ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ገጻ ተምርሕ ዘላ መንገዲ ኣብ ሚያዝያ 2019 እያ ጀሚራ ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ፕረሲደንት ዑመር ኣል-በሽር ብወታሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ተደምሲሱ ።
እታ ሃገር ብ1956 ናጽነታ ካብ እትረክብ ኣትሒዛ ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበዝሐ ቝጽሪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ርእያ እያ ፣ [እታ ኣህጉር ንባዕላ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዝበዝሐ ዕልዋ መንግስቲ ዝፍጸመላ ኣህጉር እያ ።
ኣብ ሱዳን ርእሲ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ሰባት ፡ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ከቢድ ውግእ ኣብዝካየደሉ ዘሎ ህይወቶም ከድሕኑ ይፍትኑ ኣለዉ።. እታ ሃገር ኣብዚ ብኸመይ ከምዝበጽሓት ክትፈልጥዎም ዝግብኣኩም እንሆ።
ንሱዳን መን'ዩ ዝቆጻጸራ ዘሎ?
ክሳብ 'ዚ ቀረባ እዋን ናይ ናይ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን (SAF) ኣዛዚ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ከምኡ' ውን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብሓባር እዮም ክሰርሑ ጸኒሖም ።
ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ኣብ 2019 * ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ካብ 2021 ኣትሒዙ እቲ ጀነራል ንሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ ክኸውን እቲ ናይ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (R-S-F)መራሒ ድማ ምክትሉ ኮይኑ ጸኒሑ ።
ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ገጻ ኣብ ትጉዓዘሉ ዘላ እዋን ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወጥሪ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ ።

ናይ ናይ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን (SAF) ኣዛዚ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን Source: SBS / Ashraf Shazly
ይኹን እምበር ፡ ካልእ ወተሃደራዊ ዕልዋ ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ተፈጺሙ እቲ መደብ ደው ብምባሉ ፡ ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ውጥረት ከም ዝሰፍን ገይርዎ ።
መን'ዩ ሓይልታት ንህጹጽ ደገፍ (RSF)?
ናይ ራፒድ ደገፍ ሓይልታት (RSF) ናይ ሱዳን ዝሓየሉ ፓራሚሊታሪ ጉክለ እዮም ። መራሒ RSF - መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ወይ ሑመዲ - ኣብ ትሕቲ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኮይኑ ምክትል መራሒ ኮይኑ ቐጺሉ ።

መራሒ RSF - መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ወይ ሑመዲ Source: Getty / Yasuyoshi Chiba
RSF ካብቶም ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብ ዞባ ዳርፉር ብዝተወለዐ ቀታሊ ግጭት ዝተጋደሉ ጃንጃወ ዝበሃሉ ሚሊሻታት እዮም ተመስሪቶም ፡ እቶም ሰራዊት ዕልዋ ንኸይፍጸም ይሕግዙ ኔሮም ። ኣብቲ ግጭት 2.5 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ፡ 300,000 ከኣ ሞይቶም ።
እቲ ናይ ዳርፉር ግጭት ምስ ተወድአ ፡ RSF ዝያዳ ሓይሊ ደሊቡ ። ወተሃደራቶም ተወሳኺ ስራሕ ክሰርሑ ጀመሩ ፣ ዶባታት ሱዳን ይከታተሉን ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ጎኒ ሓይልታት ስዑዲን ኢማራትን ተሰሊፎም ይዋግኡን ነበሩ ።
ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን(SAF) ከም ኡውን ሓይሊታት ንህጹጽ ደገፍ RSFን ከም ኣካል ናይቲ ኣብ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደ ዝተሓላለኸ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ስምምዕ ገይሮም ፡ እንተኾነ ግን ነታ ሃገር ብኸመይ ከተመሓድር ከም እትኽእል ብዘይምስምማዕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተሓላለኸ ይመጽእ ኣሎ ።
ንምንታይ እዮም ኣብ ኲናት ኣትዮም?
ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ምስ ደሞክራሲያውያን ጉጅለታትን ዕጡቓር RSF ምስ ስሩዓት ዕጡቓት ሓይልታት ንኽዋሃሃድ ሓቲቶም ።
ብዛዕባ እቲ ምውህሃድ ሰራዊት ዝምልከት ዘተ ኣብዝግበረሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ፡ ነቲ ኣብ ፈለማ 1 ሚያዝያ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ምፍርራም ዘደናጐየ ፡ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራትን ናብ ምርጫ ንምስግጋርን ዝነበረ መደብን ኣደናጎየ ።

