ዘይከም’ቶም ኣብ’ዚ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኩሉ ተዓጽዩ ዘሎ እዋን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ዘይፍቀደሎም ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ሰራሕተኛታት፡ መዓልታዊ ህይወት’ቲ ኣብ ቤት መሸጣ መድሃኒት (ፋርማሲ) ዝሰርሕ ሎክላን ሮዝ ኣይተቐየረን።
ንሱ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሲድኒ ዝርከብ ማንሊ ቨይል ፋርማሲ የካይድ፡ ንኤስቢኤስ ኒውስ ከኣ እዚ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ናብ ስርሑ ምውፋር ከምዘየቋረጸን ንሱን መሳርሕቱን ስራሕ ከምዝበዝሖምን ሓቢሩ።
“ኣብ’ዚ ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ዝሰራሕኩሉ ህይወት ፋርማሲ ፈጺመ ርእየዮ ዘይፈልጥ’ዩ፡” ኢሉ።
“ካብ’ቲ ቅድሚኡ ጌርናዮ ዘይንፈልጥ ኢና ኣበርቲዕና ንሰርሕ ዘለና።”
ኣብ ፋርማሲ ዝሰርሑ ሰባት “ኣገደስቲ/ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት” ተባሂሎም ይቑጸሩ፡ እዚ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ነቶም ኣብ’ዚ ሃገር ተዓጽያትሉ ዘላ እዋን ንስራሕ ክወፍሩ ዝድለዩ ወይ ዝፍቀደሎም ሰባት ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ’ዩ።
ዝሓለፈ ወርሒ ኸኣ ኣብ ግዝኣት ኒውሳውዝወልስ ዝርከቡ ፋርማሲታትን ሱፐር ማርኬታትን 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ ሸውዓተ መዓልታት ኣብ ሰሙን፡ እዛ ሃገር ክሳብ ዝደለየቶም ክኸፍቱን ክሰርሑን ፈቓድ ተዋሂዎም።
መን’ዩ ‘ኣድላዪ’ ሰራሕተኛ ተባሂሉ ዝቑጸር፧
ሚስተር ሞሪሰን ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ማለት፡ “ኣብ ሓደ ቀረብ ኣገልግሎት ክኸውን ይኽእል፡ ከም ነርስ፡ ዶክተር፡ መምህር፡ ኣብ ከም በዓል ሰንተርሊንክ ዝኣመሰሉ ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ ይኾኑ- እዚኦም ኩሎም ኣድለይቲ ስራሓት’ዮም።” ኢሉ።
“ኣብ ከብሒታት ሱፐርማርኬት ኣቑሑት ዝሰርዑ ሰባት - ኣገደስቲ’ዮም። ካልኦት ኣባላት ስድርቤት ስራሕ ደው ኣቢሎምን ኣታዊኦም ተቋሪጹን ምስ ዝህሉ፡ እቶም ነዚ ስድራ ወፊሮም ዝኣልይዎ ሰባት - ኣብ ኣድላዪ ስራሕ ከምዘለው ይቑጸሩ።”
ሰራሕተኛታት ሱፐር ማርኬት ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ተባሂሎም ይቑጸሩ። AAP
ፕሮፌሰር ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ቴክኖሎጂ፡ ጀራርድ ፊዝጀራልድ፡ እዚ ትርጉም ናይ ‘ኣድላዪ ሰራሕተኛ’ ሰፊሕን ክትገልጾ ዘጸግምን’ዩ ኢሉ።
“ኣብ ክፍልታት ህጹጽ ኩነታት ዝሰርሑ ሰባት፡ ኣምቡላንስ፡ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምና/ፓራመዲክስ፡ ዝኾነ ለበዳ ንምቁጽጻር ወሰንቲ ኢልና እንተሓሲብናዮም፡ ንዕኦም ኣብ’ዚ ስራሕ ከምዝጸንሑ ዝገብርዎም ካልኦት’ውን ክንሓስብ ኣለና፡” ይብል።
“እቶም ቀጻሊ ንርስዖም ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ዝሰርሑ ኣባላት - ጸዓት፡ ነዳዲ፡ ማይ፡ መግቢ - ኩሎም እዞም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ነዞም ሰባት ኣብ ስርሖም ክቕጽሉ ዝገብርዎም። ስለ’ዚ እዚ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ኣድላዪ ሓይሊ ዕማም’ዩ ብተወሳኺ ኣገዳሲ ዝኾነ።”
ድሕነት ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ብኸመይ ክሕሎ ይኽእል፧
ሰራሕተኛታት ሱፐር ማርኬት መላእ ሃገር ተዓጽያትሉ ኣብ ዘላ እዋን ዝሰርሑ፡ ኣቑሑት ዝኣቱን ዝወጽእን ዝቆጻጸሩ ወይ ከኣ ኣብ ከብሒታት ዝመልኡ፡ ሓደ ኣብነት ናይ’ቶም ኣድለይቲ ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት’ዮም።
ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎታት መንግስቲ ዝሰርሑ ሰባት፡ ንኣብነት ሜዲኬርን ሰንተርሊንክን፡ ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ዘለው ብዙሓት ሕቶታትን ጠለባትን ንምምላስ ይሰርሑ’ለው።
