ምስጢር ነዊሕ ዕድመ ምጽናሕ እንታይ እዩ፧ ምኽሪ ካብቶም ልዕሊ 100 ዓመት ዕድመ ዝገበሩ።

ተመራመርቲ ፍሉይ ወይ ነዊሕ ነዊሕ ዕድመ ምጽናሕ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ ። ብዙሓት ዕድሚኦም 100 ዓመትን ካብኡ ንላዕሊን ይበጽሑ እዮም ። ኰይኑ ግና ፡ ናብ 110 ዓመት ዕድሚኦም ምስ በጽሑ ፡ ማለት ናብ ዝለዓለ ደረት ዕምሪ ገጾም ዝቐረቡ እዮም ዝመስሉ ።

Colin Wagener holds a birthday cake with the number 105 on it.

ኮሊን ዋግነር ወዲ 105 ዓመት ምስ ኰነ'ውን ፡ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣይሓደጎን ። ኣብ ፊልሚ ፡ ሬድዮን ስእልን ዘለዎ ተምሳጥ ኣይጎደለን ፡ ኣብ ኣደላይድ ብሞተር ብሽክለታ ብሽግለታ ምዝዋርን ኣካላዊ ብቕዓቱ ኣብ ምዕቃብን ኣየቋረጸን ። "ንጡፋት ኩኑ" ዝብል ምኽሪ እዩ ዘለዎ ። Source: Supplied

ኮሊን ዋግነር ኣብ 105 ዕመት ዕድሚኡ ብዛዕባ ኣብ እርግና ጽቡቕ ህይወት ምምራሕ ዝምልከት ቀሊል ፍልስፍና ኣለዎ።
"ኣነ በሊሕ (ጂንየስ) ኣይኰንኩን ። ተራ ዝኾነ ህይወት ዝመርሕ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበርኩ እየ።" ን ስድራ ቤት ዝኸውን ሓሙሽተ ቀመማት ዘለዎ ድግስ ንምብሳል እናተዳለወ ተዛሪቡ ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ሓደ ነገር ክትበልዕ እንተ ደሊኻ ፡ ኬድካ ኣብስሎ ። ሽጋራ ኣየትክኽን ሒደት ኣልኮላዊ መስተ ጥራይ እየ ዝሰትን "በለ ።
ኣካላዊ ብቕዕቱ ድልዱል ኰይኑ ይቕጽል ፣ እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ ተዓዛቢ ፡ ከም ተሳታፊ ስፖርት ክኸውን ልዑል ተገዳስነት የርኢ ።

Colin Wagener manoeuvres his bike so it is balanced on the back wheel, while he is still on the bike.
ኮሊን ዋገነር ኣብ ምሉእ ህይወቱ ክገብሮ ዝፈትዎ ምዝዋር ብሽግለታ ሞቶር ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ከም ዝገደፈ ይገልጽ ። Credit: Colin Wagener
ኮሊን ንነዊኅ ዓመታት ኣብ በረድ ሸታሕታሕ ምባል: ሞተር ብሽክለታ ምዝዋር ስለ ዝፈቱ 100 ዓመት ምስሓለፎ'ውን ብሽክለታ ሞተር ናይ ምውጣሕ ክእለቱ ዓቂቡ እዩ ።

"[እዛ ጭርሖ እዚኣ] ስቕ ኢልካ ምትንፋስ ትቕጽል ። ንጡፍ እውን ኩን ። ብኻልእ ኣበሃህላ ምሉእ መዓልቲ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ ። ገለ ነገር ክትገብር ኣለካ ።"
A chart shows how the age when Australians die has changed between 1964 and 2021.
ካብ 1964-2021.ኣብ ኣውስትራሊያ ገምጋም ዕድመ ተባዕትዮ ብ 11.5 ዓመታት ዓብዩ ( 79.6) ኣንስትዮ ድማ ብ 10.9 ዓመት ( 84.9) ዓብዩ Credit: Australian Institute of Health and Welfare data analysis
"ኣብ ዝሓለፈ 120 ዓመት ፡ ኣብ ዓመት ብገምጋም ሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ዕምሪ ክውስኽ ጸኒሑ እዩ ። በዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ፡ ናይ ሓደ ዓመት ዕምሪ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።" ሪቻርድ ጁክስ ዝስሙ ካብ AIHW ገሊጹ።
ኣብተን 54 ዓመታት ክሳብ 2021 ኣውስትራሊያዊያን ዕድሚኦም ክሳብ 14 ዓመት ወሲኹ።
ደቂ ተባዕትዮ ፡ ብገምጋም 13.7 ዓመት ብምውሳኽ ኣብ 81.3 ዓመት ዕድሚኦም ይሞቱ ። ደቂ ኣንስትዮ ገምጋም ዕምሪ ናይ ዕድመ ብ 11.2 ዓመት ብምውሳኽ ክሳብ 85.4 ዓመት ዕድመ ክበጽሓ ትጽቢት ይግበረለን ።
A chart shows the life expectancy for Australian males and females between 1991 and 2021.
ኣብ 54 ዓመት ናይ ኣውስትራሊያዊያን ዕድመ ክሳብ 14 ዓመት ክውስኽ እንከሎ ዕምሪ ናይ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሪት ኣይላንድስ ብኣስታት 10 ዓመት ይንኪ ። Credit: Australian Bureau of Statistics data

ኣብ 83.2 ዓመት ገምጋም ዕምሪ ኣብ ኣውስትራልያ ካብተን ምዕቡላት 38 ሃገራት ኣብ መበል ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ ።
A chart showing the top 12 OECD countries based on average life expectancy.
ኣውስትራልያ ካብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ትበልጽ እኳ እንተኾነት ፡ ብዛዕባ ትጽቢት ብህይወት ምጽናሕ ግን ድሕሪ ጃፓን ትስራዕ ። Credit: OECD/AIHW data

ስለዚ ምስጢር ነዊሕ ዕድመን ጽቡቕ ህይወትን ምንባርን እንታይ እዩ፧

ኮሊን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሰራዊት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ኣብቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ናይ ሽጋራ ባኮታት ከም መስ ኣሊ ብምጥቃም ፡ ኣብ ምስኣል ዝነበሮ ፍቕሪ ኣተግቢሩ እዩ ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህይወት ክስእሎ ሓጊዝዎ፣ ገለ ካብቲ ኣብቲ ኣብ ካንቤራ እተገብረ በዓል ዝኽሪ ኣውስትራልያ ዘርኢ ስእልታት እውን ተረኺቡ እዩ ።

ኣብ ሰራዊት ንኣስታት 2,000 መዓልቲ ድሕሪ ምግልጋሉ: ናይ ኣውስትራልያ ስሉጥ መዳልያ ተሸለመ ።
An old black-and-white picture of Colin Wagener sitting in a jeep during World War Two.
ኮሊን ዋጋነር ኣብቲ ብ1945 ሰራዊት ኣውስትራልያ ኣብ ደሴት ላቡኛ ዝገበርዎ ውግእ ሰሜን ቦርንማውዝ ኣብ ናይ ሰራዊት ጂፕ ኮፍ ኢሉ ይረአ ። Credit: Colin Wagener
ብዙሓት ኣውስትራልያዊያን እሱራት ዉግእ ኣብ ቦርንማዮ ተኣስሩ ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጸልማት ስለ ዝነበረ ፡ ን65 ዓመት መዳልያታት ውግእ ኦኣጽይዎ ጸንሐ ።
"ካብ ሰራዊት ምስ ወጻእኩ ፡ መብዛሕትኡ እዚ ሰራዊት እዚ ኣጋጢሙኒ ነይሩ እዩ ፣ ብዛዕባ እዚ ክፈልጥ እውን ኣይደልን እየ ነይረ" በለ ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ ዝግበር ስነ-ስርዓት ከም ብሓድሽ ከም ዝዝክር ዝገበሮ ዕድመ እዩ ነይሩ ።

