ዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ከምዘፍለጦ፡ ኣብዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ዓለም 183,000 ሰባት ኮሮና ቫይረስ ከምዘለዎም ብምርግጋጹ፡ ዛጊት ካብተመዝገበ መዓልታዊ ኣሃዝ ዝበዝሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብራዚል ብ 54,771 ዝመርሐት ኮይና ንብራዚል ስዒባ 36,617. ህንዲ ድማ15,400 ኣመዝጊባ።
ብሓፈሻ ኣብ ምሉእ ዓለም ብ ዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ተገሊጹ ከምዘሎ 8,708,008 በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ - ካብዚኦም እቶም 183,020 ኣብዝሓለፈ 24ሰዓታት - 461,715 ብደረጃ ዓለም ሞይቶም እዚ መጠን ሞት መዓልታዊ ናይ 4743 ዕብየት የርእይ ኣሎ።
ክልተ ሲሶ ናይዚ ሕድሽ ቁጽሪ ሞት ኣብ ኣመርካታት ዝራእየ እዩ።
ኣብ ስፐይን፡ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ብምልዓሉ 47 ሚልዮን ህዝባ ድሕሪ 14 መጋቢት ንፈለማ እዋን ብነጻነት ክዘዋወር ጀሚሩ።
እታ ሀገር ብተወሳኺ ካብ ብሪጣንያን ሃገራት ኣውሮጳን ንዝመጹ ኣጋይሽ እቲ ናይ 14 መዓልታት ምውሻብ ኣልጊሳ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ጌራ ኣላ።
ናይ ስጳኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ፐድሮ ሳንቸዝ፡ "እቲ ቫይረስ ክምለስ ከምዝምለስን፡ ዳግም ክሃስየና ክኸእልን እዩ፡ ብዝከኣል ነዚ ከነወግድ ክንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።
እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ናይ ቫይረስ ልኹፍ ህዝቢ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና፡ ብመሰረት ጸብጻብ Johns Hopkins ልዕሊ 2.2 ሚልዮን በጺሖም ኣለዉ። , ቁጽሪ ዝመቱ ሰባት ኣስታት 120,000, በጺሑ ኣሎ።
ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራትውን በብቕሩብ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ብራዚል፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

A coronavirus public information campaign in London. Source: AAP
ናይ ብራዚል ሚኒስትሪ ጥዕና ከምዝሓበሮ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ህዝቢ ኣብ መዓልቲ ብልዕሊ 50,000 ይውስኽ ኣሎ። ፕረሲደንት ጄር ቦልሶናሮ ነቲ ጉዳይ ከስተናዕቖ እዩ ጸኒሑ እንተኽዕነ እታ ሃገር ብዝሒ ሞት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣስታት 5000 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ዝረኸበት ኮይና ኣብተመሳሳሊ መዓልቲ 46 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም።
እዚ እናኾነ ግና ፕረሲደንት ስይርል ራማፎሳ እቲ ኣብ ዓለም ብቐዳማይ ደረጃ ዝዕጾ ዘሎ ካሲኖ፡ ናይ መመላኽዒ ሳሎን፡ ኮፍ ኢልካ ኣብ ቤት መግቢ ምብላዕ ክኽፈት ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ኤሽያ፡ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ብሰንበት ኮሮናቫይረስ ስለዝደገሰ ናብቲ ፈለማ ዝወስዳኦ ዝነበራ ስጉምቲ ይምለሳ ኣለዋ።

German army soldiers in protective suits arriveto test more people for the coronavirusin the city of Verl. Source: AAP
ሰብ መዚ ቻይና 25 ሓደሽጢ ዝተለኽፉ ረኺቦም ኣለዉ እቶም 22 ኣብ በይጂንግ እዮም። ኣብታ 20 ሚልዮን ዝርከብዋ ከተማ በይጂንግ ቁጽጽር በዚሑ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣስታት 200 ሓደሽቲ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ዝተረኽቡ እዚ ኣብ ሶል ኣብ ሰራሕተኛታት ብዝተገብረ ማዕጾ ማዕጾ ኣናዃሕኳሕካ ዝተገብረ መርመራ እዩ።