ኣብ ምብጽጻሕ ኣቑሑን ጓሓፍን ዝተዋፈሩ መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ፖስታ፡ እቲ ኣድላዪ ኣገልግሎቶም ምሃብ ክቕጽልዎ’ዮም።
ፕሮፌሰር ፊትጀርላድ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንምሕጋዝ’ዞም ሰራሕተኛታትን ኣብ ጠርዚ ናይ’ዚ ለበዳ ድሕነቶም ንምሕላውን ቁጽሪ ናይ’ቶም ነዚኦም ኣገልግሎታት ዝጥቀሙ ሰባት ብሓንሳብ ምቕናስ ወይ ምቅላል’ዩ ይብል።
“ከመይ ጌርካ ነቶም ቦታታት ከምዘይጸቓቐጡ ምግባር’ዩ፡ እቶም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ስፍሕ ዝበለ ቦታ መታን ክረኽቡ፡” ኢሉ ንሱ።
“እቲ ጠለብ ኣብ ልዕሊ’ዘን ሱፐር ማርኬታት ዘሎ ምቕናስ፡ ምኽንያቱ ኣብ መውጽኢ ተጨቓጪቖም መስመር/ሪጋ ሒዞም ዝጽበዩ ሰባት ኣይንደልን ኢና።”
ፋርማሲስት ኣብ ማንሊ ቨይል ፋርማሲ ዓማዊል እናሓገዘ ‘መሸፈኒ ገጽ’ ተኸዲኑ።
ሚስተር ሮዝ ኣብ ፋርማሲ ዝሰርሑ ኣብ ቅድመ ግንባር ናይ’ዚ ለበዳ’ዮም ዘለው ይብል።
“ንሕና ኣብ ፋራማሲ ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ዝተቓልዑ ሃዋህዋት ኢና ዘለና፡ ምኽንያቱ ሰባት ምስ ሓመሙ ናባና’ዮም ዝመጹ… ኩሉ ግዜ ክፉታት ኢና፡ ቆጸራ ምሓዘ ከማን ኣየደልን’ዩ።
“ስለ’ዚ ብዙሕ ነገራት ኣሎ ንዓና ምስ ሓደ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ገጽ ንገጽ ክንራኸብን ዝያዳ ተነቀፍትን ዝገብረና።”
እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ንሰራሕተኛታቱ ዘጋጥሞም ሓደጋ ምቅላዕ ንምቕናስ ሓደስቲ ስጉምቲታት ኣብ ምትግባር ይርከብ።
ናይ 1.5-ሜትሮ መምርሒ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣብ ባይታ ብዝጣበቕ ችረቶ ብምምልካት የተግብሩ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት ከኣ ነብሶም ክከላኸሉ ናይ ‘ገጽ መሸፈኒ’ ይወድዩ።
መማህራንን ቤት ትምህርታትን ከ፧
ሚስተር ሞሪሰን ብተወሳኺ ቤት ትምህርታት ክፉታት ክጸንሑን ንምክልኻል መማህራንን ሰራሕተኛታትን መደባት ክህልው ንምርግጋጽን ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ክዝተራኸበን ገሊጹ።
ንሱ ንኩለን ግዝኣታትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ኣውስትራልያ ነዞም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ክብላ ቤት ትምህርታት ክፉታት ኮይኖም ክቕጽሉ ክፈቕዳ ድፍኢት ክገብር ጸኒሑ።
ፕሮፌሰር ፊዝጀራልድ ቤት ትምህርታት ተኸፊቶም ክጸንሑ እቲ ቅኑዕ ስጉምቲ’ዩ ክብል ተሰማሚዑ፡ እንተኾነ ግን ኣካታዒ ከምዝኾነ ይኣምን።
“እዚ ኣብ መንጎ በቲ ሓደ ሸነኽ ብመንገዲ ቤት ትምህርታት ንሰባት ዘጋጥሞም ሓደጋ ምስፍሕፋሕን፡ ንሕና ኣብ’ዚ ፍሉይ ኩነታት ካብ’ቲ ኣብ ልሙድ ግዜ ዝህሉ ትሑት ተኽእሎ ኣለዎ ኢልና ንሓስቦ፡ በቲ ኻልእ ሸነኹ ከኣ እቶም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ስርሖም ክቕጽሉ ክኽእሉ ዘምጽኦ ጽልዋን ሚዛን ከመይ ትሕሉ’ዩ፡” ኢሉ።
መራኸቢ ብዙሃን ከ፧
ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ኣገልግሎታት ዜናን ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ተባሂሎም ይቑጸሩ፡ እዚ ማለት ሕጂ’ውን ስርሖም ከካይዱ ክወፍሩ ክህልዎም’ዩ ማለት'ዩ፡ ሓደስቲ ዜናታት ንቴሌቪዥን፡ ሬድዮን ዲጂታዊ መድረኻትን ሓበሬታ ናብ ሰባት ክበጽሕ ኣብ ምግባር ክቕጽሉ።
ኤስቢኤስ ሓደ ካብ’ዞም ኣገልግሎቶም ዝቕጽሉ ዘለው ናይ መድያ ትካላት’ዩ።
ኣብ ሓደ መግለጺ፡ ኣፈኛ ኤስቢኤስ ከም’ዚ’ሉ፡ “ምስ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19፡ እሙናት ዜናታትናን ኣገልግሎታት ቋንቋን ማሕበረሰባት ቀረብ ሓቀኛኝ እዋናዊ ሓበሬታን ክረኽቡ ንምርግጋጽ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ወስንቲ’ዮም። ንሕና ንቀጻሊ ምቅላሕ ህጹጽን ኣገዳስን ሓበሬታ ህዝባዊ ጥዕናን ድሕነትን ጸኒዕና ንሰርሓሉ ኣለና።”
