ሰራዊት ዋግነር "ደም ንኸይፈስስ" ካብ ሞስኮ ተመሊሶም፡ ሓለቓኦም ናብ በላሩስ የምርሕ።

እምቢተኛነት ዋግነር ነቲ ኣብ ራሻ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ዘቃለዐ እዩ ክብል ናይ ዩክረይን ፕረሲደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።

Soldiers on a street

Wagner fighters captured the Russian city of Rostov-on-Don on their advancement to Moscow. Source: SIPA USA / Erik Romanenko/TASS

ከቢድ ኣጽዋር ዓጢቖም ናብ ሞስኮ ዝምርሹ ዝነበሩ ብገንዘብ ዝተዓደጉ ሰራዊት ዋግነር ፡ ንድሕሪት ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ ። እዚ ከኣ ነቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ስልጣን ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ጎዲልሉ ኣሎ ። መራሒ ናይቲ ዕጡቕ ፡ እዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ምንስሓብ፡ ምፍሳስ ደም ንምቁራጽ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ ።
የቭገኒ ፕሪጎዚን ኣቐዲሙ መሓዛ ፑቲን ዝነበረን መስራቲ ሰራዊት ዋግነርን ከምዝገልጾ ፡ሰራዊቱ ካብታ ርእሰ ከተማ ኣብ ውሽጢ 200 ኪ.ሜ. ከም ዝበጽሑ ገሊጹ ነይሩ ። ኣቐድም ኣቢሉ ፡ ወተሃደራት ሞስኮ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ሰራዊት ዋግነር ንምምካት ዘድሊ ምድላዋት ይገብሩ ከምዝነበሩን ፣ ንነበርቲ እታ ከተማ ከኣ ናብ ደገ ከይወጹ ነጊሮም ነይሮም ።

እቶም ናይ ዋግነር ተዋጋእቲ ኣማኢት ኪሎሜተራት ንደቡብ ትርከብ ንከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ተቖጻጺሮማ ነይሮም። ብቪድዮ ዝተዘርግሐ ምስልታት ከም ዘመልክትዎ ፡ ታንክታትን ድሩዓት ማካይንን ናብ ዋና ከተማ ሞስኮ እናጓዕዙን ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሖም ዕርድታት እናፍረሱ ክምርሹ ተራእዮም ነይሮም።


"ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ፡ ካብ ሞስኮ 200 ኪ.ሜ. ርሒቕና ክንበጽሕ ክኢልና ኢና ። ኣብዚ ግዜ እዚ ፡ ሓንቲ ንጣብ ደም ተቓለስቲና ኣየፍሰስናን" ብምባል ሚስተር ፕሪጎዚን ምሉእ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ተኸዲኑ ፡ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብቪድዮ ገሊጹ።

"ደም ሩስያ ብሓደ ሸነኽ ከም ዝፈስስ ስለ እንርዳእ ፡ ሰራዊትና ናብ ካልእ ቦታታት ኣዚርና ከምቲ ዝወጠንናዮ ናብ መዓስከራት ንምለስ ኣለና ።"
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ከምዝገለጾ ፡ ኣብ መላእ ሩስያ ንዝግበር ተወሳኺ ምንቅስቓስ ዋግነር ደው ንኽብል እቲ ፕረሲደንት ከም ዝሸምገለ ፡ ሚስተር ፑቲን'ውን እቲ ሰራዊት ብሰላም ከንሳሕብ መረጋገጺ ከም ዝሃቦ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ክረሚሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሚስተር ፕሪጎዚን ናብ በላሩስ ከም ዝግዕዝ ሓበረ ።

ንሱ ፡ እቲ ኣንጻር ሚስተር ፕሪጎዚን ተኸፊቱ ዘሎ ክሲ ምግልባጥ መንግስቲ ክተርፍ እዩ ፡ እቶም "ንፍትሒ ኣብ ዝግበር ዝጸንሐ ጕዕዞ" እተሳተፉ ናይ ዋግነር ተዋጋእቲ ድማ ፡ ቅድሚ ሕጂ ንሩስያ የገልግሉ ከም ዝነበሩ ኣፍልጦ ብምሃብ ፡ ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ከም ዘይውሰደሎም ገሊጹ ።
ሚስተር ፑቲን ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ክረምሊን ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ዋግነር ዕልዋ ንምግባር ፈቲኑ ንህላወ ሩስያ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ ።

