ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ ዘመን ዲክታቶር ኮይኑ ኣብ እንግደዓ በለሩሳዊያን ሸይሸይ ክብል ዝጸንሐ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ዕሉል ዉልቀ መላኺ ኮይኑ፡ ህዝቢ ብሓጺን ምቕጥቃጥ ድሕሪ ደጊም ይኣክል ኢሉ ተወዲእዎ 'ዉረድ' ኢሉ ናብ ጽርግያ ወጺኡ ኣሎ።
ወዲ ሓረስታይን፡ ሕብረት ሶቬት ክትፈርስ'ከላ ኣቦ ወምበር ናይ መንግስቲዊ ሕራሻ ዝነበረ ሚስተር ሉካሸንኮ፡ መሪሕነት ስልጣን ዝጨበጠ በላሩስ ናይ ፈለማ ደሞክራሲያዊ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ምስገበረትዩ። ንሱ ነቲ ምርጫ ናይ ፈለማ ናይ መወዳእታን ክኸውን ንምርግጋጽ፡ ነቲ ናይ ቀደም ጸጥታዊ መሓዉር ናይ ሶቬት ኬ ጂ ቢ (K.G.B.) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ክገብሮ ተጓየየ። ንተቓዉሞ ዝብገስ ዝኾነ ምንቅስቓስ ብኣጋኡ እናቖጸየ፡ ነቲ ፓርላማ፡ ሕጋዊን መዲያን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ኣእተወ። በዚ ድማ "እቲ ናይ መወዳእታ ዲክታቶር" ዝብል ስም ጠበቖ።
ህዝቢ በላሩስ ነቲ 26 ዓመታት መግዛእቲ ካብዚ ንላዕሊ ክጻወሮ ብዘይምኽኣሉ ኣብዚ እዋን "ይኣኽለካ!" ብምባል ኣንጻሩ ዓጢቑስ፡ ሉካሸንኮ 'ስልጣነይ ከመቓርሖ'የ' ክብል ኣገዲድዎ ኣሎ።
እዚ ምልምላም ካብቲ ፕረሲደንት ዝመጸ ኣብ ወጻኢ ትቕመጥ ተቓዋሚት ፖለቲከኛ ስቪያትላና ቲክሻኖኡስካያ ነታ ሃገር ክትመርሓ ድልውነታ ምስገለጸት'ዩ።
ምርጫ ተጌሩ ፕረሲደንት ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ 'ኣነ'የ ተዓዋቲ' ኢሉ ምስ ኣወጀ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ጽርግያታት በላሩስ ብቑጡዓት ሰልፈኛታት ክመልእ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን በላሩስ ካብቲ ናይ 26 ዓመታት ዉልቀ-መላኺ መራሒ ትገላገል ብምህላዋ ሰልፈኛታት ካብ ቁጠዐ ናብ ተስፋ ገጾም የምርሑ ኣለዉ።
ብሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ሚንስክ ናብ ጽርግያታት ዝወጸ ህዝቢ፡ በላሩስ ሓድሽ ምዕራፍ ትኸፍት ከምዘላ ስምዒቶም ገሊጾም ኣለዉ።
ተንተንቲ ከምዝብልዎ ግና እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ስርዓት ነቲ ናይ ህዝቢ ማዕበል ተቕእዉሞ ንምቁጽጻር መገዲ ሃሰው ይብል ስለዘሎ፡ ኩነታት ቤላሩስ ኣብ ሓደገኛን ተኣፋፊ ኩነታትንዩ ዘሎ ይብሉ።

Belarusians attend a rally in support of the Belarusian opposition and the results of the Belarusian presidential election in Minsk. Source: AAP
“ኣብ ባይታ ህዝባዊ ደገፍ ብምስኣኖምን እታ ቀንዲ ደጋፊት እቲ ስርዓት ዝኾነት ራሻውን ስለዝገደፈቶም መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ጭንቀትዮም ዘለዉ፡" ክብል ኣለክሳንደር ሙራቪቭ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኩርቲን ን SBS News ገሊጹ።
ዉጽኢት ናይ ምድንጋር ምርጫ
ሚስተር ሉካሸንኮ (እቲ ናይ መወዳእታ ዲክታቶር ኣውሮጳ) ኣብ 1994 እዩ ድሕረ ምፍራስ ሶቬት ፕረሲደንት ኮይኑ ተመሪጹ።
ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ዉልቀ ምልክነቱ እናዕበየ ንዝቃወምዎ እናጨፍለቐ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ክፍጽም ተራእዩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሚስተር ሉካሸንኮ ናይ ይምሰል ምርጫ ብምግባር ናይ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ድምጺ ረኺበ ብምባል ንሻድሻይ እብረ መሪሕነቱ ክቕጽል ኣዊጁ። ምስቲ ተቐባልነቱ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ግና እዚ ዘይከውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ።

Belarus President Alexander Lukashenko holds a meeting in the Strategic Management Centre of the Belarusian Defence Ministry on 15 August. Source: AAP
ከም ውጽኢቱ ኣሻሓት በላሩሲያዊያን እቲ ምርጫ ተደናጊሩ ብምባል ናይ ተቓዉሞ ድምጺ የስምዑ ኣለዉ።
እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ስርዓት ንሰላማዊ ሰልፈኛታት ብምቕጥቓጥን ብናይ ጎማታት ጠያይትን ዮም ተቐቢሎሞም። እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ካብዝጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 6,700 ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝ ኣተዉ ኮይኖም ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ፣
“ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ፡ ክንድዚ ተቓዉሞ ክመጾ ትጽቢት ዝገበረ ኣይመስለንን" ክብል ፕሮፌሶር ሙራቨቭ ነቲ ኩነታት ይገልጾ።
እቲ ተቓዉሞ ይገድድ
ብሰንበትኣብ ሚንስክ ዝተገብረ ህዝባዊ ተቓዉሞ ኣብ ታሪኽ ነጻ በላሩስ እቲ ዝዓበየ ኔሩ ክብል ሓደ ነጻ መድያ እታ ሃገር ገሊጹ።
ሰልፈኛታት ናይ ዓወት ምልክታት የርእዩን ዕምባባታትን ናይ ዓወት ፍሕኛታትን ሒዞም ተራእዮም።
"ሓዳስ በላሩስ ትጅምር ኣላ," ክትብል ሓንቲ ኣደ 6 ውሉድ ን AFP. ገሊጻ “ነዚ ብዓይነይ ምር ኣየይ ኣዚየ ሕጉስቲ እየ።" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ፕሮፌሶር ሙራቪቭ ነዚ ምስተዓዘበ " ቤላሩሲያዊያን ናይ ብሓቂ ለውጢ ደልዮም ተበጊሶም ኣለዉ" ኢሉ።
እታ ህብብቲ ተመራጺት ተቓዋሚት ስቨልታና ቲክሃኖቭስክያ ድሕሪ ውጽ ኢት ምርጫ ናብ ኢቱወኒያ ምስ ሃደመት ዓቢ ተቓዉሞ ክግበር ጸዊዓ ኣላ።
ሚስተር ሉካሸንኮ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዕጭ ሓንፊፉ እዩ ዘሎ።
"ንፈለማ እዋን ድሕሪ ናይ ርብዒ ክፍለዘመን ነጻነት ሃገርኩም ክትከላኸሉ ኣብዚ ይጽውዓኩም ኣለኹ ..." ክብል ንዉሑዳት ደገፍቱ ጸዊዑ ኣሎ።

Protesters in Minsk, Belarus, on 15 August. Source: AAP
ምስ ራሻ ዘለዎ ዝምድና
ኣብ ጽርግያታት ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ምስበዝሐ፡ ሚስተር ሉካሸንኮ ካብ ሞስኮ ሓገዝ ሓቲቱ ኣሎ። ክረምሊን ከምትገልጾ፡ ሚስተር ሉካሸንኮ ምስ ፕረሲደንት ቪላድሚር ፑቲን ኣብዝነበሮም ናይ ተለፎን ዝርርብ ፑቲን 'እቲ ዘድሊ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምቕራብ ድሉው ምዃኑ' ገሊጽሉ ኣሎ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ ራሻ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ንትገብሮ ዝነበረት ተግባር ድሕሪ ምኹናኑን ሚስተር ሉካሸንኮ ህውከት ክፈጥሩ መዲቦም ኔሮም ብዝብል ምኽንያት ን 33 ሩስያዊያን ድሕሪ ምእሳሩንዩ።
ምስተር ሉካሸንኮ ኣብዚ እዋን ደገፍ ካብ ራሻ ምሕታቱ ራሻ ኣብ ጉዳይ በላሩስ ጣልቃ ከይት ኣቱ ስግ ኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።
ፕሮፌሶር ሙራቪቭ ከምዝገልጾ ራሻ ኣብ ጉዳይ በራሉስ ጣልካ ክት ኣቱ እንተኾይና ክልተ ልቢ ሒዛ እያ

Russian President Vladimir Putin Source: AAP
“ብሓደ ሸነኽ ንሞስኮ እሙን ዝኾነ መማረጺ መራሒ ክረኣዮም ኣይክእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ሉካሸንኮቭ ክገብሮ ዝጸንሐ ሽጣራታት ሸለል ዝብልዎ ኣይኮኑን"
ካብዚ'ኸ ናበይ?
