ብሕማም ኮቪድ-19 ሓሚሞም ድሕሪ ምጽናሕ ተመርሚሮም ከምዝሓወዩ ዝተረጋገጸሎም፡ ዳግማይ ብዛዕባ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ዝመጽእ ብዛዕባ ዘሎ ጸብጻባት WHO የጽንዖ ኣለኹ ኢሉ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ 91 ሕሙማት ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጡ ዳግማይ ምስተመርመሩ እቲ ቫይረስ ከምተመልሶም ብዓርቢ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ጆንግ ኢዩን ክዮንግ ናይ ኮርያ ዳይረክተር ምክልኻልን ምቁጽጻርን ከምዝገለጾ እቲ ሕሙም ዳግማይ ተለኺፉ ዘይኮነስ እቲ ቫይረስ ዳግማ ካብ ውሽጢቲ ሰብ ተበራቢሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኢሉ።
እቲ ኣብ ጀነቫ መደብሩ WHO, ብዛዕባቲ ካብ ሶል ዝቐረበ ሪፖርት ብ ማዕከን ዜና ሮተርስ ተሓቲቱ ኣብዝሃቦ ሓጺር መልእኽቲ : “ብዛዕባዞም ብ PCR (polymerase chain reaction) ዝበሃል ኣገባብ ምምርማር ተመርሚሮም ካብ ኮቪድ-19 ዝተባህሉ ሰባት ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዳግማይ ከምዘለዎም ዝተፈልጡ ጸብጻብ በጺሑና ኣሎ" ኢሉ።
“ብዛዕባ ናይዚ ኣቶም ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ክሊኒካዊ ኪኢላታት ብምትሕብባር ከቢድ ጻዕሪ ኢና ንገብር ዘለና። ንጥርጡራት ንምምርማር ቅምሶታት ኣብዝእከበሉ እዋን እቲ ናይ ኣሰራርሓ ቅጥዒ ብግቡእ ክትግበር ኣለዎ።” ክብል ድማ እቲ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ገሊጹ።
ብመሰረት መምርሒታት ክሊኒካዊ ምሕደራ WHO፡ ሓደ ሕሙም ካብ ሆስፒታል ሓዊኻ ተባሂሉ ክወጽእ ዝግበር ኣብ ናይ 24 ፍልልይ ክልተ ሳዕ ተኸታታሊ ምርመራ ተጌሩ ዉጽ ኢት ናይቲ መርመራ ኣሉታዊ ምስዝኸውን እዩ።
ብመስረት ኣብዚ እዋን ዘሎ መጽናዕቲታት፡ ኣብ መንጎ እቲ ምልክት ሕማም ዝተራእየሉ መዓልቲን ካብ ምጡን ሕማም ኮቪድ-19 ክሊኒካዊ ሕውየት ዝረጋገጽ ኣስታት ክልተ ሰሙን ይወስድ።
“ገለ ገለ ሕሙማት ዋላ ድሕሪ ክሊኒካዊ ምስሓወዩ ብ PCR ተመርሚሮም ናይ እወታ ዉጽ ኢት ዝርእዩ ኣለዉ። እንተኾነ ካብቶም ዝሓወዩ ሕሙማት ስርዓት ብዝተኸተለ መገዲ ቅምሶታት ኣኪብና ንኽንደይ ግዜ ህይወት ዘለዎም ቫይረሳት ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ክንርዳእ ከድልየና እዩ።” ክብል እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ።

South Korean Prime Minister Chung Sye-kyun has his temperature checked upon his arrival at Dongsan Medical Center in Daegu, South Korea. Source: AAP
ብዓርቢ ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ከምዝገለጽዎ ሕክምናዊ ምርምር ይግበር እንተሎኳ መንቀሊ ናይዚ ዝኸውን ዘሎ ግሉጽ ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም።
“ኮቪድ-19 ሓድሽ ሕማም ስለዝኾነ ብዛዕባ ባህርይ እዚ ቫይረስ ኣብ ዉዱእ መደምደምታ ንኽንበጽሕ ብዙሓ ሕክምናዊ ሓበሬታ ከድልየና እዩ።” ብምባል WHO ኣፍሊጡ።
ምስ ኮረና ቫይረስ ዝተሓሓዝ ዝሞቱ ቁጽሪ ሰባት ብዓርቢ ልዕሊ 100,000 ክበጽሑከልዉ፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለው ድማ ልዕሊ 1.7 ሚሊዮን በጺሑ ኣሎ።