ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኩነታት ኣለው እዚ ዝድለየሎም፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ዘበገሶም ብድሆታት ጸገም ጥዕና፡ ክሳብ ጭንቀትን ፍርሕን፡ ክሳብ ተቐያያሪ ባህሪ ዝራየሉ ሕማም ባይፖላር ዲስኦርደር፡ ድሕሪ በሰላ ዝገድፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዝፍጠር ጸቕጢ ኣእምሮ፡ ምግርጫው ሰብኣውነት ወይ ሳይኮሲስ ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣእምሮ።
ኣብ መላእ ሃገር እቶም ኣገልግሎታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ይወሃቡ፡ ዝበዝሐ ግዜ ኸኣ ብደረጃ ግዝኣታት ይመሓደሩ።
ኣብ ዝበዝሑ ኩነታት፡ እዞም ማሕበራት ናቶም ተርጎምቲ/ኣስተርጎምቲ የብሎምን፡ ስለ’ዚ እቲ ብሃገር ደረጃ ብፈደራል መንግስቲ ዝምወል ኣገልግሎት፡ ኣገልግሎት ትርጉም ብቃልን ጽሑፍን (Translating and Interpreting Service - TIS) ይጥቀሙ፡ እዚ ብልዕሊ 150 ቋንቋታት ብቴሌፎንን ብኣካልን ቀረብ ኣገልግሎት ይህብ።
ብደረጃ ሃገር፡ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ብዝሐ ባህላዊት ኣውስትራልያ (Mental Health in Multicultural Australia - MHiMA) ዝተባህለ ማሕበር ብገለ ቋንቋታት ሓበሬታ የቕርብ፡ ። እዚ ተበግሶ ክፍሊ ጥዕና ፈደራል መንግስቲ ኣብ ባይታ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ኣቢሉ’ዩ፡ መርበብ ሓበሬትኦም ግን ሕጂ’ውን ክኽፈት ይኽእል፡ ጥዕና ኣእምሮ ንምምርማር ዝሕግዙ ናውቲ ዘካተተ ናብ ክዙናት መዛግብቲ ዝተተርጎሙ ሓበሬታታት ዘምርሑ መላግቦታት (ሊንክስ) ኣለውዎ።
ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ካብ ብቋንቋኹም ዝዛረብ ወይ ተመሳሳሊ ባህሊ ወይ እምነት ዘለዎ ክኢላ ክትረኽቡ ኣብ'ዚ ድምጺ ጠውቑ፡
LISTEN TO

ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ቋንቋኹም ብዝዛረቡ፡ ባህልኹም ወይ እምነትኩም ብዘለዎም ክኢላታት ዘውህብ ተበግሶ
SBS Tigrinya
07:42
መድረኽ ኣውስትራልያዊ ኣገልግሎታት ንውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን (The Forum of Australian Services for Survivors of Torture and Trauma FASSTT) ምስ ካብ ሰግር ባሕሪ ዝመጹ ውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን ዝሰርሕ ሓደ መርበብ ናይ ሸሞንተ ፍሉያት ክኢላታት ዝሓቖፉ ትካላት ተሃድሶ እዩ። ዝበዝሑ ዓማዊል ትካላት FASSTT ናብ ኣውስትራልያ ክመጹ እንከለው ከም ስደተኛታት ወይ ብሰብኣዊ ምኽንያታት ዝኣተው’ዮም። ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ኣውስትራልያ ሓደ ኣባል ወኪል FASSTT ኣሎ፡
ዘይመንግስታውያን ሃገራውያን መስመራት ሓገዝ ኣእምሮን ኣገልግሎታትን
- ላይፍላይን (Lifeline) - 13 11 14
- ሚሽን ኣውስትራልያ (Mission Australia) -
- ቢዮንድ ብሉ (Beyond Blue) - 1300 22 4636
- ሄድስፐይስ (Headspace) -
- ኣገልግሎት ቀጥታዊ ዝርርብ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት (Suicide Call Back Service) - www.suicidecallbackservice.org.au 1300 659 467
- መስመር ሓገዝ ንቆልዑ (Kids Helpline) - 1800 55 1800
- መስመር ሓገዝ ንሰብኡት ኣውስትራልያ (MensLine Australia) - 1300 78 99 78
ኒው ሳውዝ ዌልስ
መስመር ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮ ኒው ሳውዝ ዌልስ
መስመር ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮ (The Mental Health Line) ንኹሉ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝነብር ሰብ 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ ሸውዓተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ብቁጽሪ 1800 011 511፡ የገልግል።
ስግረባህላዊ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ (Transcultural Mental Health Centre - TMHC)
እዚ መላእ ሃገር ዘባጽሕ ኣገልግሎት ነቶም ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ድሕረባይታ ዘለዎም ህዝብታት (CALD) ቀረብ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ክረኽቡ የተባብዕ፡ ሕክምናዊ ምኽሪን ገምጋምን የቕርብ፡ ጥዕና ኣእምሮ የተባብዕ፡ መሳለጥያታት የዳሉን ኣስተምህሮን ስልጠናን ከኣ የቕርብ።
TMHC ነቶም ምስ ሓደ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ NSW Health ዝተኣሳሰሩ ውልቀሰባትን ቤተሰባትን ድርብ ቋንቋ ዝዛረቡ ክኢላታት ተጠቒሙ ነጻ ኣገልግሎታት የቕርብ። ነዚ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣብ’ቲ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ኣሃዱ ጥዕና ኣእምሮ ናይ መዘዋወሪ ወረቐት የድልዮም። ነቶም ብሰራሕተኛታት TMHC ዘይዝረቡ ቋንቋታት ኣገልግሎት ትርጉም TIS ኣብ / ቀሪቡ’ሎ።
ኣገልግሎት ንምሕካምን ምጥያስን ውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን፡Service for the Treatment and Rehabilitation of Torture and Trauma Survivors- STARTTS
STARTTS ባህላዊ ምትእስሳር ዘለዎም ኣገደስቲ ስነኣእምሮኣዊ ሕክምናን ደገፍን፡ ከምኡ’ውን ሰባትን ማሕበረሰባትን ካብ ዘሕለፍዎ በሰላታት ስቅያት ስደት ክሓውዩን ህይወቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዳግማይ ክሃንጹን ሓገዝ የቕርብ።
ቪክቶርያ
ንውጻእ መዓት ካብ ስቅያት ዝሕግዝ ማሕበር Foundation House for Survivors of Torture
እዚ ማሕበር ንስደተኛታት ወይ ከኣ ካብ ምስ ስደት-ዝመሳሰል ድሕረባይታ ዘለዎም ሰባት ብቋንቋታት እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ በርሚዝ፡ ሃካ ቺን፡ ዳሪ፡ ዲንካ፡ ካረን፡ ፐርሺያ፡ ስዋሂሊ፡ ታሚልን ትግርኛን ነጻ ኣገልግሎታት ይህብ።
ነዞም ኣገልግሎታት ንምርካብ ነቶም ዝቐረቡ መልክዒታት ተማልእዎም እንተኾንኩም ንምፍላጥ ኣብ’ዚ ተመልከቱ፡
ቪክቶርያ ብተወሳኺ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝርዝር ሓበሬታ ጥዕና ኣእምሮ ኣለዋ። እዚ ተበግሶ መንግስቲ ቪክቶርያ ኮይኑ ብማእከል ንባህሊ (Centre for Culture) ይካየድ፡ ብቐሊሉ ዝርከብ መጠነ ሰፊሕ እኽብካብ ዝተተርጎመ ሓበሬታታት ጥዕና ኸኣ የቕርብ፡
ክልተ ካልኦት ካብ ቪክቶርያ ዝኾና ማሕበራት ስልጠና ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ይህባ፡ ቀጥታዊ ደገፍ ንውልቀሰባት ግን ኣይህባን’የን፡
ግብራዊ ንጥፈታት ኣንጻር ስንክልና ኣብ ዓሌታውያን ማሕበረሰባት Action on Disability in Ethnic Communities (ADEC)
ADEC ቀረብ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ነቶም ሕብረባህላዊ ድሕረባይታ ዘለዎም ሰባት ንምምሕያሽ ዝሕግዝ መደብ ስግረባህላዊ ቀረብ ጥዕና ኣእምሮ (Transcultural Mental Health Access Program - TMHAP) ዘካትት’ዩ። ኣፍልጦ ብዛዕባ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ቀረባት ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮን ክንክንን ዝረኽብሉ መንገዲ ንምዕዛዝ ምስ ማሕበረሰባት ዓሌት (ethnic communities) ብሓባር ይሰርሑ።
ንሶም ብተወሳኺ ንማሕበረሰባት ዓሌት ዘሳትፍ ባህላዊ ቅቡል መልሲ ዝህቡ ሞዴላትን ሜላታትን ብምምዕባል ንኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ሓገዝ ይህቡ ።
ቪክቶርያዊ ስግረ ባህላዊ ጥዕና ኣእምሮ (Victorian Transcultural Mental Health (VTMH))
ቀደም ቪክቶርያዊ ስግረ ባህላዊ ክፍሊ ስነኣእምሮ (Victorian Transcultural Psychiatry Unit) ወይ VTPU ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ እዚ VTMH ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮን ምስ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ (CALD) ተጠቀምትን ኣለይትን ዝሰርሑ ክኢላታት ስነኣእምሮኣዊ ኣገልግሎታት-ደገፍ ንስንክልና ዝተሓጋገዝ ክፍሊ ቪክቶርያ እዩ።
ኣገልግሎታት ሓበሬታ ንሞያተኛታት፡ ምዕባለ ኣገልግሎትን ማሕበረሰብን፡ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ተጠቀምትን ኣለይቲን ዝሳተፍሉ መደባትን የካትት፡ ነቶም ብቐጥታ ንውልቀሰባት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ግን ኣየካትትን፡
ኲንስላንድ
ማእከል ስግረባህላዊ ጥዕና ኣእምሮ ኲንስላንድ (Queensland Transcultural Mental Health Centre (QTMHC))
QTMHC መላእ ግዝኣት ዘባጽሕ ፍሉይ ክኢላዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ (CALD) ሰባት ባህላዊ ቅቡል ክንክንን ደገፍን ጥዕና ኣእምሮ ክረኽቡ ንምርግጋጽ ዝሰርሕ’ዩ።
እቲ ኣገልግሎት ዝተተርጎመ ሓበሬታ የቕርብ፡ ፡ ብመንገዲ ከባብያዊ ኣወሃሃድቲ ጥዕና ኣእምሮ ምስ ክኢላታት ዘራኽብ ኣገባብ ይፈጥር፡
ንውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን ሓገዝ ዝህብ መደብ ኲንስላንድ (Queensland Program of Assistance to Survivors of Torture and Trauma (QPASTT))
QPASTT ጥዕናን ህላወን ናይ’ቶም ናብ ኣውስትራልያ ቅድሚ ምምጽኦም ስቅያት ዘሕለፉ ወይ ምስ ስደተኛ ዝተኣሳሰር በሰላ/ትሮውማ ዝሓለፉ ሰባት ተዓጻጻፊ ዝኾኑን ብባህላዊ መዳይ ቅቡላት ኣገልግሎታት የቕርብ።
World Wellness Group
እዚ ኣብ ብሪዝበን ዝመደበሩ World Wellness Group ንማሕበረሰባት CALD ዝኾኑ ብዙሓት መደባት ኣካቲቱ የቕርብ።
- መደብ Multicultural Psychological Therapies (ሕብረባህላዊ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳታት)፡ ኣብ ዞባታት ብሪዝበን ኖርዝን ሳውዝን ንዝርከቡ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ድሕረባይታ ዘለዎም ሰባት ዝወሃብ’ዩ። እዚኦም ነቶም ካብ ቅልል ዝበለ ክሳብ ማእከላይ መጠን ዘለዎ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ብባህላዊ መዳይ ድሕነት ዘለዎን ተነቃፍነት ኣብ ግምት ዘእተውን ስሩዓት ስነኣእምሮኣዊ ሕክምናታት/ምትእትታዋት የቕርቡ፡
- ጥዕና ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝከታተል Refugee and asylum seeker health፡ ናይ ሓዋሩ ዘይምዕሩይነት ጥዕና ንምቕናስ ብባህላዊ መዳይ ድሕነት ዘለዎ፡ መላእ ኣካላዊ፡ ቤተሰብ ማእከል ዝገበረን ዝተወሃሃደን ኣተኣላልያ/ክንክን ነቶም ተነቀፍቲ ሰባት የቕርብ፡
- ኣገልግሎታት ጥዕና ንናይ ደገ ተመሃሮ፡ ከም ፍሉያት ክኢላታት ኣብ ክንክን ጥዕና’ቶም ካብ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ድሕረባይታ ዘለዎም ሰባት መጠን፡ ናይ ስግር ባሕሪ መድሕን ጥዕና ተመሃሮ (Overseas Student Health Cover (OSHC)) ዘለዎም ካብ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ድሕረባይታ ዝመጹ ናይ ደገ ተመሃሮ ክጥቀምሉ ይኽእሉ፡
- ትካል Culture In Mind ኣብ ማሕበረሰብ ዝተሰረተ መደብ ኮይኑ ነቶም ኣብ ዞባ ግሬተር ብሪዝበን ዝርከቡ 18+ ዝዕድሚኦም ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ሰባት ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ደገፍ የቕርብ።
ሃርሞኒ ፕለይስ (Harmony Place)
Harmony Place ዘይመንግስታዊ፡ ማሕበረሰብ-ዝሰረቱ ሕብረባህላዊ ማሕበር ኮይኑ ባህላዊ ተነቃፍነት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ነቶም ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ድሕረባይታታት ዘለዎም ሰባት የቕርብ። እዚ ማሕበር፡ ሓደስቲ መጻእቲን ደቆምን፡ ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብሞያ ዝመጹን ኣንስቶምን ወሲኽካ ምስ ልዕሊ 12 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሰባት ይሰርሑ። ኣብ መላእ ግዝኣት ኲንስላንድ ይነጥፍ፡ ብፍላይ ኣብ’ቶም ብዝሐ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘለውዎም ከባቢታት ደቡብ ምብራቕ ኲንስላንድ፡ ብሪዝበን፡ ሎጋን፡ ኢፕስዊችን ጎልድ ኮስትን።
መስመር ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮ (Mental health line)
1300 MH CALL (1300 642255) ንነበርቲ ኲንስላንድ ስቱር ዝኾነ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ቴሌፎን ዘቕርብ ኮይኑ ናብ ህዝባውያን ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ቀዳማይ ርክብ ዝፈጥር’ዩ።
ኣገልግሎት ትርጉም TIS ተቐሪቡ’ሎ፡
ኖርዘርን ተሪተሪ
MHACA ማእከላይ ኣውስትራልያ (Central Australia)
ኣገልግሎታት MHACA ነቶም ብሓኪም ዝተረጋገጹ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ክፉታት’ዮም። ኣገልግሎታት ትርጉም ኣቐዲምካ ቆጸራ ብምሓዝ ይርከቡ፡ ሰራሕተኛታቶም ቻይኒዝ፡ ኡርዱ፡ ኣይሪሽን ሂንዲን ቁንቋታት ካብ ዝዛረቡ ኣለውዎም፡
TeamHealth (ዳርዊን)
TeamHealthኣገልግሎታትን ደገፍን ነቶም ስክፍታታት ወይ ሻቕሎታት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎም ወይ ተነቀፍቲ ወይ ከኣ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ነበርቲ ግዝኣት ኖርዘርን ተሪተሪ የቕርብ፡ ኣገልግሎት ትርጉም TIS ከኣ ቅሩብ’ዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ናብ ልዕሊ 80 ቋንቋታት ብቐጥታ ዝትርጉም ኣገልግሎት ኣለዎ፡
