ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ሪያል ሶሰይዳድን ናብ ዩሮፓ ሊግ ሓሊፎም፡ መሲ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሽቶ ኮይኑ

Source: SBS Youtube
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/07/2020) ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዝኣጥቃዒኣ ስጳኛዊት ጋንታ ሪያል ሶሰይዳድ ግጥማት ላሊጋ ኣብ ዝተዛዘመሉ ሰሙን ኣንጻር ኣትለቲኮ ማድሪድ ገጢማ ማዕረ 1-1 ድሕሪ ምፍልላያ ናብ ግጥማት ዩሮፓ ሊግ ሓሊፋ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ኢትዮጵያ ምውጻእ ስኢኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰንፈላል ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ጋናውያን ተጻወቲ ኩ’እግሪ ገሊኦም ንሃገሮም ከምዝተመልሱ ፕረዚደንት ማሕበር ኩ’እግሪ ጋና ከርት ኦክራኩ ገሊጹ፡ ኣትሌታት ኩ’ሰኪዐት ኣሜሪካ ኤንቢኤ ተወሺቦም ወይ ተዓሺቦም ግጥማቶም ከካይዱ ኣብ ዝዳለውሉ ዘለው እዋን ኣንስቶምን መጻምድቶምን ዘይምህላወን ጸገም ከይፈጥር ተፈሪሑ
Share