ራሻ ናይ ፈለማ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ዝረኸበት ሃገር ምዃና ኣመስኪራ ክብል ፕረሲደንት ፑቲን ገሊጹ፡

እዚ መግለጺ ዝወሃብ ዘሎ ሩሲያዊያን ተመራመርቲ ዓለም፡ ግቡእ መስርሕ ከይሓለፈ ብታህዋኽ ዝግበር ዘሎ እዩ ኢሎም ስክፍታኦም ኣብዝገልጽሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

In this file photo taken on Thursday, July  9, 2020, Russian President Vladimir Putin gestures during a video conference meeting

Rusya Devlet Başkanı Vladimri Putin kendi kızının da aşı olduğunu söyledi. Source: Pool Sputnik Kremlin

ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ኣተኣማማኒ ክታበት ብምርካብ ራሻ ኣረጋጊጻ ኣላ ክብል ፕረሲደንት ቪላድሚር ፑቲን ሎሚ ገሊጹ። ሓንቲ ካብ ደቁ ድማ ከምዝተኸትበት ተፈሊጡ።

እዚ መግለጺ ምስተገልጸ፡ ምዕራባዊያን ተመራመርቲ ፍጥነት ናይቲ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ክታበት ከምዘተሓሳስቦምን ተመራመርቲ ራሻ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ጸቕጢ ምስበዝሖም ነቲ ግቡእ መስርሕ ቆሪጾሞ ኣለዉ ክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ።

"ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝሰርሕ ክታበት ተመዝጊቡ ኣሎ" ክብል ናይ ራሻ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።

"ብግቡእ ከምዝሰርሕ ፈሊተ ኣለኹ፡ ነባሪ ተጻዋርነት ዝህብ ክታበትዩ," ክብል ገሊጹ
ንሱ ብተወሳኺ ሓንቲ ካብ ደቁ በቲ ክታበት ከምተኸትበትን እቲ ክታበት ብ ጋማልያ ማእከል ምርምር ምስ ምትሕብባር ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝማዕበለ ክታበት እዩ ኢሉ።

"እቲ ንዓና ኣገዳሲ ነቲ ክታበት ምውሳድ ፈጺሙ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ዉሑስ ምዃኑ እዩ፡ ንመጻኢውን ኣድማዒን ዉሑስን እዩ።"

ሚኒስተር ጥዕና ሚካሄል ሙራሽኮ ብወገኑ እቲ ናይ ክሊኒካዊ ፈተነ ኣብ ኣሻሓት ሰባት ክቕጽል እዩ።

ዉዱብ ጥዕና ዓለም ራሻ ነቲ ግቡእ መስርሕ ክትክተልን ዉሑስ ዝኾነ ክታበት ንምርካብ ብኹሉ ደረጃታት ክትሓልፍ ዝሓለፈ ሰሙን ኣተሓሳሲቡ ኔሩ እዩ።

ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ  100 ክታበት ክኸውን ዝኽእል ድሮ ማዕቢሉ ኣብ ፈተነ ይርከብ። ብውሕዱ እቶም ኣርባዕተ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ገጽ ናይ ኣብ ሰብ ፈተነ ከምዝበጽሑ ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ሓበሬታ ይገልጽ።

ፊሊፒንስ  ነቲ ክታበት ካብቶም ቀዳሞት ተጠቀምቲ ከምትኸውን ኣፍሊጣ ኣላ። ናይታ ሃገር መራሒ ሮድሪጎ ዱተርተ  ብሰኑይ " Iእቲ ክታበት ምስመጸ ኣነ ናይ ፈለማ ዝፍትኖ ሰብ ክኸውንየ፡ ኣባይ ጽቡቕ እንተሰሪሑ፡ ንኹሉ ጽቡቕ ክሰርሕ እዩ" ኢሉ ኔሩ።

A


Share
Published 11 August 2020 10:03pm
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends