Key Points
- ኣውስትራሊያ ሕጽረት ቀረብ እንቋቑሖ የጋጥማg shortage.
- ክትፈልጥዎ ዝግባእ ብዛዕባዚ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብ ሱፐር ማርኬት ባዶ ከብሒታት እንድሕር ኣስተብሂልካ ፣ ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ኣብያተ መግቢ ለውጢ ዝቕረብ መግቢን ወይ ዋጋ ናይቲ ትፈትዎ ዝተጫጭሐ እንቋቑሖ ምውሳኽ እንተሪኢኻ፣ በይንኻ ኣይኮንካን ።
ኣውስትራሊያ ኣብ ናይ እንቋቑሖ ሕጽረት እያ ትርከብ ፡ እዚ ድማ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎ ። ነዚ ድማ ኢኻ ክትፈልጦ ዘሎካ ።
እንታይ እዩ ዝኽውን ዘሎ?
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ እንቋቑሖታት ብናይ ቀረብ ሰንሰለት ጉዳያት ካብ ዝተሃሰዩ ኣቕሓ እዮም ፡ እዚ ድማ ሕጽረት ቀረብ ናይ ሰላጣን ደርሆን ፡ ኣብ መጀመርያ ለበዳ ኮቪድ-19 ድማ ወረቐት ዓይኒ ምድሪን ስዒቡ እዩ ።
ኣብ ገለ ዞባታት እቲ ናይ ቀረብ ጸገም ሰፊሕ እዩ ዘሎ ።
ገሊኦም ናይ ምዕዳግ ደረት ክጥቀሙ ከለዉ ፡ ገሊኦም ከኣ ዋጋኦም ወሲኹ እዩ ። ኣብ ገሊኡ ድኳናት ፡ እቲ ከብሒ ናይ እንቋቑሖ ምሉእ ብምሉእ ጥራዩ እዩ ።
ኣብ መመገቢ ቦታታት ብዙሕ ናይ እንግዶት ወይ ነቲ ዝቐርብ ትሕዝቶ (መኑ) ኣማሓይሾሞ ኣለዉ ወይ ድማ ናይ እንቋቑሖ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ዋጋኡ ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ መግቢታት ምኽትል ዳይረክተር ዌስ ላምበርት ገሊጹ ።
"ኣብ ሰንሰለት ቀረብ ወይ ኣብ ሰንሰለት ብዙሕ ወጻኢታት ምስ ዘጋጥም: ከም ስራሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ" ።
"እቲ ቀረብ እንተደስኪሉ ፡ ብርግጽ ዋጋ ክውስኽ እዩ። ኣብ ገሊኡ ድማ ኣማራጺ ትሕዝቶ ምቕራብ'ዩ።
እንቋቝሖ ዘይብልካ እንተ ዄንኻ ግና ፡ ቅልዋ፡ ወይ ናይ እንቋቑሖ ቶስት ክትቅርብ ኣጸጋሚ እዩ "በለት ።
ንምንታይ'ዩ ግና እዚ ሕጽረት ቀረብ እንቋቑሖ ኣጋጢሙ?
ጠንቂ እቲ ሕጽረት ብዙሕ ረቛሒታት እኳ እንተ ኰነ ፡ እቲ ሕጽረት ግን ካብ መጠን ንላዕሊ ጠለብ ስለዘሎ እዩ ።
ብመሰረት ናይ ኣውስትራሊያ ማሕበር ኣፍረይቲ እንቋቑሖ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እቲ ኢንዱስትሪ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ናይ ጫካታት ባርዕ ፣ ዕልቕልቕ ፣ ድርቅታት ፣ ናይ ኣናጹ ለበዳ ፣ ናይ ኮቪድ-19 ጽልዋታት ከምኡ "ውን ናይ እቶት ወጻኢታት ተጸልዩ እዩ።
ሚስተር ላምበርት ኣርባዕተ ቀንዲ ረቛሒታት ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ "ኣብ ኤውሮጳ ንሰንሰለት ቀረብ ዝጸሉ ውግእ ኣሎና ፡ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ኩነታት ኣየር ኣሎ ፡ ኣብ ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ርሑቕን ሰፊሕን ዝዀነ ናይ እቶታውነት ወጻኢታት ይውስኽ ኣሎ ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ከቢድ ናይ ሰራሕተኛ ሕጽረት ኣጋጢሙና ኣሎ ።
"ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ስለ እተጣመረ ፡ ናብ ፍጹም ማዕበልን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታትን እዩ ኣምሪሑ ።"
ንዓይ ብኸመይ ይጸልወኒ?
