ህጻናትን መንእሰያትን ናብ ስእለ ጽዩቕ ወይ ፖርኖግራፊ ምቅላዕ ፡ ኣብ ጾታዊ ዓመጽን ሓደገኛ ጾታዊ ተግባራትን ከማዕብል ዝኽእል ህዝባዊ ጥዕና ጸገም ኰይኑ ክተሓዝ ከም ዝኽእል ፡ ተመራመርቲ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ ።
ብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ (QUT) ከምኡውን ብ OurWatch ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ "ንጾታዊ ምርዳእን ትጽቢታትን ተመክሮታትን መንእሰያት ኣብ ምቕራጽ ግደ ኣለዎ ።"
ገሊኦም ምርምራት ፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ንጾታዊ ተመክሮ መንእሰያት ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድረሎም ዝኽእል ምዃኑ እኳ እንተ ኣመልከተ፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣመና ጸቢብ ከም ዝዀነን ብፍላይ ምስ ጾታዊ ዘይማዕርነትን ዓመጻን ዝተሓሓዝ ንኣሉታዊ ጽልዋታት ስእለ ጽዩፍ ኣብ ግምት ዘየእቱን ከም ዝዀነ ፡ እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ይገልጽ ።
ቅድሚ ሕጂ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ ስእለ-ጽዩፍ ምዝውታር ምስ ጐዳኢ ጠባያትን ኣረኣእያን ፡ ንኣብነት ምስ ጾታዊ ዓመጽን ምቕያር ባህርን ፡ ጾታዊ ምዕማጽ ፡ ከምኡ እውን ሓደገኛ ጾታዊ ርክብ ምስ ምፍጻም ዝተሓሓዝ እዩ።
ብዘይካዚ ፡ ሰባት ንኻልኦት ከም ጾታዊ ኣቕሓ ከም ዝቖጽርዎም ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ከም ዝህልዎም ፡ ጾታዊ ዓመጻ ከም ዝፍጽሙ ክገብር ዘኽእል እዩ ።
ስእለ ጽዩቕ ኣብ ኣውስትራሊያ: ብቑጽሪ
እቲ ብረቡዕ ኣብ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ኣብ ጆርናል ኦቭ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጸ ናይ QUT-OurWatch መጽናዕቲ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ መንእሰያት ንስእለ ጽዩፍ ብኸመይ ከም ዝቃልዑ ዘርኢ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ ።
ተመራመርቲ መንነቶም ብዘይግለጽ መገዲ ብኢንተርነት ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ፡ ካብ 15-20 ዓመት ዝዕድሚኦም 1,985 መንእሰያት ኣውስትራልያ ፡ ኣብ እተፈላለየ ጂኦግራፊያዊ ቦታታትን ማሕበረ ኢኮኖምያውን ባህላውን ድሕረ ባይታኦም ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ ንኽዘራረቡ መልሚሎም ።
ኣብ QUT ፕሮፌሰር ስነ-ሕብረተሰብን ነቲ ጸብጻብ ካብ ዘዳለዉን ማይክል ፍሎድ ፡ ን SBS ዜና ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ምርምር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከቡ መንእሰያት ፡ ስእለ-ጽዩፍ ዝቃልዑሉ ስፍሓትን ዓይነትን ዘርእይ ኣዚዩ ጽቡቕ መርኣያ እዩ ።
"ብፍላይ ኣብ ኣወዳትን ኣጓብዝን ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ልሙድ እዩ ፣ ጐዳኢ ሳዕቤን እውን ኣለዎ፡ ስለዚ ገለ ክንገብር ኣሎና " በለ ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ መብዛሕትኦም ካብ 15-20 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ፡ ስእለ ጽዩፍ ፡ ደይመደይ ኢሎም ወይ ብኣጋጣሚ ይርእዩ እዮም ።
ኣወዳትን ኣጓብዝን ካብ ኣዋልድን መንእሰያት ኣንስትን ንላዕሊ ንስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ዘለዎም እዮም ነይሮም (86 ሚኢታዊ ኣብ ተባዕትዮ 69 ሚእታዊ ኣብ ኣንስትዮ) ብተደጋጋሚ ድማ ክጥቀምሉ ተራእዮም እዮም ፣ በዚ ድማ 54.4 ሚእታዊት መንእሰያት ኣወዳት ኣብ ሰሰሙን ስእለ ጽዩፍ ዝርእዩ ክኾኑ ከለዉ 14.3 ሚእታዊትመንእሰያት ኣንስቲ ኣብ ሰሙን ይዕዘባ ።

Source: SBS
ካብ ኵሎም እቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም መንእሰያት ፡ ስእለ ጽዩፍ ከም ዝረኣዩ ዝሓበሩ ኮይኖም ፡ መብዛሕትኦም ቅድሚ እቲ ምስ ካልእ ሰብ ዝገበርዎ ናይ ፈለማ ጾታዊ ርክብ ሓደ ዓመት ኣቐዲሞም ስእለ ጽዩቕ ዝተዓዘቡ እዮም ።
ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን 89 ሚእታዊት ኣብ በቶም ንስእለ ጽዩፍ ዝርእዩ እዮም ፣ 94 ሚእታዊ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ከም ስማርት ፎን ወይ ላፕቶፕ ገይሮም ድማ ከምዝዕዘቡ ተፈሊጡ ።

Source: SBS
ፕሮፌሰር ፍሎድ ከምዝገልጾ፡ "ን ፈለማ ናብዚ ዝቃልዕሉ ዕድመ ፡ ብገምጋም ደቂ ተባዕትዮ 13.2 ዓመት ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 14.1 ዓመት እዮ። እዚ ከኣ ካብቲ እቶም ውልቀ-ሰባት ጾታዊ ርክብ ዝጅምርሉ እዋን ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ኣቐዲሙ እዩ" በለ ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ሸሞንተ ፡ ትሽዓተ ፡ 10 ዓመት ዕድሚኦም ንስእለ ጽዩፍ ከም ምርኣይ ከምዝጀመሩ ዝሓበሩ ሰባት ፡ ኣብ ሸሞንተ ዓመት ዕድሚኦም ስእለ ጽዩፍ ከም ዘጓንፎም ገሊጾም እዮም ።
ትርጉም ናይዚ ዉጽኢት እንታይ እዩ?
እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገለጽዎ ፡ እቲ መጽናዕቲ ስእለ ጽዩፍ ኣብ መንእሰያት ኣውስትራልያ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣወዳትን መንእሰያትን ኣብ ጾታዊ ኣረኣእያን ጠባይን "ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ ።
ብዘይካዚ ፡ "ስእለ ጽዩፍ ኣብ ምጥቃም ከስዕቦ ዝኽእል ጕድኣት ንምምካት ፡ ስትራተጂ ህዝባዊ ጥዕና ከም ዘድሊ" ይገልጹ ።
ፕሮፌሰር ፍሎድ ፡ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ስትራተጂታት ኣውጺኡ ኣሎ ፦
- ናይ ወሲብ ትምህርቲ ምሃብ ንስእለ-ጽዩፍ ዝያዳ ብምስትውዓል ንምጥማት ተራ ኣለዎ ፤ መንእሰያት ድማ ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቖም ንኽሓስቡ ይገብር ።
- ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ ውጽኢታዊ ዝርርብ ንኺገብሩ ብዝያዳ ኺዕጠቑ ኣለዎም
- መጠነ ሰፊሕ ማሕበራዊ ምውዕዋዕ ኣብ ዝካየደሉ ቦታታት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ጐዳኢ ትሕዝቶ ኣብ ፖርኖግራፍን ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ክብ ከብልን ዝያዳ ጾታዊ ማዕርነትን ዘይውሑስ ማሕበራዊ ልምድታትን ከማዕብልን ይግባእ ።
- ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንስእለ ጽዩፍ ንኸይቃልዑ ፡ መንግስቲ ሕጋውን ቊጽጽራውን ስትራተጂ ኣብ ምድጋፍ ግደኡ ከበርክት ይግባእ ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ መደምደምታ እቲ ጽሑፉ ከም ዝሕብሮ ፡ ስእለ ጽዩፍ ከስዕቦ ዝኽእል ጸገም ምንካ'ዩ ፡ ኣብ መጻኢ ጾታዊ ዓመጽ ንኸይፍጸም ኣገዳሲ ግደ ክህልዎ ይኽእል እዩ ።
እዚ ፍሉይ ምርምር እዚ ፡ መንእሰያት ንስእለ ጽዩፍ ብኸመይ ከም ዝቃልዑ ኣብ ክንዲ ዘተኵር ፡ ብዛዕባ ጽልዋታቱ ሓበሬታ ኣብ ክንዲ ዝእክብ ፡ እቲ መርትዖ ብግቡእ ከም እተመዝገበ ፡ፕሮፌሰር ፍሎድ ገሊጹ።
"ስእለ-ጽዩፍ ምጥቃም ሓደ ካብቲ ንሓደጋ ዘቃልዕ ረቛሒ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ማለት ንጾታዊ ዓመጽ ፡ ቅትለትን ንተበዳልነት ዘቃልዕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ኣሎ" ።
ጽሑፋት ብዛዕባ'ዚ እንታይ ይብሉ?
ቅድሚ ሕጂ እተገብረ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ ኣብ መንጎ ስእለ ጽዩፍ ዝርእዮን ንጾታዊ ቝጥዐን ዓመጻን ዝድግፍን ርክብ ኣሎ ።
ካብ 2019 እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ ንሕማቕ ስእለ ጽዩፍ እተቓልዑ ኣወዳት ፡ ካብቶም ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ዕጽፊ ኣቢሎም ፡ ካብቶም ዘይተቓልዑ ፡ ዓመጻን ተበዳልነትን ከም ዝፍጽም ክሕብሩ ዘለዎም ዕድል ሰፊሕ እዩ ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ ንዓመጻዊ ስእለ ጽዩፍ እተቓልዓ ኣዋልድ ፡ ልዕሊ 1.5 ዕጽፊ መጥቃዕቲ ንኺፍጽማ ዘለወን ዕድል ሰፊሕ እዩ ።
እቲ ንውሕ ዝበለ ናይ 2015 መጽናዕቲ: ስእለ-ጽዩፍ ነቲ ጸኒሑ ዝኽሰት ጾታዊ ዓመጻ ኣረኣእያን ጠባይን ይጸልዎ እዩ ።
ፍሎድ ን SBS ዜና ከምዝገለጾ ፡ ብውልቀ-ሰባት ፡ ፖርኖግራፊ ምጥቃም ንጾታዊ መጥቃዕቲ ግዳይ ንምግባርን ገበነኛታት ንምግባርን ሓደገኛ ረቛሒ እዩ ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ወሲባዊ ዓመጽ ይገድድ ኣሎ" ኢሉ ። "ሓደ ካብቲ ረቛሒ ድማ ምርኣይ ስእለ ጽዩፍ እናወሰኸ ምኻዱ እዩ ።"