ሎሚ ዝውለዱ ህጻናት ካብ'ቲ ኣባሓጎታቶም ዝሓለፍዎ ንላዕሊ ኣዝዮም ዝበዝሑ ተፈጥሮኣዊ ዕንወታት ከጋጥምዎም'ዮም

Source: Getty Images
ህጻናት ተሰከምቲ ኣደራዕ ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ክኾኑ ምዃኖም ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝተፈልጠ’ዩ፡ ንሶም ወላሓንቲ ዘየበርከትሉ ቅልውላው። እንተኾነ ግን ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ካብ ትካል ህጻናት ኣድሕን (Save the Children) ክንደይ ተወሰኽቲ ክሊማ-ዘበግሶም ተፈጥሮኣዊ ዕንወታት እዞም ሎሚ ዝተወልዱ ህጻናት ከጋጥምዎም’ዮም ንዝብል ሓደ ቁጽሪ ኣቐሚጦምሉ’ለው። እቲ ጸብጻብ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሓደ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ህጻን ካብ ኣባሓጎታቱ ክሳብ 24 ግዜ ዝተዓጻጸፈ ዝያዳ ባርዕ ሓዊ፡ ምዕልቕላቓት፡ ዕንወት ኣዝርእቲ፡ ደርቅታትን ማዕበላት ሙቐትን የጋጥምዎ ክብል ደምዲሙ።
Share