ጀን ኣሮና ቅድሚ 6 ዓመታትያ ካብ ፍሊፒንስ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትያ።
እዛ ጓል 25 ዓመት ናይ ነርስ ትምህርቲ ንኽትመሃር ብዙሓት ሃገራት ክትመርጽ ዕድል እንተነበራኳ ን ኣውስትራሊያ እያ መሪጻ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ንረጂስተርድ ነርስ ዝኸውን ብዙሕ ዕድላት ኣሎ ኢለየ ኣሚነ።" ክትብል ን SBS News ገሊጻ።
ኣብ 2016 ካብ ዩኒቨርሲቲ ተክኖሎጂ ሲድኒ ብነርስ ናይ ዲግሪ ትምህርታ እንተወደአትኳ፡ ኣብዚ ስራሕ ነርስ ኣዚዩ ተደላዪ ዝኮነሉ ሃገር፡ ንሳ ግና ብዝተማህረቶ ስራሕ ክትረክብ ቀሊል ኣይነበረን
"ንናይ ወጻኢ ተመሃሮ እቲ ዕድል ኣዚዩ ጸቢብ እዩ፡ ምኽንያቱ ነቲ ቪዛኻ ኣብ ግምት የእትውዎ እዮም።"
ንሳ ናይ ስፖንሰር ቪዛ ረኺባ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ን 4 ዓመታት ትሰርሕ ኣላ፡ ናይ ቀዋሚ ቪዛ ክትረክብ ድማ ትትስፎ።
ቀዳምነት ዝወሃቦም ኪኢላዊ ዓቕሚታት
ምሉእ ነርስታት እቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ኪኢላታትን ብናይ ውሽጢ ዓቕሚ ክምል ኡ ከምዘይክእሉ ፈደራል መንግስቲ ኣሚንሉስ፡ ብናይ ግዚያዊ ቪዛን ናይ ጉዕዞ ቀይዲ ዘይብሉን ንኽኣትዉ ከተባብዕ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ክእለት ነርስ ካብቶም 17 ንናይ ኪኢላዊ ስደት ቀዳምነት ካብዝወሃቦም ተባሂሉ ኣብ ዝርዝር ቀዳምነት ዝኣተወ ሓደ ኪኢላዊ ዓቕሚ ኮይኑ ኣትዩ ኣሎ።
ብዘይካዚ ከም chief executives ፡ managing directors, construction project managers, mechanical engineers, doctors, psychiatrists ከምኡውን ናይ IT ኪኢላታትን ካብቶም ኣብቲ ዝርዝር ኪኢላዊ ዓቕሚ ተዘርዚሮም ዘለዉ ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ቀዳምነት ዝወሃቦም እዩ።

Source: AAP
"ብሰንኪ ኮቪድ-19 ተነቢሩ ብዘሎ ገደብ ምንቅስቓስ ህዝቢ ክኣቱ ስለዘይክእል፡ እዚ ክፉት ስራሓት በቶም ኣብ ዉሽጢ ዘለዉ ህዝቢ ክምልኡ እዮም።" ኢሉ።
ዶባት ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ
ካብቲ ኣብዚ ዓመት ክወሃብ ተመዲቡ ካብ ዘሎ ናይ ቀዋሚ መንበሪ ቪዛ እቲ ክልተ ሲሶ ነቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ብግዚያዊ መንበሪ ዝነብሩ ዘለዉ ክወሃብ ምዃኑ እዩ ፈደራል መንግስቲ ትጽቢት ዝገብር፡ እንተኽዕነ ሕጽረት ሓደሽቲ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናይዚ ሃገር ቁጠባ ከምዝህሰ ኪኢላታት ይዛረቡ።
ኣብዚ ዓመት ብዝሒ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ብ1.6 ሚእታዊ ክዓቢ ትጽቢት እንተነበረኳ ናብ 0.2 ሚእታዊ ጥራይ ክዓቢ ብምትንባዩ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ካብቲ ክዓብዮ ዝግብኦ ብ ሓደ ሚልዮን ሕጽረት ክፈጥር እዩ።
ጽሩይ ካብ ወጻኢ ዝ ኣቱ ስደተኛ ናብ ኣሉታ (negative) ክወርድ ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ ኮይኑ ኣብ 2022-23 ዳግም ናብ እወታ ክቕየር ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ ነዚ ኣብ መጻኢ ናብ እወታ ክምለስ ዝብል ትጽቢት ክኸውን እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ነቲ ዓመታዊ ዘእትዎ ብዝሒ ስደተኛ ካብ160,000 ኣብ ዓመት ከዛይዶ ኣለዎ ይብሉ።
[