ኣብ ቤት ጽሕፈታት ክርከቡ ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ድሕነቶም ንምሕላው፡ ኤስቢኤስ “ዝለዓለ መከላኸሊ ስጉምቲታት” የተግብር ኣሎ፡ ምስ ኩነታት ዝቀያየሩ ስርርዓት ስራሕ፡ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ምውንዛፍ’ቶም ምስ ስራሕ ዘይተኣሳሰሩ ኣገደስቲ ኣኼባታትን ኣብ ኩሎም ቤት ጽሕፈታት ኤስቢኤስ መዓልታዊ ጽሬት ክካየድን ይርከብዎም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓደ ሰራሕተኛ ኤስቢኤስ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈ ምስ ተረጋገጸ ሓደ ኣፈኛ ኤስቢኤስ፡ ሳላ’ቶም መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ እቲ ሰብ ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት ውሑድ ምቅርራብ’ዩ ኔርዎ፡ እቲ ክፍሊ ዜና ኸኣ ጽዑቕ ምጽርራይ ተኻይድሉ ንጽባሒቱ ተኸፊቱ፡ ክብል ሓቢሩ።
‘እቲ ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ዜሮ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ’
እቶም ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣድለይቲ ቦታታት ስራሕ ተኽእሎታት ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ብዝተኻእሎም መጠን ንምቕናስ ይፍትኑ’ኳ እንተሃለው፡ ፕሮፌሰር ፊዝጀራልድ ኩሉ ግዜ ገለ መጠን ተኽእሎታት ሓደጋ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ኣይተርፍን’ዩ ኢሉ።
“ኩሎም ነቲ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ/ሓደጋ ይቕበልዎ'ዮም ዘለው፡ ክግበሩ ዝኽእሉ ንኣሽቱ ነገራት ኣለው፡ ግን ኩሉ’ዚ ዝኾነ ውሕስነት ከምዘይህብ ክንዛረብ ወይ ክንሕብር ኣለና።” ኢሉ።
“እቲ ሓደጋ ከመይ ትቕንሶ’ዩ እቲ ጉዳይ፡ ግን እቲ ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ፈጺሙ ዜሮ ኣይክኸውንን’ዩ።”
“ዝያዳ ሰባት በዚ ክልከፉሉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ኣሎ። እቲ ንሕና ክንገብሮ ንኽእል ግን ነዚ ተኽእሎ ከነውሕዶ ምፍታን’ዩ።”
ሚስተር ሮዝ እቲ ‘ዝዓበየ ሻቕሎቱ’ ከም ሓደ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ፋርማሲ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታቱ እንተሓሚሙ ማዕጾኦም ክዓጽው ክግደዱ ምዃኖም’ዩ።
እቲ ዕዮኦም ከም ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት መጠን ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ነቶም ስራሕ ዝበዝሖም ሓካይም ይሕግዙ ስለዘለው’ዩ፡ ንሱ ንመጻኢ’ውን ኣገልግሎቶም ዝያዳ ጠለብ ክህልዎ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኣነ ኣብ’ዚ እዋን ጸገም፡ ኣብ ብዙሓት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ጥዕና ዝተመቓርሐ ዕዮ ክህልወና ኣለዎ ኢለ ይሓስብ፡ እዚ ኣብ ሓካይም ዝህሉ ጸቕጢ ስራሕ ንምቅላል ሰብ ፋርማሲ ዝያዳ ክታበት ክህቡ ወይ ዝያዳ መርመራታት ከካይዱ ክህልዎም ማለት እንተኾይኑ ምናልባት ዝያዳ ክንምልከቶ ዘለና ይመስለኒ።”
ኣውስራልያውያን ካብ ካልኦት ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ክርሕቁ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ ገዛ ካብ ሓደ ሰብ ዘይበዝሕ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣርባዕተ ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት መሬት ጻዕቂ ሰብክህሉ ኣለዎ።
በቲ ቫይረስ ተለኺፍኩም ኢልኩም ትኣምኑ እንተኾንኩም ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ (ብኣካል ኣይትኺዱ) ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮና ቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ከተተንፍሱ ትጽገሙ እንተሃሊኹም ወይ ከኣ ህጹጽ ዝኾነ ጸገም ጥዕና እንተጋጢምኩም/እንተተሰሚዕኩም 000 ደውሉ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም