ዩወሪ ሙሴቬኒ ተዓዋቲ ምርጫ ኡጋንዳ ምዃኑ ኣዊጁ ፡ ቀንዲ በዳሂኡ ቦቢ ወይኒ ኣብቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ኔሩ ኢሉ።

እቲ ውጽኢት ምስ ተነግረ ፡ ቦቢ ወይኒ ኣብ ወሰናስን ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ቤቱ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዘሎን ፣ 'ናይ ገዛ ሕዩር' ኮይኑ ከምዘሎን ሰልፉ ገሊጹ።

Uganda’s electoral commission has declared incumbent Yoweri Museveni the winner of the country’s presidential election.

Uganda’s electoral commission has declared incumbent Yoweri Museveni the winner of the country’s presidential election. Source: Getty

ዩጋንዳዊ ፕረሲደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ዝኽእሎ ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ፡ ኮሚሽን ምርጫ ኡጋንዳ ብቐዳም ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሙሴቬኒ ነቲ ናይ 35 ዓመታት ስልጣኑ ከናውሖ እዩ፡ ተቐናቓኒኡ ግና እቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ኔርዎ ኢሉ።

እቲ ኣብ 1986 ስልጣን ዝሓዘ ወዲ 76 ዓመት መራሒ ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ዕድመ ዝለዎም ፕረዚደንትታት እዩ ። ቅድሚ ምርጫ ንተቓወምቱ ንምዕፋን ማዕከናት ዜና ከምዝዓጸወ ይኽሰስ።

ሚስተር ሙሰቨኒ 58.6 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዋቲ: ምስቲ ወዲ 38 ዓመት ናይ ሬገ ደራፋይ ዝነበረ ቦቢ ወይኒ ኣብዚ ምርጫ ተሪር ንሕንሕ እዩ ገጢምዎ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሰንበት ብዛዕባ እቲ ውጽኢት ምርጫ ዝምልከት ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ ዓመጽን ዘይስሩዕነትን ዝገልጽ ጸብጻብ "ኣዝዩ ዘጨንቕ" ምዃኑ ገሊጹ ።

ብሰንበት ወሃቢት ቃል ት ደፓርመንት ኣመሪካ ሞርጋን ኦርታጉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ህዝቢ ኡጋንዳ ምፍርራሕን ፍርሒን እኳ እንተ ኣጋጠሞም ብ14 ጥሪ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ድምጾም ክህቡ ጀሚሮም ።

"እቲ ቅድሚ ምርጫ ኣብ ዝነበረ እዋንን ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋንን ኣብ እዋን ምርጫን ዝርአ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ዓመጽን ዝመልኦ ጸብጻባት የጨንቐና እዩ" ኢላ።

እቲ ውጽኢት ምስ ተነግረ ፡ ሚስተር ወይኒ ኣብ ወሰናስን ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ቤቱ ብርቱዕ ሓለዋ ይግበረሉ ከምዘሎ ፣ ሰልፉ ድማ "ኣብ ናይ ቤት ተኣሲሩ" ከምዘሎ ክገልጽ'ከሎ ። እቲ መንግስቲ ግና ድሕንነቱ ንምሕላው እዩ እዚ ዝግበር ዘሎ ኢሉ።

እቲ ካብ ደራፋይ ናብ ፖለቲከኛ ዝተቐየረ ኣባል ፓርላማ ካብቶም ኣብቲ ምርጫ ዝተወዳደሩ 10 ሕጹያት ተቓወምቲ ሓደ እዩ ነይሩ: ብ34.8 ሚእታዊት ድምጺ ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ስምኦን ሙገኒ ባይባካማ "ኮሚሽን ምርጫ ዩወሪ ሙሴቬኒ.. ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኡጋንዳ ኮይኑ መሪጹ" ኢሉ ።