"ነቶም" ዕጥቃዊ ዕልዋ " ዝገበሩ ሰባት መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም መብጽዓ ብምእታው ፡" ምእንቲ ህይወትናን ድሕንነት ህዝብናን ፡ ምእንቲ ልኡላውነትናን ናጽነትናን ንቃለስ ኣለና "በለ ።
Russia Ukraine Prigozhin
የቭገኒ ፕሪጎዚን ወናኒ ናይ ጉጅለ ዋግነር ወተሃደራዊ ኩባንያ እዩ ። Source: AAP / AP

ናይ ዋግነር እምቢተኝነት ነቲ ኣብ ራሻ ዘሎ 'ሕንፍሽፍሽ' ዘቃልዐ እዩ።

ናይ ዩክረይን ፕሬዝዳንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ እቲ ዋግነር ዝገበሮ ፈተነ ዕልዋ ነቲ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን መራሕቲ ክግበር ዝጸንሐ ልዑል ጻውዒት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ በጺሑ ኣብ ሩሲያ ንዝተፈጥረ ዕግርግር ዘቃልዕ እዩ ኢሉ።

"ሎሚ ፡ ኣብ ሩስያ ዘለዉ ጐይተት ፡ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይቈጻጸሩ ፡ ዓለም ርእያ ኣላ ። እዚ ከኣ ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን ። ሕንፍሽፍሽ ጥራይ እዩ።" ክብል እቲ ናይ ዩክረይን ፕረሲደንት ኣብቲ ናይ መዓልታዊ ናይ ቪድዮ መልእኽቱ ገሊጹ።


እቶም በቲ ቅድም ገበነኛ ተባሂሉ ተኣሲሩ ዝነበረ ሚስተር ፕሪጎዚን ዝምርሑ ተቓለስቲ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ እተመልመሉ ምሩኻት እዮም ።

እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዕጡቓት ፡ ነቲ ን16 ወርሒ ኣብ ዩክረይን እተገብረ ውግእ ፡ እንተላይ ነቲ ንምብራቓዊት ከተማ ባክሙት እተገብረ ውግእ ደምሳሲ ውግእ ዝተዋግኡ እዮም። እቲ መራሒ ንጀነራላት ራሻ ዘየድምዑ ከም ዝዀኑን ካብ ተዋጋእቱ ተተኰስቲ ከም ዝኸልከሉን ገይሩክኸስስ ጸኒሑ እዩ ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ድማ ፡ ሰራዊቱ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ክኣቱ ውዕል ክኽትም ተሓቲቱ ኣብዩ እዩ ።

ንሱ ብዓርቢ ዝፈተኖ ዕልዋ ኣንጻር መንግስቲ ፑቲን፡ ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንብዙሓት ተዋጋእቱ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ድሕሪ ምኽሳስ እዩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ራሻ ነዚ ክሲ ነጺግዎ ።

ንሱ ፡ ንዋና ቤት ፅሕፈት ደቡባዊ ወተሃደራዊ ዞባ ሩስያ ፡ ኣብ ሮስቶቭ ተዅሲ ከይተኮሰ ከም ዝሓዞ ገሊጹ እዩ ።
LISTEN TO
naca_UKRAINE FRI 2605 POD_SBS_ID_21876886.mp3 image

ዋግነር ካብ ባክሙት ምስ ወጸ ፡ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ምውፋር ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ

SBS News

06:24
ምዕራባውያን ሃገራት ፡ ነቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐት ሩስያ ዘጋጠማ ኵነታት ብቐረባ ይከታተላኦ ከም ዘለዋ ሓቢረን ኣለዋ ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ፈረንሳ ፡ ጀርመንን ብሪጣንያን ክዛረብ ከሎ ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ድማ ምስ G7 ብዛዕባዚ ጉዳይ ተዘራሪቡ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ፡ "እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ንመንግስቲ ሩስያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብድሆ እዩ" በለ ።

Share
Published 25 June 2023 11:01am
Source: AAP


Share this with family and friends