'ብዕድመ ምእራግን ምንኣስን ዉሽጣዊ ስምዒትካ'ዩ ዝውስኖ': ብምባል ንግስቲ ንኣረግቶት ዝወሃብ ሽልማት ተሓሲማ

እታ ንግስቲ ነቲ 'ንብዕድመ ዝዓበዩ ዝወሃብ ሽልማት "ብትሕትና ኣይተቐበለቶን ፣ ንሳ ብልባ መንእሰይ ኮይኑ ስለዝስምዓ ነቲ ረቛሒታት ከምዘይተማልእ ገሊጻ።

UK Queen Oldie award

Queen politely declines 'Oldie of the Year' award, saying she feels too young to fit the criteria. (AAP)

ንግስቲ ኤልዛቤጥ 95 ዓመት እኳ እንተ ገበረት ፡ "ዕድመኺ በቲ እትሓስብዮ መጠንዩ ዝዕቀን" ዝብል እምነት ስለ ዘለዋ፡ ነቲ ንዓበይቲ ዝወሃብ ሽልማት ነጺጋቶ።

እታ ንግስቲ "ብትሕትና ግናኸ ብጽኑዕ" ነቲ ሽልማት እኳ እንተ ነጸገቶ፡ "ጽቡቕ ትምኒት" ዘለዎ መልእኽቲ ሰዲዳ ።

ደራስን ጋዜጠኛን ጂዩልስ ብራንድረስት ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሽልማታት ፡ ነቲ ናይታ ንግስቲ ናይ ብሕቲ ጸሓፊ ሰር ኤድዋርድ ያንግ ፡ ነቲ ናይ ብዕድመ ዝዓበዩ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ሽልማት ትቕበሎ እንተ ኰይና ሕቶ ኣቕሪቡ።

እንተዀነ ግን: ኣብታ ኣብ ናይ ሕዳር ሕታም መጽሔት እትሕተም ናይ ብሕቲ ጸሓፊኣ ቶም ላንግ-ቤከር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ: - "እታ ንግስቲ ዕድሜኻ ከምቲ ንስኻ ትሓስቦ እዩ ኢላ እያ ትኣምን በዚ ድማ ንኽትቅበሎ ዘድሊ መለክዒታት ከም እተማልእ ኮይኑ ስለተሰምዓ: ካብኣ ንላዕሊ ነቲ ስልማት ዝያዳ ዝበቅዕ ተቐባሊ ንኽትረክብ ድማ ተስፋ ትገብር ።"

እታ ካብ መበል 100 ዓመት ልደታ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ተሪፍዋ እትርከብ ንግስቲ ፡ ኣብታ ሃገር ዝነውሐ ንግስነት እትፍጽም ዘላ ኰይና ፡ ንዓመታ ኣብ ዝፋን 70 ዓመት ብምግባር ፕላቲንዩም ኢዮቤልልዩ ከተብዕል እያ ።

ክሳዕ ሕጂ ከኣ ፡ መዓልታዊ መዝገበ ዕለት ፍጻመታትን ትምዝግብ ነቲ ኣብ መመዓልቲ ዝርከብ ቀይሕ ሳጹን ወግዓዊ ወረቓቕቲ ድማ ትሓትሞ ።

ንዝሓለፈ 29 ዓመታት ፡ ዓመታዊ እቲ ናይ ዓመት ዝዓበየ ስራሓት ዝፈጸመ ናይ ዓቢ ሰብ ተዓወቲ ፡ ክሽልም ጸኒሑ እዩ ።

ቅድሚ ሕጂ ተዓወትቲ ኦስካር ዝኾኑ ሰባት ፡ ካብ ተዓወትቲ ኖቤል ፡ ካብ ክንክን ማሕበረሰብ ክሳብ ገዲም ኣትሌታት ፡ ካብ ሰር ጆን ማጆር ክሳብ ዳም ኦሊቭያ ደ ሃቪላንድን ዴቪድ ሆክኒን ይርከብዎም።

 


Share
Published 21 October 2021 5:29pm
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends