ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር መንግስቲ ዘለዋ ሃገራት ዓለም እያ ።
ብዛዕባ ግሉጽነትን ንናጽነት ፕረስን ዚምልከት ፡ ከም "ሰሜን ኮርያ" ኣፍሪቃ እያ እትቝጸር ።
እቲ መንግስቲ ናይ ተሌፎንን ኢንተርነትን ልውውጥ ይከታተልን ሰፊሕ ናይ ውሽጢ ሃገር ሓለዋ የካይድን ። ስለዚ ፡ ይትረፍ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ፡ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ምውጻእ ኣዝዩ ከቢድ መቕጻዕቲ'ዩ ዘኸትል ።
ዝዀነ ይኹን ጭቡጥ መርትዖ ክትረኽበሉ እትኽእል እንኮ መገዲ ፡ ብሕቡእ ካሜራ ኣእቲኻ ፡ በታ ሓንቲ ካሜራ ዝተሳእለ ብሕቡእ ምስቶም ዓለም ጸበባኦም ክትርዳእ ዝወሰኑ ጕጅለ ደለይቲ ለውጢ ብሓባር ብምስራሕን እዩ ።

Michael took a huge personal risk to smuggle footage out of an Eritrean detention centre. Source: SBS Dateline
ነቲ ናይቲ መንግስቲ መጠኑ ዝሓለፎ ቍጽጽር ከተምልጥ: እዚ በቲ "ናይ ቀደም" ኣሰራርሓ ጋዜጠኛነትን ምቕዳሕ ፊልምን ክግበር ኔርዎ።
ካብ 1993 ጀሚሩ ኤርትራ ብሓደ ሰብ ማለት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትግዛእ ዘላ ሃገር እያ።
ንሱ ኣብቲ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ንምውጻእ ዝተኻየደ ኲናት ነታ ሃገር ናብ ዓወት መሪሑዋ እዩ ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ስልጣን ኣሎ።
ነቕፍቲ እቲ ስርዓት ከምዝገልጽዎ ዝኾነ ይኹን ዝቃወሞ ሰብ ፡ ካብ ግዱድ ዕስክርና ክሃድም ንዝፍትን ወይ ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝፍትን ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝወርዶ ይኸሱ - ነዚ ክሲ እቲ ፕረዚደንት ብቐጻሊ ተኣሉታ ይህበሉ።
ማይክል (ሓቀኛ ስሙ ኣይኮነን) ካብ ኤርትራ ከምልጥ ፈቲኑ ከም ዝተታሕዘ ምስ ገሊጹ ፡ ብ2011 ኣብ ሓደ ካብቲ ብዙሕ መዳጎኒ ማእከላት ተኣሲሩ ነይሩ ።
ሓደ ካብቶም ሓላውቲ ናይቲ ቤ ማእሰርቲ ፡ ካሜራ ኣብ ውሽጢ ኣእትዩ ነቲ ኩነታት ክቐድሖ ሓገዞ ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከኣ ንሱን ሓያሎ ካልኦትን ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ መርመራን ስቓይን ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ ።
ማይክል ፡ "ሓድሓደ ግዜ ንሰለስተ ሰዓት ይቕጥቅጡኻ ።"
"ገሊኦም ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ፡ ብቐጻሊ ድማ ይምርመሩ ኣለዉ ።"
ሚካኤል ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ብ እግሪ ብኽንደይ ጸገም ከምልጥ ከኣለ ።

Night time inside a cramped Eritrean detention centre. Source: SBS Dateline
ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ሓደጋ ከጋጥሞም ዝኽእል እኳ እንተኾነ ፡ እቲ ንሱ ብካሜራ ዝቐድሖንን ተመክሮኡን ግና ኣካፊሉ ።
"ከምዚ ዝገበርኩሉ ምኽንያት ፡ እቲ ስርዓት ንመንእሰያትን ንህዝብን ይጭቍን ከም ዘሎ መርትዖ ንምቕራብን ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ መግሃስቲ ከም ዝበጽሖ ንምርኣይን እዩ" ኢሉ ።
"እዚ ንእሽቶ መርትዖ እዩ ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከም ዝወጽእ ማይ እዩ" ይብል ።
ሓደ ኣንጻርቲ ስርዓትዝነጥፍ ምንቅስቓስ ነቲ ትሑት ጽሬት ዘለዎ ቪድዮ ግና ኣብቲ ማእከል መዳጎኒ ዘለዉ ኣውያቶም ዘቃልሕ ቪድዮ ከውጽኦ ከኣለ።
ዴትላይን ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርመርቲ ከምኡውን ምስ ካልኦት ብምምስራሕ ፡ ነቲ ናይ ጥርጡርን ዝተረጋገጸን ቤት ማእሰርቲ ዘወሃህድ ናይ ሳተላይት ስእሊ ብምርካብ ፡ ነቲ ናይ ቪድዮ ጭብጥታት ሒዝና ክንከይድ ንኽእል ።
እዚ ሓበሬታ እዚ በቶም ፍሉጣት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቢሉ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ እዩ ።