ማእከል ስደተኛታት ሜላሉካ (Melaleuca Refugee Centre)
እዚ ግብረሰናያዊ ማሕበር ካብ ሰደተኛን ሓደስቲ መጻእቲ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ውልቀሰባትን ስድራቤታትን ክብሪ ዘለዎ ሰብ-ማእከል ዝገበረ ሰብኣዊ ኣገልግሎታት የቕርብ። ንስድራቤታት፡ በጽሒታት፡ ህጻናትን መንእሰያትን ነጻ ኣገልግሎታት ይህብ፡
ኖርዘርን ተሪተሪ ስምረት ንጥዕና ኣእምሮ (The Northern Territory Mental Health Coalition) (NTMHC)
እዚ NTMHC ኣብ መላእ ኖርዘርን ተሪተሪ ዝለዓለ ኣካል ናይ’ቶም ብማሕበረሰብ ዝእለዩን ዝካየዱን ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ እዩ።
መስመር ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮ ኖርዘርን ተሪተሪ (Northern Territory Mental Health Line)፡ 1800 682 288
ግዝኣታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ብመንገዲ ህጹጽ መስመር ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮ (Mental Health Helpline) ክርከቡ ይኽእሉ፡ እዞም ኣገልግሎታት ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ ኣገልግሎታት ትርጉም ይጥቀሙ እዮም፡
ዌስተርን ኣውስትራልያ
ማሕበር ኣገልግሎታት ንውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን Association for Services to Torture and Trauma Survivors (ASeTTS)
ASeTTS ነቶም ውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን ዝኾኑ ስደተኛታት ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ ሓፈሻዊ ኣገልግሎታት ብቛንቋታት ዓረብ፡ ዲንካ፡ ካረንን ኪሩንዲን የቕርብ።
ስግረባህላዊ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ ወስተርን ኣውስትራልያ (West Australian Transcultural Mental Health Centre)
እዚ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ ሮያል ሆስፒታል ፐርዝ (the Royal Perth Hospital) ጥራይ ዝወሃብ ኮይኑ ሕሙማት ካብ ሆስፒታል ምስ ተፋነው ንሰለስተ ግዜ ይፍቀደሎም። ኣገልግሎታት ትርጉም ብኣካል ወይ ብቴሌፎን ይቐርቡ፡
ታዝመንያ
ማእከል ፊኒክስ (Phoenix Centre)
ማእከል ፊኒክስ ኣብ ውሽጢ መሳለጥያታት ንሓደስቲ መጻእቲ ዘቕርብ the Migrant Resource Centre ዝሰርሕ ኮይኑ ንውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን ፍሉያት ክኢላዊ ኣገልግሎታት የቕርብ። ኣገልግሎት ምኽርን ንጥዕናን ህላወን ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ዝድግፉ ብዙሓት ዝዓይነቶም ስልጠናታትን መደባትን የቕርብ። ማእከል ፊኒክስ ኣብ ሆባርትን ሎንሰስተንን ዝመደበሮም ሰራሕተኛታት ሃልይዎ ንመላእ ግዝኣት ኣገልግሎታት የቕርብ፡
ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ መንግስቲ ታዝመንያ ዝኸፍአ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎም ነበርቲ ኣብ ውሽጢ ኣትዮም ኣብ ዝሕከሙሎም መሳለጥያታትን ኣብ ማሕበረሰብን፡ ብቐጥታ ብክሊኒካት መንግስቲ ወይ በቶም ስሩዕ ቀረብ ክንክን ጥዕና ዝህቡ፡ ፍሉያት ክኢላታት ናይ ውልቂን መሳለጥያታቱን፡ ከምኡ’ውን ብመንገዲ ሓካይም ቤተሰብ፡ ኣገልግሎት ምእላይ ይቕርብሎም።
ኣገልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ከመይ ጌርኩም ትረኽቡ ሓበሬታ እንተደሊኹም ናብ’ዚ ኪዱ፡ The assessment and referral call helpline is 1800 332 388
ኣውስትራልያን ካፒታል ተሪተሪ (Australian Capital Territory (ACT))
ንውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን ዝሕግዝ ትካል ኮምፓኒዮን ሃውስ Companion House, Assisting Survivors of Torture and Trauma
ኣገልግሎታት ምኽሪ ብምቕራብን ብሰራሕተኛታት ደገፍ ተሓጊዝካ ንሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብምሕጋዝን፡ ኮምፓኒዮን ሃውስ ሰባት ኣብ ኣውስትራልያ ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ፡ ኣጸገምቲ ኩነታት ህይወት ክፈትሑን ጽልዋታት ሕሉፍ በሰላኦም ከሰላስሉን ዓሊሙ ይሕግዝ።
ወሃብቲ ኣገልግሎት ምኽሪ ምስ ሓደስቲ ዝመጹ ሰባትን ነዊሕ ዝጸንሑ ተጣየስትን ይተሓጋገዙ፡ ምስ በጽሒታት፡ ህጻናትን መንእሰያትን ዝሰርሑ ፍሉያት ክኢላታት ከኣ ኣለውዎም፡
መንግስቲ ACT ብቴሌፎን ክወሃብ ዝኽእል ኣገልግሎት ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ (1800 629 354 or 02 6205 1065) ወይ ከኣ ብመንገዲ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ዝወሃብ: ኣለዎ።
ሳውዝ ኣውስትራልያ
ትካል ዝምድናታት ኣውስትራልያ (Relationships Australia)
ንምሕያል ብዝሐባህላዊ ማሕበረሰባት ዝሰርሕ The Personal Education and Community Empowerment (PEACE) ዝተባህለ ኣገልግሎት ኣብ ምግልጋል’ቶም ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ድሕረባይታ ዘለዎም ሕብረባህላዊ ማሕበረሰባት ዓሊሙ ይሰርሕ። ኩነታት ቪዛኦም ብዘየገድስ PEACE ንውልቀሰባት፡ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ንምሕጋዝ ኣገልግሎት ይህብ፡
ትካል ኣገልግሎት ሓገዝን ተሃድሶን ንውጻእ መዓት ስቅያትን በሰላን (Survivors of Torture and Trauma Assistance and Rehabilitation Service, STTARS)
STTARS ነቶም ካብ ናይ ስደተኛን ስደተኛ-መሰል ድሕረባይታታት ዝመጹ ሰባት ኣብ ምሕዋይን መስርሓት ሕውየትን ንምሕጋዞም ምኽራዊ ኣገልግሎት ፍሉያት ክኢላታት ዝህብ’ዩ። ኣገልግሎታት ካብ ክፍሊት ነጻ’ዮም፡ እቶም ሰባት ኣብ ኣውስትራልያ ክንደይ ጸኒሖም ብዘየገድስ ክረኽብዎ ይኽእሉ’ዮም። ኣገልግልታት STTARS ንምርካብ ዝርዝር ተጸበይቲ ኣሎ፡ ግን ብመስርዕ ክብደት ሕማም’ዩ ዝስራዕ፡ እቶም ኣዝዩ ዝለዓለ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ቀዳምነት ይወሃቦም።
ኣገልግልት STTARS ነጻ፡ ወለንታዊ፡ ስቱርን ብብቕዓት ዘለዎም ክኢላታት ኣማኸርትን ኣስ/ተርጎምትን ይካየድ።
- ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
- መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
- ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
- ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም ።