መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ንኑክልየሳዊ ፕሮግራም ሃገሩ ብወግዒ ኣብዝተዓዘበሉ ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ኣብ ጐድኑ ብምርኣያ ኣቓልቦ ብዙሓት ሰሓበት ።
እታ ጓል ፡ ጓሉ ምዃና ርዱእ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ መበል 75 ዓመት ምጅማር ሰራዊት ኮሪያ (ከይፓ) ዝዝከረሉ ድግስ ኰነ ድሕሪኡ ኣብ እተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ እታ ሃገር ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ፡ ብብዝሒ ሚሳይላት ኣወንጪፋ እያ ።
ብዛዕባ ስድራቤት ኪም ብዙሕ ዝፍለጥ እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርኢታት ናይታ ጓል ምርኣይ ግን ንኣቧ ተካኢት ክትኸውን ከም እትኽእል ግምታት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ።
ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል መራሒ ክኸውን ዝኽእል መን ምዃኑ ዝገልጽ እተፈላለየ ዛዕባ እኳ እንተሎ ፡ እቲ ህዝባዊ ኣጋጣሚታት ኮነ ኢልካ ስለ እተሰርሐ ፡ እቲ ፍጻመታት ንቐጻልነት ስርወ-ንግስነት ሚስተር ኪም ኰነ ንኑክሌሳዊ መደባቱ ዘመልክት እዩ ነይሩ ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ፡ እታ ንእሽቶ ጓል ኣብ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ኢንተር ኮንቲነንታል ባለስቲክ ሚሳይል ክትኵስኵስ ከላ እያ ንፈለማ ግዜ ተራእያ ።

እቲ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ (KCNA) ዘውጸኦ ስእሊ ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ፕዮንግያንግ ፡ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ዓይነት ባለስቲክ ሚሳይል ኣብ ዝመረቐሉ እዋን ፡ ጓሉ ምስኡ ሓቢራ ከም ዝነበረት ዘርኢ እዩ ። Source: AAP / KCNA/EPA
ብመሰረት ሓደ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ኣገልግሎት ዜና ፡ ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ፡ ጓል ኪም ጁ-ኣ ከም ዝዀነት ይኣምኑ ፣ እዚ ድማ በቲ ኣብ 2013 ምስታ ስድራ ግዜ ዘሕለፈ ናይ ቅድም ተጻዋታይ ኵዕሶ ሰኪዐት ኣመሪካ ዝነበረ ደኒስ ሮድማን ዝተረጋገጸ ከም ዝዀነ ይፍለጥ ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ሮድማን ንጋርድያን ከምዝገለጾ፡ ሚስተር ኪም ንጓሉ "ንፉዕ ኣቦ" ኢሉ ከምዝጸውዖ ፣ እታ ጓሉ ከኣ ጁ-ኣ ኢሉ ሰመያ ።
ድሕሪዚ መራኸቢ ብዙሃን ሰሜን ኮሪያ ነታ ንእሽቶ ጓልን ሚስተር ኪም ብወተሃደራትን ኣብ ሚሳይል ሂዋሶንጎፎ-17 ክትሳተፍ ከላ ዘሪኢ ዘይተኣደነ ስእሊ ኣውጺኡ ።

