ኣብ ሃገራዊ መስመር ሓገዝ ዕዳ (The National Debt Helpline) ኣማኻሪት ዝኾነት ሳራ ብራውን-ሾው ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ዝርከቡ ሰባት ኣዘራሪባ’ያ፡ እንተኾነ ግን እዚ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘጋጠመ ቁጠባዊ ጸገም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝረኣየቶም ዝተፈልየ’ዩ።
ብዙሓት ካብ ናይ ደገ ተመሃሮ ኣብ’ቲ ንቡር እዋን ስራሕ ዘለዎም ወይ ዝነበሮም ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ከም መግቢ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ክረኽቡ ይሓቱ ወይ ይልምኑ ኣለው፡ ምኽንያቱ ክፍሊት ትምህርትን ገዛ ኽራይን ክፍጽሙ ስለዘይከኣሉ።
“ዘስካሕክሕ’ዩ፡ ከም ሓቂ ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝኸፍአ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።”
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብማእከል ምርምር ፖሊሲታት ኣህለኽቲ (Consumer Policy Research Centres) ዝተዘርግሐ ኣሃዛት ኣህለኽቲ ከምዘመልከትዎ ሸውዓተ ካብ 10 ኣውስትራልያውያን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ድሕነቶም ይሻቐሉ።
ጉድ ሸፈርድ ሓደ ካብ’ቶም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ኣውስትራልያውያን ግብረሰናያዊ ማሕበራት ኮይኑ ንድኻታት ምህርቲታትን ኣገልግሎታትን ፋይናንስ የቕርብ።
ኣብ’ዚ ማእከል ዋና ኣካያዲት ቁጠባዊ ሕውየት ዝኾነት ሜጋን ኣልካፒን ማሕበሮም ካብ መንግስታዊ መደባት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝተገለሉ ብዙሓት ግዝያዊ ፈለስቲ ወይ መጻእቲ ከምዝመጽዎም ትሕብር። ንሳ እቶም ብኮቪድ-19 ብዝለዓለ መጠን ዝተሃስዩ ሰባት መንእሰያት፡ ሓደስቲ መጻእትን ደቀንስትዮን እዮም ትብል።
ነዚ ናታ ትዕዝብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ኣሃዛት ኣህለኽቲ ደጊሙ የቃልሖ፡ ካብ 18 – 34 ዝዕድሚኦም ኣውስትራልያውያን መንእሰያት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፣ ብስለስተ ዕጽፊ ካብ ሓደ ብቕልጡፍ ዘለቅሕ ወይ ንሸመትቲ ዘካሪ ተለቂሖም፡ ክልተ ዕጽፊ ብዝለዓለ መጠን ከኣ መሰረታውያን ነገራት ከማልኡ ለቓሕ ወሲዶም።

Source: Getty Images/Catherine Falls
“ብዙሓት ካብ’ዚኦም ሰባት ኣብ’ቶም ኣዝዮም ዝተጎድኡ ጽላታት ከም በዓል ምቕባል ኣጋይሽ ወይ ጽላት ችርቻረ ወይ ከኣ ክፋል ግዜ ዝሰርሑ ሰባት ወይ’ውን ወዝባዊ ስራሕ ወይ ካዡዋል ዝሰርሑ እዮም።”