This aerial view illustrates the aftermath of an attack on the Hitsats refugee camp. Source: SBS Dateline
ኣዝዩ ኣጸጋሚ ወይ ሓደገኛ እናዀነ ምስ ከደ ፡ ብዙሓት እተሓለሉን ተስፋ ዝቖረጹን ኣለዉ።
ድሕሪኡ ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ 2018 ፡ ሓደ ሓላው እሱራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብቪድዮ ክቐድሖ ከም ዝኽእል ነገረና ።
እዚ ዝኾነ ድሕሪ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ውዕል ምፍራማ እዩ ። በቲ ስምምዕ፡ ኤርትራውያን ነቲ ናይ ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጭቆናን ስርዓት ከብቅዕ ተተስፍዮም ነበሩ ።
እቲ ሓላዊ እሱራት ካብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሚካኤል ብቪድዮ ቐዲሑ ዘውጽኦ ሓደ ዓይነት ነበረ ፡ እቲ ብጃምላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቲኻ ምስቓይ ይቕጽል ከም ዘሎ ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ እንተተፈረመ'ኳ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስሩ ብዝሒ ሰባት እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣረጋገጸ ።
ኣብ መወዳእታ 2020 ፡ እዚ መርመራ እዚ ካብ ዝጅምር ሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን'ዩ ጸኒሑ ፡ ናብቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ክንኣቱ ፈቲንና ።

Smuggled footage reveals the cramped conditions inside an Eritrean detention centre. Source: SBS Dateline
እንተዀነ ግን: ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ሓይልታትን ግጭት ብምጅማሩ ካብቲ ዞባ ጋዜጠኛታት ከይኣትዉ ተኣጊዶም ኣለዉ ።
ኤርትራ'ውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ናብቲ ኲናት ተጸንቢራ ፡ እቶም ኣብቲ መዓስከራት ዝነበሩ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ጸብጻባት ሓቢሮም ።
ምስ መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ዝገበርናዮ ቃለ-መጠይቅ ፡ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከመይ ጌሮም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሓጻጽ'ውን ከምዝኣተዉ ሰሚዕና ኣለና ።
እቲ ምንጪ ፡ "የዋርዱን ይወቕዑን ይቕትሉን ነበሩ" ክብል ገሊጹ።
"ብዙሓት ኣብ ዓበይቲ ማካይን ተጻዒኖም ተወስዶም። ብዙሓት ሰባት'ዮም ወሲዶም ። ነቶም ከምልጡ ዝፈተኑ ብጥይት ቀቲሎምዎም እዮም ። ኵሉ ነገር ተወሲዱ እዩ። እቲ ህንጻታት ጥራዩ እዩ ተሪፉ " ክብል ገሊጹ።
እቲ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ምስልታት ናይቲ ዝነድድ ህንጻታትን ካብ ክፍሊ መንግስቲ ኣመሪካ ዘለዎ ምንጭታት ነቲ ዝበጽሓና ናይ ድምጺ ጸብጻብ የረጋግጾ እዩ ። ይኹን እምበር ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፡ ወተሃደራቱ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከም ዘውረዱ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ እዩ።
ኤርትራውያን ስድራ ቤታትን ተጣባቒት ፡ ብዛዕባ እቲ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ዘጋጠሞም ዘሎ ነገር ወረ ካብ ምጽባይ ግና ዓዲ ኣይወዓሉን።
Watch 'Eritrea: The Secret State' at 9.30pm on Tuesday on SBS and later on SBS On Demand.