SBS Examines: ናይ ምዝራብ ናጽነትና ኣብ ሓደጋ ከየእተና ግጉይ ሓበሬታ ከይዝርጋሕ ክንቃለሶ ንኽእል ዲና?

Freedom of Speech - SBS Examines.jpg

ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ወይ ኦንላይን ምዝርጋሕን ምክፋልን ክኽልከል መጸዋዕታታት ይቐርቡ'ለዉ። እዚ ግን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ምዝራብ ይኸውን ዶ፧


ግጉይ ሓበሬታን ኮነ ኢልካ ዘጋጊ ሓበሬታ ምዝርጋሕን - ብቋንቋ እንግሊዝ ሚስኢንፎርሜሽንን ዲስኢንፎርሜሽንን ኢልና ንገልጾም ማለት'ዩ - ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን እቶም ዝለዓሉ ዓለምለኻዊ ወይ ግሎባዊ 'ተኽእሎታት ሓደጋ' ተባሂሎም ብዋዕላ ቁጠባ ዓለም ተሰይሞም።

መድረኻት ሓፋሽ (ሶሻል መድያ) ኸኣ ነዚ መሊሱ ከምዝጋደድ'ምበር ከምዝሓይሽ ኣይገብሮን ኣሎ።

ኣዳላዊን ኣቕራብን መደብ 'Uncomfortable Conversations' ጆስ ዜፕስ ከም'ዚ ይብል፡ "ንሕና፡ ልክዕ ከም ኑክለሳዊ መሳርሒ ኲናት፡ ሃንደበት ሓበሬታ ብመልክዕ መድረኽ ሓፋሽ ዝተዋህበናን ልክዕ ከም ላምባ ኣብ ሓዊ ዝንስነስ ዘሎ ኸኣ ብሰብ ሰርሖ ብልሒ (artificial intelligence) ዝተደብደበን ስልጣነ ኢና።"

ተሪር ተጣባቒ ንነጻነት ምዝራብ ምስ ምዃኑ ንሱ እዚ ብመርበብ ወይ ብኢንተርነት ዝግበር ወይ ዝካየድ ምቅብባልን ምክፋልን ሓሳባት ከም ግጉይ ወይ ሓሶት ዝኾነ ሓበሬታ ትቀባበል ዘለኻ ኮይኑ ከይቁጸር ስግኣት ኣለኒ ይብል።

"ኣብ'ዚ ዘለናዮ ክውንነት፡ ኣብ ሓደ ዓቢይ፡ ብዙሕነት ዘለዎ፡ በዓል ብዙሕ ቀጸላታት፡ ብዝሐ-ዓሌታዊ ማሕበረሰብ ክትነብሩ እንተኾይንኩም. . . ገለ ክፋል ናይ'ቲ ማሕበረሰብ ንገለ ክፋል ሓሳባት 'ዘለፋታት ወይ ጸርፍታት' ኮይኖም ከምዝረኽብዎም ክትቅበልዎ ዘለኩም'ዩ፡" ክብል ንSBS Examines ገሊጹ።

"ገለ ካብ'ዚ ኸኣ ክሳብ ግጉይ ሓበሬታ ምቅብባል ወይ ኮነ ኢልካ ምዝርጋሕ ዝደናደን ክኸውን'ዩ።"

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሎረይን ፊንሊ ትብል፡ ንቕድሚት መታን ክንስጉም ጌጋ ዝኾነ ሓበሬታ ምቅብባልን ኮነ ኢልካ ምዝርጋሕን ዝብሉ ተግባራት ብግቡእ ወይ ብንጹር ትርጉሞም ክግለጽ ኣለዎ።

"ንሰባት ካብ ግጉይ ሓበሬታ ክንሕልዎም ወይ ክንከላኸለሎም ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምዝራብ ነጻነት'ውን ምስኡ ንሕልዎ ምህላውና ከነረጋግጽ ኣለና።" ኢላ።

እዚ ትሕዝቶ SBS Examines "ናይ ምዝራብ ነጻነት ከይደረትና ንምዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታ ክንቃለሶ ንኽእል ዶ፧" ኢሉ ይሓትት።

Share