ባይደን ኣሜሪካ ትመርሖ ዘላ ምውጻእ ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣፍጋናውያንን ካልኦትን ወሲኾም ኣለው፡ እቶም ጻዕርታት ከኣ ክቕጽሉ’ዮም ኢሉ። * ኣውስትራልያ ኣብ’ቲ ናይ ካቡል ኤምባሲኣ ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ሓለውቲ ጸጥታ ቪዛ ክትከልኦም ወሲናቶ ዝነበረት ውሳነ ቀይራቶ። * ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ 818 ሓደስቲ መልከፍታት ኣብ ማሕበረሰብ ዝመሓላለፍ ኮቪድ-19ን ተወሰኽቲ ሰለስተ ዝሞቱ ሰባትን ረኺባ። * ቀ/ሚ ስኮት ሞሪሰን ኣውስትራልያ ሓንሳብ መጠናት ክታበት ኮቪድ-19 70% ኣብ መላእ ሃገር ምስ በጽሑ ንቕድሚት ክትከይድ ክትጅምር ይግባኣ ኢሉ።
Share