ካብቲ 18 ሚልዮን ከድምጽ ዝግብ ኦ ህዝቢ ፡ 57.22 ኣብቲ ምርጫ ከምዝተሳተፈ ገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ እቲ መግለጺ ኣብ ጐደናታት ካምፓላ ተዋፊሮም፡ ሓደ ወተሃደር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣጽዋር ዝጸዓነትን ኣብ ትሕቲ ትዝምቢ ዝነበረት ሄልኮፕተር ኮይኑ ዜጋታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክገብሩ መግለጺ ክህብ ተራእዩ።

ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ዝርአ ዝነበረ ስእልታት ፡ ደገፍቱ ኣብታ ናይ ሙሴቬኒ ዓዲ ባንዴራ እናውለብለቡ ሓጎሶም ክገልጹከለዉ ኣብ ዋና ከተማ ካምፓላ ወተሃደራት ፡ ብሞተርስይክል ንህዝቢ ብጫ ምልክት ዘለዎ ጽሑፋት ናይ ሙሴቬኒ ይዕድሉ ኔሮም።

ድሕሪ እቲ መግለጺ ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ሰፊሕ መደረ ዘስምዐ ሚስተር ሙሰቨኒ ንደገፍቱ ብምምስጋን ፡ "ሕጂ ካብ ዓመጻ ምርሓቕ እዋኑ'ዩ" ኢሉ ።

እታ ሃገር ናጽነታ ምስ ረኸበት ፡ "እዚ ምርጫ እዚ ፡ ካብ 1962 ንነጀው ካብ እተገብረ ምርጫ እቲ ካብ ምጥፍፋእ ነጻ ዝኾነ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ" ኢሉ ።

ይኹን እምበር: እቲ ምርጫ ናይ ምጽራርን ምእሳርን ተቓውሞ: ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዝወረደ መጥቃዕትን ብውሑዱ 54 ሰባት ዝሞትዎን እዩ ኔሩ።

ወይነ ኣብ ነቚጣታት መውሃቢ ድምጺ ዝኣመሰለ ብዙሕ ምትላል ከምዝተራእየን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ወከልቱ ካብቲ መደበራት ከምዝተሰጉን ገሊጹ።

ንሱ ብዓርቢ ፡ "ኵሉ እቲ ዝእወጀ ነገር ዘሕፍርን ካብዚ ኲነታት ድማ ገዛእ ርእስና ነግልል" ኢሉ።

'ክንቆጻጸሮም ኣይንኽእልን ኢና "
ብ ዓርቢ ምሸት ንAFP ከምዝገለጾ፡ ናይ ሚስተር ወይኒ ገዛ ብሓይሊታት ጸጥታ ከምዝተወረረን ኣብትሕቲ ቀይዲ ዘሎ ኮይኑ ከምዝስምዖን ገሊጹ።

ምክትል ኣፈኛ ሰራዊት ዴኦ ኣኪኪ ፡ እቶም ወተሃደራት "ድሕንነቱን ድሕንነት እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባትን" ንምሕላው ኣብኡ ከም ዘለዉ እዩ ገሊጹ።

ይኹን እምበር ፡ ኣፈኛ ናይ ወይን ሰልፊ መድረኽ ሃገራዊ ሓድነት (NUP) ፡ ጆኤል ሲሰንዮኒ ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ ሚስተር ወይነ ፡ "ኣብ ትሕቲ ምሉእ ብምሉእ ናይ ገዛ ማሕዩር እዩ ዘሎ" ኢሉ።

"ድምጾም ስለ እተሰርቀ ፡ ሰባት ተቖጢዖም እዮም ። ቁጥዕዓኦም ንምግላጽ ንዓይ ወይ ንቦቢ ወይኒ ክነግሩ ኣየድልዮምን እዩ "ብምባል ሲኒዮኒ "ክንቈጻጸሮም ኣይንኽእልን ኢና ።" ኢላ።
ኣብ ጽርበት ዝተዋፈረ ደኒስ ኣጋባ ዝስሙ ወዲ 31 ዓመት ፡ ወይነ ብምስዓሩ ጕህዩ ፡ "እቲ ምርጫ ፍትሓዊ ኣይነበረን" ኢሉ ።