ብራውን ሾው ከምእትብሎ እቶም ውሑድ ኣታዊ ወይ ፈጺሙ ኣታዊ ዘይብሎም ለቓሕ ክረኽቡ ይሽገሩ ትብል፡ ኣብ ከም’ዚ እዮም ከኣ ከምኣ ዝኣመሰሉ ኣማኸርቲ ፋይናንስ ፈጠራዊ ፍታሓት ንምርካብ ዝኣትው።
“ገንዘብ ክትልቅሑ እንከለኹም ሓደ ካብ’ቶም ብሕጊ ክማልኡ ዘለዎም ነገራት እቲ ኣለቃሒ መሊስኩም ክትከፍልዎ ትኽእሉ ምኳንኩም ርግጸኛ ንምዃን መርመራ ሕሳብ ክገብር ምዃኑ’ዩ።”
ብራውን ሾው 'ሽዕኡ እዮም ኣብ ዓቕሊጽበታዊ ኩነታት ዘለው ሰባት ናብ ቅልጡፍን ዘየተኣማምኑን፡ ከም’ቲ ባንክታት ዝጥቀምሉ መለክዒ ግቡእ ምርግጋጻትን ገምጋማትን ዘየካይዱ ኣለቃሕቲ ዝኸዱ' ትብል።
ንሳ እቶም ነዚ ሃገር ሓደስቲ ዝኾኑ ሰባት ብዙሕ ዝኽፈል ዘይብሎም ክልቅሕሎም ዝኽእሉ ካልኦት ቦታታት ከምዘለው ኣፍልጦ ኣይህልዎምን ትብል።
“ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ’ቶም ኣብ ሓጺር እዋን ዘለቅሑ ወይ ቅልጡፍ ለቓሕ ዝህቡ ዝኸዱ - ምስ ከምዚኦም ዓይነታት ኣገልግሎታት ተኣሳሲሮም ዝመጹ ብዙሓት ሓደጋታት ኣለው።”
ሕጋዊ ማእከል ፋይናንሳዊ መሰላት ኣካል ናይ’ቲ ሃገራዊ መስመር ሓገዝ ዕዳ ኮይኑ ነቶም ኣብ ትሕቲ ፋይናንሳዊ ጸገም ወይ ጸቕጢ ዘለው ነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ይህብ።
ዋላ’ኳ ሕሱም እዋን ሕሱም ስጉምቲ ክትወስድ ዘገድድ እንተኾነ ላዕለዋይ ጠበቓ ጀን ለዊስ ሰባት ብኹሉ ዓቕሞም ነዞም ቅልጡፋት ለቓሓት ከወግዱ ከምዘለዎም ተጠንቅቕ።
ለዊስ ለቓሖም ንምምላስ ተባሂሉ ብቐጥታ ካብ ኣታዊኦም ወይ ካብ ክፍሊት ሰንተርሊንክ ዝተወስደሎም እሞ ናይ ባንክ ሕሳቦም ወይ መዝገቦም ጥርሑ ስለዝተረፈ መሰረታውያን ነገራት ክሽፍኑ ብዘይምኽኣሎም ካብ ዝተጨነቑ ሰባት ብዙሕ ግዜ ይድወለላ።
“ብሓፈሽኡ እቶም ለቓሓት ልዑል ዝኾነ ወለድን ክፍሊትን ይህልዎም። ካብ’ቲ ፈለማ ዝተለቃሕኩሞ ብዙሕ ግዜ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፍ ኢኹም ትኸፍሉ።”
ገለም ካብ’ቶም ልዕሊ $2000 ዝኾኑ ናይ ቅልጡፍ ለቓሓት ከም መኪና ዝኣመሰሉ ንብረታት ኣትሒዝካ ዝተረኽቡ ይኾኑ።
እዚ እንታይ ማለት’ዩ- እቲ ተለቃሓይ ኣብ ምምላስ ክፍሊት ዕድኡ ድሕሪት እንተተሪፉ እታ መኪና ንባዕላ ክትውሰድ ኣብ ልዑል ሓደጋ እያ ዘላ።
ካብ’ዚ ተበጊሱ ዝፍጠር ጸገም ከኣ ናብ ስራሕ መኪናኻ ዘዊርካ ዘይምኻድ ወይ ደቅኹም ናብ ቤት ትምህርቲ ክትወስዱ ዘይምኽኣል ክኸውን ይኽእል፡ እታ መኪና ስለትህገር ወይ ስለትውሰድ።
“ኩሉ’ዚ ማለት ከኣ ድሕሪኡ ቀልጢፍካ ነቲ ቀዳማይ ዕዳ ንምኽፋል ክትብል ካልእ ናይ ቅልጡፍ ለቓሕ ትወስድ፡ ኣብ መጻወድያ ዕዳ ትኣትወሉ ኸኣ ኣብ ከም’ዚ’ዩ።”
ብራውን ሾው ብተወሳኺ ካልኦት ፍርያት ለቓሕ ከይውሰድ ተጠንቅቕ፡ ከም በዓል’ቶም ዘይጓድኡ ዝመስሉ ግን ከኣ ንኻልኦት ዝተደራረቡ ውዕላት መንገዲ ዝኸፍቱ ከም በዓል ኣፍተር-ፔይ (እቲ ዋጋ ኣብ ኣርባዕተ ተመቒሉ በብቑሩብ ዝኽፈል)ን ሕጂ ግዛእ ዳሕራይ ትኸፍል ዝብሉ መደባትን።