ፕሮፌሶር ሙራቪቭ ምስዚ ኦረሲደንት ሉካሸንኮ ኣጋጢምዎ ዘሎ ነገራት ሰለስተ ኣመታት ይህብ፡ እቲ ቀዳማይ ሚስተር ሉካሸንኮ ሃናጺ ምምዕርራይ ምግባር እዩ፡
“ኣብዚ እዋን ኣብ በላሩስ ተሃኒጻትሉ ዘላ ፖለቲካ ናይ ፕረሲደንት ትካልውን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ትካል ናይ ሓደ ሰብ እዩ።"
“እዚ ብፍጹም ዝሰርሕ ኣይኮነን፡ ንሱ ካብ 1994 ኣትሒዙዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።”
እቲ ካልእ ኣማራጺ፡ እቲ ዘሎ ምእዙዝነት ን ሚስተር ሉካሸንኮ ብምቕጻል ስልጣኑ ከምዘደልደል ምግባር እዩ፡ እዚ ንበላርይስ ናብ ወተሃደራዊ ዉልቀ ምልክነት ዘምርሕ እዩ።
“እዚ ንዝተወሰን እዋን ጥራይ እዩ ዝጸንሕ፡ ነታ ሃገርን ህዝብን ግና ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ።” ብምባል ፕሮፌሶር ሙራቪቭ የብርህ።
“እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ፡ ሚስተር ሉካሸንኮ ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ኣትዩ፡ ብጸቕጢ ነታ ሃገር ኣረጋጊኡ ገለ መገዲ ፈጢሩ ካብ ስልጣኑ ብምውራድ ካብቲ ሃገር ክወጽእ ምኽኣል እዩ።"
ምዕራባውያን ሃገራትከ እንታይ ይሓስባ?
ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ናይ ምጥፍፋእ ምርጫ ብምቅዋም ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ዝቃወሙ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኮኒኖም። The ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብ መዚ ማዕቀብ ንምንባር ድማ ኣብዘተ ይርከቡ ኣለዉ።
ኣብዚ ህዝቢ ቤላሩስ ንልዕሊ ርብዒ ክፍለዘመን ብምቕጥቃጥ ዉልቀ ምልክነት ዓቕሉ ጸቢብዎ ዘሎ እዋን ምዕራባዊያን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ኢሎም ካብዚ ኣርዑት ክገላግልዎ ጻዊዒት ይቐርብ ኣሎ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ዉልቀመለኽቲ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ሉካሸንኮ ዝውሰድ መምሃሪ ዝኸውን ከቢድ መቕጻዕቲ ክውሰድ ኒው ዮርክ ታይምስ ብኸምዚ ይገልጽ፡
"እቲ ናይ መወዳእቲ ምህሮ ንውልቀ ምልክነት፡ ህዝቢ ንመለኽቲ ንዘል ኣለም ክግዛእ የብሉን፡ ኣብ መወዳእታ ንምልክነት ምጻር ኣብዝስእንሉ እዋን ምስበጽሑ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘሎ ህዝቢ ኣብጎኒ ጭቁናት ደው ክብል ኣለዎ።"
With additional reporting by Omar Dehen and AFP.