ብ27 ሕዳር 2022 ብወግዓዊ ማዕከን ዜና ማእከላይ ሰሜን ኮርያ (KCNA) ዝወጸ ስእሊ ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ጓሉ ክመላለስ ከሎ ዘርኢ እዩ ፣ እዚ ከኣ እታ ካልኣይ ውላዱ ንጁ-ኣ እያ ነይራ ። Source: AAP / KCNA/EPA
ድሕሪኡ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ተራእያ ኣላ ፣ እዚ ከኣ ክሳዕ 11 ህዋሶንግ-17 ምዃኑ ብመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ዝወጸ ስእልታት የመልክት ። ነጻ ጋዜጠኛታት ነቲ ኣጋጣሚ ክሽፍንዎ ዕድል ኣይረኸቡን ።
"ኪም ጆንግ-ኡን ዝጀመሮ ዓቢ ጸወታ እዩ ዝመስለኒ ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሰሜን ኮርያ በታ ኪም ጁ-ኣ እትበሃል ንእሽቶ ጓል ዝተወከለትሉ ስእልታት ክንዕሾ የብልናን" ፕሮፈሰር ሊዮኒድ ፔትሮቭ ፡ ኣህጉራዊ ኮሌጅ ምሕደራ ሲድኒ ደናን ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተራእዩዎ ምርኢታት ን SBS ደትላይን ገሊጾም።
ብዛዕባ እዛ ናይ ሚስተር ኪም 'ክብርቲ' ጓል እንታይ ንፈልጥ፧
እታ ንእሽቶ ጓል ፡ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ደቂ ሚስተር ኪም ማለት ሓደ ወድን ክልተ ኣዋልድን ምዃና እኳ እንተ ዘይተረጋገጸ ፡ ከም ዝዀነት ግና ይእመን እዩ ።
ማዕከን ዜና እታ ሃገር ብዛዕባ "ቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ እታ ጓል" ክብርቲ ጓል "ከም ዝዀነት ብዝብል ጥራይ እያ ተገሊጻ ።
እዚ ካብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባኣ "ፍትውቲ ጓል" ኢሉ ዝጠቐሶ ነገራት ፡ 'ምምሕያሽ "ከም ዝዀነ ፡ ተንተንቲ ኣስተብሂሎምሉ እዮም ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ 'ዝኽበረ' ዝብል ስያመ ንሚ/ር ኪም ጥራይ እዩ ዘገልግል ።
"መራኸቢ ብዙሃን ሰሜን ኮሪያ ብሃውሪ ወይኻኣ ዘይግቡእ ተጸውኦ ኣይገብርን ። እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ ከምዝገበሮ ኣየጠራጥርን እዩ " ክብል ፕሮፈሶር ፐትሮቭ ይገልጽ ።
ሰራዊት ሶቭየት ንኪም ሊል-ሳን ፡ ንኣባሓጎ ኪም ጆንግ-ኡን ፡ ብ1945 መራሒ ሰሜን ኮርያ ካብ ዝሸሞ ሸውዓተ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ እዩ ።
ብ1994 ክሳዕ ዝመውት ድማ ነታ ሃገር ገዚእዋ ። ኣቦ ኪም ፡ ኪም ጆንግ-ዪል ፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ፡ ኣብ 2011 መራሒ እዩ ነይሩ ፣ ድሕሪዚ ፡ ተለቪዥን እታ ሃገር ፡ ሚስተር ኪም "ዓቢ ተካኢ" ምዃኑ ኣፍሊጣ ።
ብዛዕባ መተካእታ ኪም ዘሎ ግምታዊ ሓበሬታ ፡ ኣብ 2020 ጥዕና ከም ዝሰኣነን ኣብ ቀንዲ በዓል ዝኽሪ ከም ዘይተረኽበን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ካልእ ወረ ከም ዝጠፍአን ጸብጻባት ይሕብሩ ።
ይኹን እምበር: እቲ ወዲ 39 ዓመት ምዃኑ ዝእመነሉ መራሒ ኣብቲ ኣብ ለካቲት ዝግበር ድግስ ተመሲሉ ኣሎ ።

ኣብዚ ስእሊ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ፡ ሰበይቱ ር ሶል-ጁን ጓሉ ጁ-ኣርን ምስ ወተሃደራውያን ሰበ-ስልጣን ኰይኖም ፡ ነቲ ብ7 ለካቲት 2023 ኣብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝርከብ ዘይተነጸረ ቦታ ሰራዊት ኮሪያ መበል 75 ዓመት ዝኽሪ ንምብዓል ኣብ እተገብረ ድግስ ። Source: AAP / Korean Central News Agency/Korea News Service via AP
ሰሜን ኮርያ ካብ ጂኦፖለቲካውያን ባእታታት ኣዝያ እተገለለትን ብሰንኪ ተካይዶ ንጥፈታት ኑክልየሳዊ ቦምባታት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ተነብረላ እያ ።