Source: Getty Images/miodrag ignjatovic
“ኣብ’ታ ኣብ ምኽፋል ድሕሪት ዝተረፍካላ ደቒቕ ሽዕ’ኣ እዮም እቶም ኣለቃሕቲ ብኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ክፍሊታት፡ ወለዳትን ካልእ ዝኽፈል መቕጻዕትን ክሃርሙኻ ዝጅምሩ።”
ማክኣልፓይን እቲ ካልእ ሓደገኛ ክውገድ ዘለዎ ናይ ልቓሕ ፍርያት እቲ ኣብ መወዳእትኡ ንኽትገዝኦ እናተኻረኻዮ ትጸንሕ (Rent to pay) መደብ እዩ፡ እዚ ንዕለታዊ ኣድለይቲ ነገራት ክትረኽቡ ብዋጋ ኣድማዒ ዝኾነ መንገዲ ተባሂሉ ዝወዓዋዕ’ዩ።
“እዚኦም ብሓቂ ክቡራት መንገድታት ንምግዛእ እዞም ኣቑሑት ምስናይ ዝለዓለ መጠን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ወለድ እዩ።”
ዝተፈላለዩ ዕዳታትካ ኣብ ሓደ ምጥርናፍ ጽቡቕ ወይ ሰሓቢ እንተመሰለ’ኳ ለዊስ ሰባት ካብ ሃገራዊ መስመር ሓገዝ ዕዳ ቀዲሞም ፋይናንሳዊ ምኽሪ ክሓቱ ኣለዎም ትብል።
“ኣብ 9ይ ክፋል ስምምዕ ዕዳ (Part 9 Debt Agreement) ምእታው ማለት ባዕሉ ብሓቂ ናይ ጥፈሻ ተግባር እዩ። ብሓፈሽኡ ንዓኹም ዝኾኑ ኣዝዮም ዝሓሹ ካልኦት ኣማራጺታት ኣለው።”
ካብ’ቶም ሕጂ ገዚእኩም ዳሕራይ ትኸፍሉ ዝብሉ ስምምዓት ፍልይ ብዝበለ፡ እቶም ቅልጡፋት ለቓሓት ብሓደ ንዕዳ ኣህለኽቲ ዝሕሉ ዓንቀጽ ‘National Consumer Credit Protection Act’ ዝተሓለው እዮም።
ጀን ለዊስ ማእከል ሕጊ መሰላት ፋይናንስ (Financial Rights Law Centre) ንዓደግቲ ንዕዳ ዝምልከት ምጉቶም ኣብ ምፍታሕ ክሕግዞም ይኽእል’ዩ፡ ካብ ፈለምኡ ክመልስዎ ዘይክእሉ ገንዘብ ተለቂሖም ኢሎም ዝኣምኑ እንተኾይኖም ወይ እቲ ለቓሕ ነቲ ናይ ፈለማ ጠለባትን ዕላማታትን ተለቃሒ ዘየማልእ እንተኾይኑ ማለት እዩ።
“ነቲ ዕዳ ክትማጎተሉ ነጻ ዝኾነ ኣገባብ ዕርቂ/ምፍታሕ ምስሕሓባት ተቐሪቡ ኣሎ፡ እንተተዓዊትኩም እቲ ትኸፍልዎ ነቲ ወለድ ዘይኮነ ነቲ ቀንዲ ክፍሊት ጥራይ’ዩ።”
ሜጋን ማክኣልፒን ኣብ ልዕሊ’ቲ ነቶም ኣብ ፋይናንሳዊ ጸገም ዘለው ዝቐርብ ኣማራጺታት ማይክሮፋይናንስ፡ ማሕበር ጉድ ሸፈርድ ብተወሳኺ ቀወምቲ ነበርቲ ንዘይኮኑ ሰባት ወለድን ዝኽፈል ዘይብሉን ለቓሕ የቕርብ፡ ንከም በዓል ጻዕዳ ኣቑሑት ዝበሃሉ፡ ከም መሕጸቢ ማሽን፡ ንትምህርቲ ዘድልዩ ነገራት፡ ናይ ገዛ ኣቑሑን ኣብ ገሊኡ ኸኣ ሕክምናዊ ክፍሊትን።
“እዚ ልቓሕ ክሳብ $1500 እዩ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ካርድ ክንክን ጥዕና (Healthcare) ዘለው ወይ ነቶም ትሕቲ $45000 ኣብ ዓመት ዘእትውን እዩ፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ለቓሕ ይረኽብዎ።”
ብመንግስቲ ኣውስትራልያን ናሽናል ኣውስትራልያን ባንክን (NAB) ዝምወል ጉድ ሸፈርድ ብተወሳኺ ነቶም ብምኽንያት ኮቪድ-19 ስርሖም ዝሰኣኑ ናይ መብራህትን ማይን ከምኡ’ውን ገዛ ክራይ ክሳብ $3000 ብምሽፋን መቃለሊ ዕዳ ንስድራቤታት ብተወሳኺ የቕርብ።
