ኮሊን ዋግነር ኣብ 105 ዕመት ዕድሚኡ ብዛዕባ ኣብ እርግና ጽቡቕ ህይወት ምምራሕ ዝምልከት ቀሊል ፍልስፍና ኣለዎ።
"ኣነ በሊሕ (ጂንየስ) ኣይኰንኩን ። ተራ ዝኾነ ህይወት ዝመርሕ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበርኩ እየ።" ን ስድራ ቤት ዝኸውን ሓሙሽተ ቀመማት ዘለዎ ድግስ ንምብሳል እናተዳለወ ተዛሪቡ ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ሓደ ነገር ክትበልዕ እንተ ደሊኻ ፡ ኬድካ ኣብስሎ ። ሽጋራ ኣየትክኽን ሒደት ኣልኮላዊ መስተ ጥራይ እየ ዝሰትን "በለ ።
ኣካላዊ ብቕዕቱ ድልዱል ኰይኑ ይቕጽል ፣ እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ ተዓዛቢ ፡ ከም ተሳታፊ ስፖርት ክኸውን ልዑል ተገዳስነት የርኢ ።

ኮሊን ዋገነር ኣብ ምሉእ ህይወቱ ክገብሮ ዝፈትዎ ምዝዋር ብሽግለታ ሞቶር ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ከም ዝገደፈ ይገልጽ ። Credit: Colin Wagener
"[እዛ ጭርሖ እዚኣ] ስቕ ኢልካ ምትንፋስ ትቕጽል ። ንጡፍ እውን ኩን ። ብኻልእ ኣበሃህላ ምሉእ መዓልቲ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ ። ገለ ነገር ክትገብር ኣለካ ።"

ካብ 1964-2021.ኣብ ኣውስትራሊያ ገምጋም ዕድመ ተባዕትዮ ብ 11.5 ዓመታት ዓብዩ ( 79.6) ኣንስትዮ ድማ ብ 10.9 ዓመት ( 84.9) ዓብዩ Credit: Australian Institute of Health and Welfare data analysis
ኣብተን 54 ዓመታት ክሳብ 2021 ኣውስትራሊያዊያን ዕድሚኦም ክሳብ 14 ዓመት ወሲኹ።
ደቂ ተባዕትዮ ፡ ብገምጋም 13.7 ዓመት ብምውሳኽ ኣብ 81.3 ዓመት ዕድሚኦም ይሞቱ ። ደቂ ኣንስትዮ ገምጋም ዕምሪ ናይ ዕድመ ብ 11.2 ዓመት ብምውሳኽ ክሳብ 85.4 ዓመት ዕድመ ክበጽሓ ትጽቢት ይግበረለን ።

ኣብ 54 ዓመት ናይ ኣውስትራሊያዊያን ዕድመ ክሳብ 14 ዓመት ክውስኽ እንከሎ ዕምሪ ናይ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሪት ኣይላንድስ ብኣስታት 10 ዓመት ይንኪ ። Credit: Australian Bureau of Statistics data
ኣብ 83.2 ዓመት ገምጋም ዕምሪ ኣብ ኣውስትራልያ ካብተን ምዕቡላት 38 ሃገራት ኣብ መበል ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ ።

ኣውስትራልያ ካብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ትበልጽ እኳ እንተኾነት ፡ ብዛዕባ ትጽቢት ብህይወት ምጽናሕ ግን ድሕሪ ጃፓን ትስራዕ ። Credit: OECD/AIHW data
ስለዚ ምስጢር ነዊሕ ዕድመን ጽቡቕ ህይወትን ምንባርን እንታይ እዩ፧
ኮሊን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሰራዊት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ኣብቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ናይ ሽጋራ ባኮታት ከም መስ ኣሊ ብምጥቃም ፡ ኣብ ምስኣል ዝነበሮ ፍቕሪ ኣተግቢሩ እዩ ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህይወት ክስእሎ ሓጊዝዎ፣ ገለ ካብቲ ኣብቲ ኣብ ካንቤራ እተገብረ በዓል ዝኽሪ ኣውስትራልያ ዘርኢ ስእልታት እውን ተረኺቡ እዩ ።
ኣብ ሰራዊት ንኣስታት 2,000 መዓልቲ ድሕሪ ምግልጋሉ: ናይ ኣውስትራልያ ስሉጥ መዳልያ ተሸለመ ።

ኮሊን ዋጋነር ኣብቲ ብ1945 ሰራዊት ኣውስትራልያ ኣብ ደሴት ላቡኛ ዝገበርዎ ውግእ ሰሜን ቦርንማውዝ ኣብ ናይ ሰራዊት ጂፕ ኮፍ ኢሉ ይረአ ። Credit: Colin Wagener
"ካብ ሰራዊት ምስ ወጻእኩ ፡ መብዛሕትኡ እዚ ሰራዊት እዚ ኣጋጢሙኒ ነይሩ እዩ ፣ ብዛዕባ እዚ ክፈልጥ እውን ኣይደልን እየ ነይረ" በለ ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ ዝግበር ስነ-ስርዓት ከም ብሓድሽ ከም ዝዝክር ዝገበሮ ዕድመ እዩ ነይሩ ።
"ኣብ ጽምብል መዓልቲ ኣናዛክ ምእንቲ ኽካፈል ፡ ካብቲ ቤት ትምህርቲ መልእኽቲ መጸኒ ፣ ኣብኡ ኽካፈልን መዳልያታተይ ክኽደንን ድማ ሓተትኒ ። መዳልያታተይ ካብ ዝረክብ ድሕሪ 65 ዓመት ንፈለማ ግዜ እየ ለቢሰዮ "በለ ።
ኮሊን ብ1930 በቲ ዓብዪ ቝጠባዊ ቅልውላው ክሓልፍ ከሎ ፡ ስለምንታይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ክርድኦ ከም ዘይክእል ገለጸ ። እንተኾነ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝሰዓቦ ነገር እዩ ።
"ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ (ንጽል) ብሃንቀውታ እየ ዝጽበያ ። እታ ዝረኽባ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንዓይ መቝሽሽ እያ። ብሃቂ ይግበኣኒ ድዩ ? እብል። "
ማሕበራዊ ርክብ ኣብ ምርምር ዝርአ ዓብዪ ረቛሒ እዩ ትብል ኣብ UNSW ናይ ስነ-ኣእምሮ ፕሮፌሰር ካሪን ኣንስተይ ።
"ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ዝወጸ ትንተና ከም ዝሕብሮ ጽምዋ ኣብ ጥዕና ህዝቢ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ ። ብዓይኒ ጥዕና ክርአ ከሎ ፡ ጽምዋ ንሕዱር ሕማም ብዝያዳ ከም እትቃላዕ እዩ ተራእዩ ። ናይ ምርሳዕ ስግኣተ-ሓደጋ እውን የዛይዶ እዩ ።
" ማሕበራዊ ዝምድናታት ብዛዕባ ሃብታም ማሕበራዊ ርክባት ምስ ዝህልወካ እዩ ።"
ዘርኢ ወይ ኣከባቢ?
ፕሮፌሰር ኒውሮሳኪያትሪ ፐርሚን ሳክደቭ ኣብ UNSW. ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ዓመት ዝነበሩ ምርምር ኣካይዱ እዩ ። ንሱ ፡ ዘርኢ ወይ ጂን 100 ዓመት ክትጸንሕ ሓደ ረቛሒ እኳ እንተ ኾነ ፡ ኣከባቢ እውን ግደ ኣለዎ ። ይብል።
"ኣብ 70 ፡ 80 ወይ 85 ዓመት ዕድሜኻ እንተ ሞይትካ ፡ ናይ ዘርኢ ( ጂን) ካብ 20 ኽሳእ 35 ሚእታዊት ክኸውን ይኽእል እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ኣብ 100 ወይ 110 ትነብር እንተ ዄንኻ ፡ እዚ ካብ ኽሳእ 40 ሚእታዊ ሓያል ዘርኢ ወይ ጂናዊ ኣበርክቶ ኣለዎ "በለ ።
"ስለዚ: እዚ ማለት 60 ሚኢታዊት ኣከባብን ኣነባብራን እዩ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብኡ ኢና ኸነተኵር ዘሎና "በለ ።
ንሱ ፡ ተመራመርቲ ነቲ ብዛዕባ ዕምሪ ጥዕና ዝገልጽ ኣምር ፡ ነቲ ኣብ ዳሕራይ ዓመታት ዕድመ ዘሎ ጥዑይ ዕድመ ንምልካዕ ከም ዝጥቀሙሉ ገለጸ ።
"እቶም ልዕሊ 100 ዝዀኑ ሰባት ፡ ዕምሪ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ነዊሕ ናይ ጥዑይ ህይወት ዕምሪ እውን ኣለዎም ። ኣብ መጽናዕትና እውን ከምኡ ኢና እንርኢ ። ክሳዕ እቲ ኣብ መበል 80ታትን 90ታትን ዕድሚኦም ጽቡቕ እዮም ዝጸንሑ ።
ገለ ካብኣቶም ከም ደም ብዝሒ: ሽኮርያ ዝኣመሰለ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ብእርጋን ዝጸሉ ሕዱር ሕማማት ኣምሊጦም እዮም "በለ ።