ኣብ ኣፍሪቃ ብዘሎ ድሑር ስርዓተ ጥዕና፡ ሕጽረት መሳለጥያ መርመራ፡ ዝተጨቓጨቐ መነባብሮን፡ ኮቪድ 19 ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብታ ኣህጉር ምስ ኣተወ ዝተርፍ ህዝቢ ከምዘይህሉዩ ተሰጊኡ ኔሩ።
እዚ ሓዲሽ ኮሮና ቫይረስ ነተን ሃብታማት ሃገራት ኤሽያን ኤውሮጳን መሃነነን ኣጥፊእዎ ኣብዘሎ ዉድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ወርሒ መጋቢት ተተንብይዎ ከምዝነበረ ኣብ ኣፍሪቃ ዋላ ኣካላዊ ምርሕሓቕ እንተተገብረ እቲ ቫይረስ 300,000 ኣፍሪቃዊያን ኣብዚ ኦኣመት ክቐትልዩ ዝብል ነበረ።
Iኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ ዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ናይ መግት ኢ ስጉምቲታት እንተዘይተወሲዱ ኣብታ ክፍለ ዓለም 190,000 ህዝቢ ክሃልቕ እዩ ኢሉ ኔሩ። እንተኾነ ዓለም ሎሚ ብኮቪድ 19 ዝሞተ ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ምብጽሑ ኣብዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ኣፍሪቃ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረላ ዝሓሸት ኮይና ኣላ። ካብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ዝተሓተ ሚእታዊ መልከፍቲን ሞትን ተራእይዋ።
ናይ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝተለኽፉ መጠን ሞት ኣብ 2.4 ሚእታዊ ዝርከብ ኮይኑ፡ ብሓርፋፍ ኣስታት 35,000 ሞት ካብቶም ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ተባሂሎም ጸብጻብ ዝተገብረሎም እዮም ክብል ሓበሬታ ሮይተርስ ይገልጽ። እዚ ምስተን ካልኦት ክፍለ ዓለም ክነጻጸርከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ 2.9 ሚእታዊ፡ ኣብ ኣውሮጳ ድማ 4.5 ሚእታዊ ይበጽሕ።
እተን በዚ ቫይረስ ብሕሱም ዝተወቕዓ ሃገራት ከም ጥልያንን ብሪጣንያን መጠን ሞት ብመንጽር መልከፍቲ 11.6 ሚእታዊ ክኸውን ከሎ እዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ክነጻጸር ኣብ ኢትዮጵያ 1.6 ሚእታዊ፡ ኣብ ናይጀሪያ 1.9 ሚእታዊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ 2.4 ሚእታዊ። እዚኣተን እተን ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፍ አ ብ ኮሮና ቫይረስ ዝተወቕዓ ዝበሃላ ሃገራት እየን።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብኮቪድ ተለኺፎም ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ሕሙማት እናጎደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
“ዛጊት ርኢናዮ ብዘለና ከምቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝተራእየ ደረጃ ብመልከፍቲ ይኹን ብሞት ክንርኢ ዘይሕሰብ እዩ። ,” ኣብ ሃራረ ዙምባብወ ትሰርሕ ካብ ሎንዶን ፕሮፌሶር ራሺዳ ፈራንድ ትገልጽ።
ኪኢላታት ከምዝግምትዎ ምናልባት ኣብ ኣፍሪቃ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ኣይተፈልጡን ይኾኑ፡ መጠን ምርመራ ኣብ ዓለም እቲ ዝተሓተ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዘሎ፡ ብዙሕ ዝተፈላለዩ ሞት ከይተመዝገበ እዩ ዝሓልፍ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ግንቦት ክሳብ መፋርቕ ሓምለ ብባህርያዊ ሞት ተወሳኺ 17,000 ዝረኣየት ኮይና፡ እዚ ካብቲ ኣብ ንቡር ትጽቢት ዝግበረሉ ብ59 ሚእታዊ ዓብዩ።
እዚ ዘመልክቶ፡ ብኮቪድ-19 ዝመውት ብዝሒ ህዝቢ ካብቲ ብወግዒ ዝግለጽ ንላዕሊ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ 16,000, ከምዝሞቱ ተመራመርቲ ይገልጹ። እዚ ኾይኑ ግና ብኮቪድ-19 ዝስዕብ መጠን ሞት ከምቲ ትንቢት ዝተገብሮ ሕማቕ ኣይኮነን ዘሎ።
ንምንታይ? ሳይንሰኛታትን ኪኢላታት ህዝባዊ ጥዕናን ብዙሕ ተኽእሎ ዘለዎም ረቛሒታት ይጠቕሱ፡ ካብኣቶም ኣብታ ክፍለ ዓለም ን ኡስ ዕድመ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ፡ ካብ ሕሉፍ ለበዳታት ተመኩሮ ስለዝተወስደን ይርከብዎም።

Cyril Ramaphosa, praesident of South Africa, speaks in a pre-recorded message which was played during the 75th United Nations General Assembly on 22 September. Source: UNTV
ህዝቢ ካብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተገለለ ብምዃኑ ምስቲ ካልእ ዓለም ናይ ምርኻብ ተኽእሎ ዉሑድ ብምዃኑን ሃገራት ኣፍሪቃ ንምድላው ዕድል ክረኽባ ኪኢለን እየን።