ንተጠቀምቲ ፡ ጽልዋ ናይ "ቲ ሕጽረት እንቋቑሖ ፡ ብኽልቲኡ ሸነኹን ማለት ብዋጋን ብምርካብን እዩ ዝጸሉ ዘሎ ።
ከም ኮለስ ግሩፕ ዝኣመሰለ ገሊኡ ሱፐር ማርኬታት ፡ ንሓደ ዓሚል ክልተ ባኮታት ጥራይ እዩም ዘቕርቡ ዘለዉ ።

ከም ኮለስ ግሩፕ ዝኣመሰለ ገሊኡ ሱፐር ማርኬታት ፡ ንሓደ ዓሚል ክልተ ባኮታት ጥራይ እዩም ዘቕርቡ ዘለዉ ። Source: SBS / Rayane Tamer
ሕጽረት ንምቕራብ ፡ ንኣአንገድቲ ዝኸውን ብዙሕ ኣማራጺታት ከም ዘይብሎም እዩ ዝዛረብ ።
"(ናይ ንግዲ ትካላት) ዋጋ እንቋቝሖ ክውስኽ ከሎ ብርግጽ ይርእዩ እዮም ዘለዉ: እዚ ከኣ ብርግጽ ንዓማዊል ክመሓላለፍ እዩ: ኣብዚ በጀት ዓመት እዚ ካልእ ዋጋ እውን ክውስኽ እዩ" በለ ።
"ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጽረት ካብ ዝጅምር ሰሙናውን ኣዋርሕን ሓሊፉ እዩ: ኢንዱስትሪ ኣአንጋድነት ድማ ነዚ ወሰኽ ዋጋ ናብ ዓማዊል ኣስጊሩ እዩ ።"
ሚስተር ላምበርት ፡ ሕጽረት ምግብን ምውሳኽ ወጻኢታትን ስዒቡ፡ ንብዙሓት ናይ እንግዶት ትካላት ዋጋአን ክሳዕ 15 ሚእታዊት ከም ዝበጽሕ ገይርዎም እዩ ።
ከመይ ኢሉ'ዩ ኮቪድ-19 ምስዚ ዝተሓሓዝ?
ማቲው ፈነች ወናኒ ናይ እንቋቑሖ ፈነች ፋሚሊ ፋርም ወናኒ እዩ። ኮቪድ-19 ኣብ መንጎ ቀረብን ጠለብን ናይ ንግዲ ቀንዲ ደራኺ እዩ ይብል ።
"ኣብ ምሉእ ናይ ኮቪድ-19 ወቕቲ መሸጣ ወሪዱ እዩ: ስለዚ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ኣማራጺ ኣይነበረናን: ደርሁ ክትክኣ እናተዳለዋ ስለዝመጸ ፈጺመን ኣይተተክኣን" ።
"ጠለብ ክውስኽ ምስጀመረ ፡ ነቲ ቀረብ ንምትካእ ግዜ ስለ ዝወስድ ፡ ቐልጢፉ ቀረብ ኣይተማልአን" በለ።
ሓላፊ ናይ ምርምርን ምዕባለን ትካል Australian Eggs ዝኾነ ራውን ማክሞኒስ ንሓረስቶት እንቋቑሖ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ከምዚ ይብል ፡ ሓረስቶት ኣብ ምሉእ ዓመት ብመደብ ጠለብ ከማልኡ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ስለዝዓንቀፎ ነዚ ኣጸጋሚ ገይርዎ እዩ ኢሉ።
"እቲ ዕጽዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ተዛዘመ ፡ ጠለብ እንቋቝሖ ብኡብኡ ስለ ዝነከየ ፡ ዝወሓደ እንቋቝሖ ከም ዘድሊ ንሓረስቶት ምልክት ሰደደሎም" በለ ።
እንተዀነ ግን: ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ብዝቐልጠፈ ግዜ እቲ ጠለብ እንቋቝሖ ወሲኹ እዩ "በለ ።
እዚ ዓመት ዓመት ዘጋጥም ድዩ?
ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጀመረሉ ዓመተ 2020 ኣትሒዙ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ጐሊሑ እኳ እንተ ሃለወ ፡ ሓፈሻዊ ሕጽረት ሓድሽ ፍርያትን ካልእ ዓይነት መግብን ግን ልሙድ ተርእዮ እዩ ።
ንኣብነት ፡ ኣብ ግዜ ክረምቲ ፡ ነጻ ናይ ምምእራር ሕርሻ ፡ ምህርቲ ከም ዝጐድል ሚስተር ፈነች ይገልጽ ።
"ተወሳኺ ቀረብን ጠለብን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ናይ ዓመት ግዜ ትረክብ ኢኻ ፡ ከም ፍሩታን ኣሕምልቲን ከምኡ እዩ" ይብል ፈነች ።
"እቲ ዕዳጋ ኵሉ ሳዕ ይድይብን ይወርድን እዩ ፣ ግና ከምዚ ንርእዮ ዘለና ክቱር ኣይኰነን ።"
መዓስ'ዩ ናብ ንቡር ክምለስ?
ብመሰረት ሚስተር ፈነች ፡ እቲ ዘጋጠመ ሕጽረት መወዳእታ መዓልቲ ዝተረፎ ግዜ ምንባይ ኣጸጋሚ ኮይኑ ፡ ጠለብ ንምምላእ ዘድሊ ቀረብ ናይ ምውሳኽ መስርሕ ግን ኣዋርሕ ክወስድ እዩ ።
"ኣብ እትውስንሉ ግዜ (ቀረብ ንምውሳኽ) ፡ እንቋቝሖ ኣብ መንቁሒ ኣእትውዮ ፡ ነቲ እንቋቝሖታት ኣሕቊፍካ ፡ ነተን ደርሁ ንምዕባይ ካብ ሽዱሽተ ኽሳእ ሸሞንተ ወርሒ እዩ ዝወስድ" ።
" መፍረ ደርሆ ከም ወረቐት ሽቓቕ ኣይኮነን ፣ ማሽን ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት ከተስርሖ ትኽእል ኢኻ ፣ ደርሆ ግና ኣብ ሃደ እዋን ሓንቲ እንቋቝሖ እያ እትወልድ ፣ እዚ ጥራይ እያ ክትገብር ትኽእል ።"