"ኣብ ጽምብል መዓልቲ ኣናዛክ ምእንቲ ኽካፈል ፡ ካብቲ ቤት ትምህርቲ መልእኽቲ መጸኒ ፣ ኣብኡ ኽካፈልን መዳልያታተይ ክኽደንን ድማ ሓተትኒ ። መዳልያታተይ ካብ ዝረክብ ድሕሪ 65 ዓመት ንፈለማ ግዜ እየ ለቢሰዮ "በለ ።

ኮሊን ብ1930 በቲ ዓብዪ ቝጠባዊ ቅልውላው ክሓልፍ ከሎ ፡ ስለምንታይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ክርድኦ ከም ዘይክእል ገለጸ ። እንተኾነ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝሰዓቦ ነገር እዩ ።
"ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ (ንጽል) ብሃንቀውታ እየ ዝጽበያ ። እታ ዝረኽባ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንዓይ መቝሽሽ እያ። ብሃቂ ይግበኣኒ ድዩ ? እብል። "
ማሕበራዊ ርክብ ኣብ ምርምር ዝርአ ዓብዪ ረቛሒ እዩ ትብል ኣብ UNSW ናይ ስነ-ኣእምሮ ፕሮፌሰር ካሪን ኣንስተይ ።

"ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ዝወጸ ትንተና ከም ዝሕብሮ ጽምዋ ኣብ ጥዕና ህዝቢ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ ። ብዓይኒ ጥዕና ክርአ ከሎ ፡ ጽምዋ ንሕዱር ሕማም ብዝያዳ ከም እትቃላዕ እዩ ተራእዩ ። ናይ ምርሳዕ ስግኣተ-ሓደጋ እውን የዛይዶ እዩ ።
" ማሕበራዊ ዝምድናታት ብዛዕባ ሃብታም ማሕበራዊ ርክባት ምስ ዝህልወካ እዩ ።"

ዘርኢ ወይ ኣከባቢ?

ፕሮፌሰር ኒውሮሳኪያትሪ ፐርሚን ሳክደቭ ኣብ UNSW. ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ዓመት ዝነበሩ ምርምር ኣካይዱ እዩ ። ንሱ ፡ ዘርኢ ወይ ጂን 100 ዓመት ክትጸንሕ ሓደ ረቛሒ እኳ እንተ ኾነ ፡ ኣከባቢ እውን ግደ ኣለዎ ። ይብል።

"ኣብ 70 ፡ 80 ወይ 85 ዓመት ዕድሜኻ እንተ ሞይትካ ፡ ናይ ዘርኢ ( ጂን) ካብ 20 ኽሳእ 35 ሚእታዊት ክኸውን ይኽእል እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ኣብ 100 ወይ 110 ትነብር እንተ ዄንኻ ፡ እዚ ካብ ኽሳእ 40 ሚእታዊ ሓያል ዘርኢ ወይ ጂናዊ ኣበርክቶ ኣለዎ "በለ ።

"ስለዚ: እዚ ማለት 60 ሚኢታዊት ኣከባብን ኣነባብራን እዩ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብኡ ኢና ኸነተኵር ዘሎና "በለ ።

ንሱ ፡ ተመራመርቲ ነቲ ብዛዕባ ዕምሪ ጥዕና ዝገልጽ ኣምር ፡ ነቲ ኣብ ዳሕራይ ዓመታት ዕድመ ዘሎ ጥዑይ ዕድመ ንምልካዕ ከም ዝጥቀሙሉ ገለጸ ።
"እቶም ልዕሊ 100 ዝዀኑ ሰባት ፡ ዕምሪ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ነዊሕ ናይ ጥዑይ ህይወት ዕምሪ እውን ኣለዎም ። ኣብ መጽናዕትና እውን ከምኡ ኢና እንርኢ ። ክሳዕ እቲ ኣብ መበል 80ታትን 90ታትን ዕድሚኦም ጽቡቕ እዮም ዝጸንሑ ።
ገለ ካብኣቶም ከም ደም ብዝሒ: ሽኮርያ ዝኣመሰለ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ብእርጋን ዝጸሉ ሕዱር ሕማማት ኣምሊጦም እዮም "በለ ።

Share
Published 11 July 2023 7:00am
Updated 11 July 2023 5:33pm
By Biwa Kwan
Source: SBS


Share this with family and friends