ሓካይም ፕረዚደንት ትራምፕ 'ስለዝሓሾ ኣብ ቀረባ ግዜ ከነውጽኦ ኢና'፡ ዑደት ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ኤርትራ

Trump doctors say he will be fine and can rehab at the White House

Source: ABC Australia

ዕለታዊ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (05/10/2020) ** ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጥዕንኡ ስለዝተመሓየሸ አብ'ዚ ቀረባ ግዜ ክወጽእ እዩ ክብሉ ሓካይሙ ገሊጾም፡ ** ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ትሽዓተ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስን ዜሮ ዝመቱን ከምረኸበት ኣፍሊጣ፡ ** ተርም 4 ወይ ራብዓይ መንፈቕ ትምህርቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ተመሃሮ ቪክቶርያ ኣብ ዝመጹ ሰሙናት በብደረጅኡ ብዝካየድ ኣገባብ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ እዮም፡ ** ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ስምምዕ ሰላም ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታትን መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ንምዕዛብ ናይ ሓጺር ግዜ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻም ኣስመራ ኣትዩ፡



Share