ይኹን እምበር ፡ ደኒስ ቱሲሚ ዝስሙ ካልእ ወዲ 35 ዓመት ኤለትሪሻን ፡ ነቲ ውጽኢት ብሓጎስ ይጽምብሎ ነበረ ።

ቱሲሜ ፡ "ኣቦሓጎይ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ስርዓት ነጊሩኒ እዩ፥ በዚ ውጽኢት ድማ ኣዝየ ሕጕስ እየ ።"

ቲቦር ናጊ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ፡ እቲ ድምጺ "ብመሰረቱ ጉድለት ከም ዝነበሮ ፡" ኣብ ተዓዘብቲ ምርጫ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን "ንተቓወምቱ ዓመጽን ምሽቝራርን" ከም ዘጋጠሞምን ገሊጹ ።

ኣብ ኡጋንዳ ኢንተርኔት ንኣርባዕተ መዓልታት ዝኣክል ተዓጽዩ ዘሎ ኮይኑ ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኦፍዎኖ ኦፖንዶ ድማ እቲ ስጉምቲ ዝተወስደ ብሰንኪቲ መግሃስቲ ፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ፡ ዘይምኽኑይ ሓበሬታ ፡ ናይ ሓሶት ዜና ንምዕጻውን ሓፈሻዊ ዕላማ ናይቲ መስርሕ ምርጫ ከይዕንቅፍ ካብ ዝብል ስግኣት'ዩ ኢሉ ።

እቲ ስግኣት ምስሓለፈ ፡ ሰኑይ ንግሆ ኢንተርነት ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ገሊጹ።
Bobi Wine said security forces had breached the fence around his house and he felt under 'siege'.
Bobi Wine said security forces had breached the fence around his house and he felt under 'siege'. Source: EPA

ንተፈታውነት ዋይነ ዝዓንቀጸ ብድሆ

ሚስተር ሙሰቨኒ ኣብ 1986 ን ኡጋንዳ ካብ ዲክታተራት ኢዲ ኣሚንን ሚልተን ኦቦቴ ሓራ ንምግባር ኣብዝተገብረ ቃልሲ ብምምራሕ ስልጣን ካብዝሕዝ ንደሓር ንልዕሊ 30 ዓመት ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ።
እቲ ናይ ቀደም መራሒ ሰውራ ኡጋንዳ ን ኡጋንዳ ዝሓሸን ዝበለጸ መንግስታዊ ስርዓት ከተኣታቱየ ዝበሎ ቃል ብምግዳፍ : ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ጨፍሊቑ ደጋጊሙ ምእንቲ ክምረጽ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ናብ ዝጥዕሞ ጠውይዎ እዩ ።

ናይ ዝበዝሐ ገምጋም ዕድመ ናይታ ሃገር 16 ምዃኑን መብዛሕትኦም ድማ ሓደ ፕረዚደንት ጥራይ ከም ዝፈልጡን እንተ ተገሚተ'ኳ: እቲ ናይ ሚስተር ሙሰቨኒ ክብሪ ን ዝናን ግና እናሃሰሰ ከይዱዩ።

እቲ ብዛዕባ ቊጠባውን ማሕበራውን ዘይፍትሓውነት እታ ሃገር ዘዝይምን ህቡብ ድምጻዊን ፖለቲከኛን ሚስተር ወይነ ፡ ኣብ መንእሰያት ሰፊሕ ተቐባልነትዩ ዘለዎ። እንተዀነ ግን: ሚስተር ሙሰቨኒ ነቲ ኵነታት ብሓይሊ ስለለተቖጻጸሮ: ህቡብነት ዋይን ናብ ስልጣን ክድይብ ኣየኽኣሎን ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ሚስተር ዋይነ በቲ መስሪርዎ ዘሎ ሓድሽ ሰልፊ መድረኽ ሃገራዊ ሃድነት (NUP) ኣቢሉ ኣብ ዋና ከተማ ካምፓላ ትሽዓተ ወረዳ ምርጫታት ብምዕዋቱ ኣብ ፓርላማ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኮይኑ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።


Share

Published

Source: AFP, SBS


Share this with family and friends