ድሕሪ'ቲ ሎምቅነ ዝኾነ ግጭት ኣብ ካርቱም ትኪን ባርዕን ይርአ Source: Getty / Anadolu Agency
ካልእ ዘከራኽር ነጥቢ ከኣ: ነቲ ካብ 2003 ኣብ ዳርፉር ኣብ እተኻየደ ውግእ: ወተሃደራትን መሻርኽቱን ከም ዝፈጸምዎ እተገልጸ ገበናት ውግእ ፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ።
ኣብ ባይታ እቲ ኩነታት ከመይ ኣሎ?
ኣብ ካርቱም ጋዜጠኛ ናባ ሞሂየዲን እቲ ኵነታት "ተኣፋፊ" እዩ ድሕሪ ምባል: ካብ ካልእ ጣልቃ እንተዘይተኣትዩ "ዝዓበየ ቅልውላው" ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ኣጠንቀቓ ።
ሰንበት ምሸት ን SBS ዎርልድ ኒውስ ከምዝገለጸቶ: - "ሕሙማት ኣብ ሆስፒታላት ተዓጽዮም ኣለዉ: ተማሃሮ ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ኣብ ኣብያተ-ትምህርቶም ተኸርዲኖም ኣለዉ ።"
"ቅድሚ ሕጂ ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን መሻርኽትን ሲቪላውያን መራሕትን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ንሰምዕ ኔርና ኢና ፣ ሕጂ ግን ዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ ዘሎ ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ" ድማ በለት ።
ክልቲኦም መራሕቲ ፡ ው.ሕ.ሃ. ነቶም ሰላማውያን ሰባት ናይ ሰለስተ ሰዓት ናይ ሰላም ዕረፍቲ ክገብሩሎም እኳ እንተ ተሰማምዑ ፡ እቲ ውግእ እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ ግና ፡ ዝትግብሮ ኣይተረኽበን ።
ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብሰንበት ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቅ ከምዝገለፆ ሓይልታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፣ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ-መንግስትን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሰራዊትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ድሕሪ እቲ ናይ RSF መርበብ ሓበሬታ ነቲ ዝተባህለብ ሓመድቲ ከምዝተቖጻጸርዎ ምስገለጹ እዩ ።
ብኽልቲኡ ዘሎ ወገን ዕጡቕ ሓይሊ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይጀመሮ እዩ ዝገልጽ ።
ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ሰለስተ ሱዳናዊያን ሰራሕተኛታቱ ከም ተቐትሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ብጥሜት ኣብ ዝተጠቕዐ ከባቢታት ሱዳን ዝካየድ ዝነበረ ስርሒታት ንግዚኡ ደው ከምዘበሎ ገሊጹ ።
ቀንዲ ጸገም ፡ መሰኻኽርን ነበርትን ከምዝብልዎ ፡ እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብኸቢድ ዝዓጠቑ ኣባላት RSF ኣብ ውሽጢ ጎረባብቲ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ተዋፊሮም ፡ ክቆጻጸርዎም ዓቕሚ ዘይብሎም እዮም ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ማእከላይ ካርቱም ዝርከብ ወተሃደራዊ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ቀጻሊ ግጭት ከም ዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ ፡ ወተሃደራት RSF ኣብ ህንጻታት ስናይፐራት ዓሚሮም ይሕልዉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምጥቃስ ፡ "ክትትል ይግበረሎም ከም ዘሎን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትዉን እዮም" ክብል ገሊጹ ።