ገለ ሳይንሰኛታት ዝፍትሽዎ ዘለዉ ካልእ ጉዳይ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቆልዑ ናይ ቱበርክሎሲስ ክታበት ስለዝወስዱ ካብ ኮቪድ-19 ዝስዕብ ሞት ክከኣኸለሎም ተኽእሎ ኣሎ ዝብል እዩ።
እቲ ካልእ ክለሰ ሃሳብ፡ ብዙሓት ሕብረተሰብ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ካልዕ ዓይነታት ኮሮና ቫይረስ ኣቐዲሞም ተቓሊዖም ብምንባሮም ተጻዋርነት ኣጥርዮም ክኾኑ ይኽእሉዮም ዝብል እዩ፣
ተወሲዱ ዘሎ ተመኩሮ
እቲ ቫይረስ ን ኣፍሪቃ ደንጉዩ እዩ ኣትይዋ፡ በዚ ድማ ሓኻይም ናይ ወጻኢ ሆስፒታላት ንምድላው፡ ምንጪ ኦክስጂንን ቨንትለተራን ንምድላው ግዜ ተረኺቡ፡ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝኾነ ነገር ከምተመኩሮ ተወሲዱ ተሰሪሕሉ እዩ።
“ናይ ግዜ ውህበት ረኺብና ኢና።” ብምባል Thumbi Mwangi, ላዕለዋይ ተመራማሪ ኣብ ናይሮቢ ዩኒቨርሲቲ ገሊጹ።
“ካል ኦት ዘይረኸብዎ ንምድላው ዕድል ረኺብና ኢና።.”
እቲ ኻልእ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ከም ኤርትራ ዝበላ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ጉዕዞ ኣዚዩ ግዱብ እዩ። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝግበር ጉዕዞውን ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ ክትብል Matshidiso Moeti, ኣብ ዉድብ ጥዕና ዓለም WHO ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዞባ ዳይረክተር ብሃሙስ ንሪፖርተራት ገሊጻ።
ናይታ ክፍለ ዓለም መንግስታት ብቐተልቲ ሕማማት ተጸጊሞም እዮም፡ ን ኣብነት ብኢቦላ ልዕሊ 11,000 ህዝቢዩ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ 2013-16 ቀቲሉ። ስለዚ ሰብ መዚ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለም ከስፋሕፍሕ ምስጀመረ ነዚ ብዕቱብዮም ተጸብዮሞ።
ብዙሃት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብቕልጡፍ እየን ናይ ረስኒ ምዕቃን መስርሕ ኣተኣታትየን። ካብተን ኮሮና ቫይረስ ብብዝሒ ዝተራእየን ሃገራት ናብ ሃገራተን ከይ ኣትዉ ከልኪለን፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ምውዳይ ማስክን ኣተኣታትየን።
ኬንያ ኮሮና ቫይረስ ምዝተራእየ ኣብ ዉሽጢ ሰሙንያ ኣብያተ ትምህርታ ዓጽያ፡ ናብታ ሃገር ዝ ኣትዉ ናይ ግዴታ ምውሻብ ክገብሩ ኣዚዛ፡ ብዙሕ ህዝቢ ካብ ምእካብ ኣጊዳ። ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ናይጀሪያ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝግበር ጉዕዞ ኣጊዳ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ። ብዙሓ ናይ መሬት ዶባታ ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ረጊጣቶ እያ ዘላ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 400 መልከፍቲ ምስተመዝገበ ኣብ ዓለም እቲ ዝተረረ ዕጽዋ ኣዊጃ።

Nurses sanitise themselves and their tools after a patient screening at the Phelophepa Health train in Springs, Johannesburg on 10 August 2020. Source: EPA
ኪኢላታት ብተወሳኺ ናይ ኣፍሪቃ ዕድመን መነባብሮ ህዝቢን ኣብግምት የእትውዎ እዮም።
ተመራመርቲ ከምዝገልጽዎ ሓደጋ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ምስ ዕድመ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ።
ኣብ 2019 ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ 62 ሚእታዊ ህዝቢ ትሕተ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዕድሚኡ ትሕቲ 25 ክከውንከሎ 3 ሚእታዊ ጥራይ እዩ ልዕሊ 65.
People in Australia must stay at least 1.5 metres away from others. Check your jurisdiction's restrictions on gathering limits. If you are experiencing cold or flu symptoms, stay home and arrange a test by calling your doctor or contact the Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080.
News and information is available in 63 languages at
Please check the relevant guidelines for your state or territory: , , , , , ,