'AI Jesus' 'ኣርተፊሻላዊ ብልሒ (ኣብ) የሱስ' ኣብ ዕላል ኣትዩ ፡ ብዛዕባ ፍትሕ፡ ፒሳ ፡ ዋላ እውን ብዛዕባ ጥቕምን ጉድኣትን ርእሰ ማልነት ዝቐርብ ሕቶታት ይምልስ ኣሎ ።
እቲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ(AI) - ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ኣብ Twitch ዝተባህለ መድረኽ ኦንላይን መርኣያ ናይ ወዲ ኣምላኽ ተዘርጊሑ ይርከብ ። ንሱ ጻዕዳ ሰብኣይ ይመስል (እዚ ስእላዊ መግለጺ እዚ ዳርጋ ፈጺሙ ዘይቅኑዕ እዩ) ምስ፡ ብኸፊል ድማ ምስቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ማዕበላት ክፈጥር ዝጸንሐ ቻትጂፕቲ-4 (ChatGPT-4) እዩ ተሃኒጹ ዝርከብ ።
ካብ ፈጠርቲ ናይዚ ማሕበራዊ መድረኽ ዝኾነ ሪስ ለይሰን ንNBC News ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡AI ቴክኖሎጂ ብቕልጡፍ ይምዕብል ከም ዘሎን ብሓላፍነታዊ መገዲ ንምፍትሑ "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ምዃኑን ገሊጹ ።
ሚስተር ለይሰን ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ጉጅለ ሓደ መዓልቲ ሰብ ዝሰርሖ ሓፈሻዊ ብልሒ ክሃንጽ ተስፋ ይገብር ። እዚ ድማ ካብቲ ከም ቻትጂፒት ዝኣመሰለ ናይ AI ቴክኖሎጂ እተፈልየ እዩ ፣ እዚ ከኣ ባዕሉ (ብዘይ ትእዛዝር ሰብ) ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝገብር ፣ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ሓድሽ ሓሳባት ዘምጽእ ክኸውን እዩ ።
ንሱ ከምዝሓበሮ 'AI የሱስ' ምስ ተጠቀምቲ ሓደ ኣብነት ናይቲ ጉጅለ ናብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ዝገበሮ ምዕባለ እዩ ።
NBC News ከምዝጸብጸቦ፡ እቲ ትካል ንተዓዘብቲ ፡ እዚ ናይ ሓቂ ሃይማኖታዊ ኣካል ከም ዘይኰነን ፡ "ኣብ ትምህርትታት የሱስ እተመስረተ መምርሕን ጥበብን" ዝህብ ከምዘይኮነ ይገልጽ።
ብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ (AI) ዝተማህዘ ብዙሕ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኣብ Twitch ዘሎ ኮይኑ ፣ ገሊኡ ከኣ ብዘስካሕክሕ መገዲ ናብ ጌጋ መገዲ ኣምሪሑ እዩ ።
AI ንፈለማ እዋን ኣይኮነን ሃይማኖታዊ ምግጋይ ፈጢሩ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቪየና ፡ ምሁር ስነ ሃይማኖትን ፈላስፋን ጆናስ ሲመርሊን ንኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ChatGPT ተጠቒሙ ፡ "98 ካብ ሚእቲ" እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ስብከት ፡ ፡ ጸሎት ፡ ከምኡውን ኣምልኾ ዘጠቓልል ፡ ብኣርባዕተ ኣቨታር ዝምራሕ፡ ማለት ክልተ ኣንስቲ ፡ ከምኡውን ክልተ ሰብኡት ከም ዝተጠቕመ ሓቢሩ ።
ሚስተር ሲመርሊን ንChatGPT ገዛእ ርእሱ ከም ሰባኺ ገይሩ ክሓስብ ነገሮ: መዝሙራትን ጸሎትን ክባርኽን ድማ ሓተቶ ።
ሚስተር ሲመርሊን ንማዕከናት ዜና ፡ "በዚ ድማ ዝበለጸ ጽቡቕ ድልዱል ዝዀነ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ኢኻ እትረክብ" ኢሉ ።
ገሊኦም ምሁራት ፡ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ (AI) ኣብ መጻኢ ሓደስቲ ሃይማኖታት ኣብ ምፍጣር ዓቢ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይኣምኑ ።
ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ማኒቶባ ዝሰርሕ ኒል ማክኣርተር ዝስሙ ዳይረክተር ፡ "ኣብ ዝቕጽል ሒደት ዓመታት ፡ ምናልባት እውን ኣዋርሕ ፡ ንኣምልኾ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ እተወፈዩ ጕጅለታት ኣምለኽቲ ኺጥጥዕ ከሎ ክንርኢ ኢና" በለ ።
ፕሮፌሰር ማክኣርተር ፡ ሰባት ንAI ከም ሃይማኖታዊ ሰረተ-እምነት ገይሮም ብምሕሳብ ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ዓበይቲ ሕቶታት መልሲ ከም ዝህብ ገይሮም ኽርእይዎ ዝኽእሉ እንተ ኰይኖም ፡ ከም ዝለዓለ መለኮታዊ ሓይሊ ገይሮም ክርእይዎ ዝኽእሉ ብዙሕ መገድታት ከም ዘሎ ይኣምን።
ኣብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ AI. እተመስረተ ሃይማኖታት ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ከም ዚውሕዳን 'ኪጭቈና "ከም ዘይብለንን ገሊጹ ነይሩ እዩ ፣ ይኹን እምበር ፡ ንሰዓብተን" ሓደገኛ ወይ ጐዳኢ ነገር "ክገብሩ ክሓቶም ሓደገኛ ነገራት እውን ነይሩ እዩ ።
ሳም ኣልትማን - ሓላፊ Open AI, ፡ ብድሕሪ ቻትጂፕቲ ዝጀመረ - ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሶል ኣብዝነበረ ፍጻመ ከም ዝሓበሮ ፡ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ንምቍጽጻር ፡ "ዓለምለኻዊ ምትሕብባር" ከም ዘድሊ ሓቢሩ ነይሩ ።
"እዚ ስርዓታት እዚ ኣዝዩ ሓያልን ሓያልን ፡ ፍሉይ ሻቕሎት ዝሓትትን ዓለምለኻዊ ጽልዋ ዘለዎን እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ፡" በለ ።