መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፍሉጥ ኖርወጃዊ ምሁር ታሪኽ ካብ መረጻ ትግራይ ድሕሪ ምምላሱ ኣሲሩ ከምዝፈትሖ ተፈሊጡ

Professor Kjetil Tronvoll detained in Ethiopia and released.

Source: Twitter @KjetilTronvoll

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (14/09/2020) *** ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 35 ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባትን ሽዱሽተ ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ዝሞቱ ከምዝመዝገበትን ተገሊጹ። *** ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ብሪዝበን ኣብ ዝተፈጥረ ክስተት ሓደ ሰብ መይቱ 10 ካልኦት ከኣ ተጎዲኦም። *** ውድብ ጥዕና ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕለታዊ ወሰኽ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ጸብጺቡ። ዋና ሓላፊት ጥዕና ግዝኣት ኲንስላንድ ዶክተር ያን ካብ መንግስቲ ኲንስላንድ ሓለዋን ደገፍ ጥዕና ኣእምሮን ተገይሩላ’ሎ። *** መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓደ ፍሉጥ ኖርወጃዊ ተመራማሪን ምሁርን ታሪኽ ምርጫ ትግራይ ድሕሪ ምዕዛቡ ወይ ተዓዛቢ ኮይኑ ድሕሪ ምስታፉ ኣሲሩ ከምዝፈትሖ ተፈሊጡ።



Share