ንጹላት በይኖም ዝኾኑ ዝልቅሑ ሰባት ትሕቲ $60000 ኣታዊ ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም ወይ ከኣ $100000ን ካልኦት ተጸጋዕቲ እንተሃልዮሞም ነቲ ለቓሕ ክረኽብዎ።
እቲ ለቓሕ ንዝኾነ ድሕሪ'ቲ ውዕል፡ ካብ 12 ክሳብ 24 ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝኽእል፡ ግዚኡ ዝሓልፎ ቪዛ ዘለዎም ይወሃብ።
“ክፍሊታት ለቓሕ ብቐጥታ ናብ’ቲ ኣቑሑ ዘቕረበ ኣካል ወይ ወኪል ክራይ ወይ ከኣ ወሃቢ ቀረብ መብራህቲ ድዩ ዋላ ካልእ ነገር ይኽፈል።”
ማክኣልፒን ፋይናንሳዊ ጹናሚ ድሮ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዙሓት ኣብ ፋይናንሳዊ ጸገም ዝርከቡ ኣሎ ትብል፡ እዚ ኸኣ ብምኽንያት ድምር ናይ ኣብ ለቓሕ ዝተሞርኮሰ ኣካይዳ ህይወት ቅድሚ ኮቪድ-19ን ብሰንኪ ስጉምትታት ምክልኻል ለበዳ ዝተፈጥረ ምንቁልቋል ቁጠባን’ዩ።
ማክኣልፒን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ልዑል ሓደጋ ወይ ሪስክ ዘለዎም ለቓሓት ክወስዱ ከም በዓል ኣፍተርፐይ ንተለቃሕቲ ቀሊል ዝገበረሎም ጽላት ለቓሕ ወይ ክረዲት ነቐፌታ ኣለዋ።

Source: Getty Images/BeyondImages
“ድሕሪኡ ጸኒሖም ተመሊሶም ክኸፍልዎ ናብ ዘይክእሉ ናብ ዝገደዱ ጸገማት ይኣትው።”
ብራውን-ሾው እታ ቀዳመይቲ ደወል ናብ ሃገራዊ መስመር ሓገዝ ዕዳታት መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ፋይናንሳዊ ጸገም ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ እታ ዝኸበደት ስጉምቲ’ያ ትብል።
ገሊኦም ከይድውሉ ቃልዓለም ይገብሩ እቲ ንፋይናንስ ዝምልከት ሓበሬትኦም ንኣስራሒኦም ወይ ንባንኮም ከይግለጽ ስለዝፈርሑ።
እንተኾነ ግን ብራውን-ሾው ንደወልቲ ኣገልግሎት ፋይናንሳዊ ምኽሪ ናይ’ቲ መስመር ሓገዝ ነጻን ብስቱር ዝተሓዝ ምዃኑን ተረጋግጸሎም።
“ፈጺሙ ከም’ዚ’ዮም ኢሉ ዝፈርድ ኣይኮነን፡ ምሉእ ብምሉእ ከኣ ስቱር እዩ።”
ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ወይ ጸገም እንተሃሊኹምን ኣእምሮኣዊ ሓገዝ የድልየኩም እንተኾይኑ ብቁጽሪ 1300 22 4636 ቢዮንድ ብሉ ኢልኩም ደውሉ። ወይ ከኣ ላይፍላይን ብቁጽሪ 13 11 14 ደውሉ።
ንነጻን ስቱርን ዝኾነ ፋይናንሳዊን ሕጋዊን ምኽርታት ሃገራዊ መስመር ሓገዝ ዕዳ ብቁጽሪ 1800 007 007 ኢልኩም ደውሉ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ጉድ ሸፈርድ ወለድ ዘይብሎምን ዘይክፈሎምን ለቓሓት ኣብ መርበብ ሓበሬትኦም ብጽሑ ወይ ከኣ 1300 121 130 ኢልኩም ደውሉ።
ናብ ዝመረጽኩሞ ወሃቢ ኣገልግሎት ብሓገዝ ናይ ኣስተርጓሚ/ተርጓሚ ክትረኽብዎም ክትክእሉ ኣገልግሎት ትርጉም ጽሑፍን ቃላትን (TIS) ብቁጽሪ 13 14 50 ደውሉ።