ብዝግበር ዘሎ ምርምር ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ተፈሊጡ ስለዘሎ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ዝተሰመዖም ሰባት ንሓኪም ከይተወከሱ ነቲ ፍሉጥ መድሓኒት ኢቡፕሮፈን ከይወስዱ ዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣተሓሳሲቡ።
ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ወሃቢ ቃል ክርስቲያን ሊንድሜኤር ኣብ ጀነቫ ኣብዝተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝበሎ ፡ እቲ ከይውሰድ ተባሂሉ ዘሎ ጸረ ረስኒ መድሓኒት ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ሞት ዘለዎ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣይተፈልጠን ዘሎ ይኹን እምበር ኪኢላታት ነቲ ጉዳይ የጽንዕዎ እዮም ዘለዉ።
"ንሕና ንርእሰ መድሓኒት ፓራሲታሞል እምበር ኢቡፕሮፈን ክውሰድ ኣይንመክርን ኢና," ብምባል ሚስተር ሊንድመኤር ገሊጹ።
እቲ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ መራሕቲ ጥዕና ፈረንሳ ምስ ኮረናቫይረስ ዝተሓሓዝ ክውሰዱ ዘይግብኦም ዝርዝር መድሓኒታት ማለት nonsteroidal anti-inflammatory drugs (NSAIDs) ኣንጻር ሕማም ኮሮና ቫይረ (COVID-19) ከይውሰድ መጠንቀቕታ ኣብዝሃብሉ እዩ።
እዞም ጸረ ረስኒ ዝኾኑ ካብ ፋርማሲ ዝግዝኡ እሞ ንኮአናቫይረስ ተባሂሎም ከይውሰዱ ተባሂሎም ዘለዉ ከም ኢቡፕሮፈን፡ ኣስፕሪንን ካልኦት መድሓኒታትን ይርከብዎም።
ኣብ ሓደ ናይ መዲካል ጆርናል ዝወጽአ ጽሑፍ ከምዘመልከቶ ከም ኢቡፕሮፈን ዝበሉ መድሓኒታት ነቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባትን ከምኡውን ደምብዝሒን ሽኮርን ዘለዎም ሰባት እንተወሲዶሞ ሓደገኛ ምዃኑ ኣስፊሩ ኣሎ።
ሚስተር ሊንድሜኤር ብተወሳኺ ክልተ ኣባላት ትካል ዉድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ብሕማም SARS-CoV-2 coronavirus ተጠቒዕም ኣለዉ።
ብዙሓት ኣማኢት ኣባላት እቲ ዉድብ ብርሑቕ ካብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለዉ ኢሉ።
እቲ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ትካልጥዕና ጋዜጠኛታት ጸዊዑ ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ ደው ኣቢሉ ብማሕበራዊ መዲያታት ጥራይ መግለጺ ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ።
ካብ ሰሉስ ናይ ሚሸት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 14 መዓልታት ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ዝ ኣተዉ ወይውን ምስቶም ኮሮናቫይረ ከምዘለዎም ዝተረጋገጹ ዝቐረቡ ጥራይ እዮም መርመራ ክግበረሎም።
በቲ ቫይረስ ዝተለኸፍኩም ኮይኑ እንተተሰሚዕኩም ንዶክተርኩም ደውሉሉ እምበር ናብኡ ኣይትኺዱ። ወይውን ናብ ሃገራዊ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ጥዕና ሆትላይን ብቑጽሪ 1800 020 080 ደዉሉ።
ምትንፋስ ትጽገሙ እንተለኹም ወይውን ህጹጽ ሕክምናዊ ጸገም እንተጋጢምኩም 000 ደዉሉ።