ናይ ጻዕዳ ዓብላልነት ዝኣምኑን ንዮ-ናዚስታዊያን ኣውስትራሊያ ለበዳ ቫይረስ ምኽሳቱ ንምንታይ ኣሐጒስዎም?

ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ዶባት ምዕጻዉ፡ ማሕበረሰብ ክዓኑ ተስፋ ብምግባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ገለ ብዓብላልነት ጻዕዳን ዝኣምኑ ንዮ-ናዚስታዊያንን ሕማም ኮሮና ቫይረስ እናወሰኸ ምኻዱ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።

Some far-right groups are welcoming the rise of coronavirus.

Some far-right groups are welcoming the rise of coronavirus. Source: AAP

ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ጌጋ ሓበሬታን ናይ በለካ ለኽዓካን ክለሰሓሳባትን ገኒኖምሉ ኣብዘለዉሉ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ገለ ዓብላልነት ጻዕዳን ንዮ-ናዚስታዊያንን ሕማም ኮሮና ቫይረስ እናወሰኸ ምኻዱ ፖለቲካዊ ረብሓ ከምጽእ'ዩ ብምባል ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።

ብዛዕባ ዓብላልነት ጻዕዳን ዝመራመር ኣንዲ ፍለሚንግ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዓብላልነት ጻዕዳን ንዮ-ናዚስታዊያንን ዝኣምኑ ኣብ ኦንላይን ዝበሃሃልዎ ብጥቡቕ ክከታተሎ ዝጸንሐ ኾይኑ እቲ ኣብቲ ናቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝኸውን ዘሎ "ኣዚዩ ዘጨንቕዩ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ንሱ SBS News  ከምዝገለጾ ጉጅለ ብዓብላልነት ጻዕዳ ዝኣምኑ፡ ኣህጉራዊ ዶባት ብምዕጻዎምን ናይ ወጻኢ ዜጋታት ናብ ኣውስትራሊያ ከይኣትዉ ምኽልካሎምን ብሓጎስዮም ተቐቢሎሞ ዘለዉ።
“ 'ወጻእተኛታት ርሒቖምልና' ብምባል ሓጎሶም'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ፡ ነቲ ድሮ ዝጸንሐ ጽልኣት ወጻእተኛታት ተጎሃሂሩዩ ዘሎ። ብተወሳኺ፡ እዚ ሕማምን ዉድቀትን መጺኡ ዘሎ ብካብ ኤሽያ ዝመጹ ባእታታት እዩ፡ እዮም ዝብሉ ዘለዉ።” ብምባል ሚስተር ፍለሚንግ ገሊጹ።

ብዙሓት ካብ ኣቶም ነቲ ምዕጻው ብሓጎስ ዝተቐበልዎ ክኾኑከለዉ፡ ዉሑዳት ጉጅለ ድማ ነቲ ቫይረስ ንባዕሉ ምምጻኡ ኣሐጒስዎም ኣሎ።

ዶ/ር ክሪስቲ ካምፒዮን ካብ ቻርለስ ስታርት ዩኒቨርሲቲ ከምትብሎ ድማ ነቲ ቫይረስ ምምጻኡ ዘሐጉሶም ሰባት ከምሳዕቤን እዚ ኮይኑ ዘሎ ምሓበራዊ ዉድቀት ክመጽእ እሞ እቲ ዝፍጠር ዕግርግር ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሕሉፋት የማናዊያን ኣተሓሳስባ ክዕብልል ዕድል ዝፈጥር ሃዋሁው ክርከብዩ ኢሎም ብምሕሳብ እዩ።

“ሕንፍሽፍሽ ነቲ ናቶም ኣተሓሳስባ ዘዐውት ስትራተጂ እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። ማሕበራዊ ሕንፍሽፍሽን መንግስቲ ክነቓነቕከሎ ናብ መኽሰብካ ኣውዕሎ ኢሎም ይ ኣምኑ። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዝለዓዓሉ ግበርን ናይ ማሕበረሰባት ጥምረት ነቓዕ ፍጠር ኢሎም ይኣምኑ።” ኢላ።
“ነዚ ናቶም ኣተሓሳስባ ሽቶኡ ንኽወቅዕ ኣብ ኦንላይን ዘይተኣደነ እንካን ሃባን ዓሚሩ እዩ ዘሎ። ኮቪድ ድማ ኣዚዩ ተመዝሚዙ ዘሎ ኣርእስቲ'ዩ ኮይኑ ዘሎ።”

ዓሌታውነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ኣብዚ እዋን ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ናይ ኤሽያ ዘር ኢ ዘለዎም ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራሊያ መጥቃዕቲ እናወረዶም ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ቀንዲ መዲያታትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብብዝሒ ይረኣዩ ኣለዉ።

ተመራመርቲ ሕሉፍ የማናውነት ካብ ጉጅለ ተመራመርቲ ጸረ ፋሽሽትነነት ዋይት ሮዝ ከምዝብሎ እዚ ጸረ ኤሽያ ኣተሓሳስባ ብጉጅለ ናይ ጻዕዳ ብሄራውነት ዝድፋእ ዘሎ ኰታት እንተኾነ'ኳ ናብቲ ቀንዲ ማሕበረሰብ ኣውስትራሊያ ብቕልጡፍ ይሰፍሕ ኣሎ።

“ሰባት ኣብ መጠኑ ዝሓለፎ ኣብ ኦንላይን ተፈሊዮም ኣብ ገዛኦም እዮም ተዓጽዮም ዘለዉ። ናይ ጽልእን በለካ ለኽዓካን ሓሳባት ይዝርግሑ እዮም ዘለዉ። ሰባት በዚ ዘሎ መጠኑ ዝሓለፎ ኣብ ኦንላይን ምውዓል እቲ ሕሉፍነት ከም መንሽሮ ናብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ይላባዕ እዩ ዘሎ።" ብምባል ሓደ ናይዚ ጉጅለ ወሃብ ቃል ን SBS News ገሊጽሉ።
Far right figures such as Blair Cottrell have been seen sharing the content.
Far right figures such as Blair Cottrell have been seen sharing the content. Source: AAP
ጉጅለታት ሕሉፍ የማንነት ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ ናይ ምዕጻው ሕጊ ጥሒሶም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ጭርሖታት ይዝርግሑን  ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ  " the Proud Boys movement" ዝብል ናይ ኢንተርነት ሕሳብ ተኣሳሲሮም ሓሳብ ክለዋወጡ ይውዕሉን ኣለዉ።

ካብዞም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ዘለዉ ነገራት፡ ነዚ ቫይረስ ዘምጽእዎ ኤሽያዊያን ኣውስትራሊያዊያን ብምዃኖም ስርዓተ ሕብረ ብዙሕ ባህሊ ክተርፍ ይጉስጉሱ ኣለዉ።

እቲ ፖስት በቲ ኣብ 2017 ኣብ ቤንዲጎ መስጊድ ከይስራሕ ናይ ጽል ኢ ዘረባታትን ንእስላም እናናሸወ ብዝዘርግሖ ቪድዮ ገበነኛ ተባሂሉ ተኣሲሩ ብዝነበረ T Blair Cottrell, ከይተረፈ ይዝርጋሕ ኣሎ።

5G, ናናይ ወልነስ ብሎጎራትን ሕሉፋት የማናውያንን

ተመራማሪ ናይ ዋይት ሮስ ከምዝገልጾ በቶም ሕሉፋት የማናውያንን ጉጅለታት ጸረ ምኽታብን ካልኦትን እዚ ሕሉፍ ጽልኢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ካብቶም ቀንዲ ትሕዝቶታት ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ክለሰሓሳብ ምብእኣስ ምስ ናይ 5G  መርበብ ብምትሕሓዝ እዚ ቫይረስ ብቻይና ዝማዕበለ ህይወታዊ መሳርያ እዩ ዝብል ይርከቦ።
“እቲ ጉጅለ ሕሉፍ የማን ንኹሉ እቲ ፕሮፖጋንዳ ክገብሮ ኣየድልዮንዩ፡ ካልኦት ምንቅስቓሳት ኣብ ክንዳኦም ኮይኖም ዝገብርሎም ኣለዉ።” ክብል እቲ ተመራማሪ ይገልጽ። 

“ናይ 5G መስመራት ብሓዊ ይቃጸሉ ኣለዉ ክብላ  ዮጋ ዝሰርሓ ኣዴታት ክዛረባ ተሰሚዐን፡ ወሲኸን ድማ እዚ ሓሶት እንተዝኾነልና መን ምሃበና ድማ ይውስኻ።” 

ኩሎም እቶም ንSBS News ዝገለጹ ተመራመርቲ ከምዝሓበርዎ፡ እዚ ምድንጋራትን ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ፍርሒን ነቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከብ ሕሉፋት የማናዊያን ምቹእ ባይታ ፈጢርሎም ኣሎ። እቲ ናታቶም ሓሳብን ኣረኣእያን ካብቲ ዝነበሮ ብዝያዳ ኣቓልቦ እናሰሓበ ይኸይድ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ናይ 1.5 ሜትሮ ክረሓሓቕን ምስ ስድራ እንተዘይኮይኑ ካብ ክልተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ኣይፍቀድን ዘሎ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፍካ ከይትኸውን እንተሰጊእካ፡ ናብ ዶክተርካ ደውል (ናብ ኡ ኣይትኺድ) ወይውን ናብ ሃገራዊ ኮሮና ቫይረስ ናይ ጥዕና ሓበሬታ ሆትላይን ብቑጽሪ  1800 020 080 ደውል። ናይ ምትንፋስ ጸገም እንተጋጢሙካ ወይውን ንህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ብቑጽሪ 000 ደውል

 


Share
Published 22 April 2020 12:24am
By Jarni Blakkarly


Share this with family and friends