ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ኣተኣማማኒ ክታበት ብምርካብ ራሻ ኣረጋጊጻ ኣላ ክብል ፕረሲደንት ቪላድሚር ፑቲን ሎሚ ገሊጹ። ሓንቲ ካብ ደቁ ድማ ከምዝተኸትበት ተፈሊጡ።
እዚ መግለጺ ምስተገልጸ፡ ምዕራባዊያን ተመራመርቲ ፍጥነት ናይቲ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ክታበት ከምዘተሓሳስቦምን ተመራመርቲ ራሻ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ጸቕጢ ምስበዝሖም ነቲ ግቡእ መስርሕ ቆሪጾሞ ኣለዉ ክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ።
"ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝሰርሕ ክታበት ተመዝጊቡ ኣሎ" ክብል ናይ ራሻ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።
"ብግቡእ ከምዝሰርሕ ፈሊተ ኣለኹ፡ ነባሪ ተጻዋርነት ዝህብ ክታበትዩ," ክብል ገሊጹ
ንሱ ብተወሳኺ ሓንቲ ካብ ደቁ በቲ ክታበት ከምተኸትበትን እቲ ክታበት ብ ጋማልያ ማእከል ምርምር ምስ ምትሕብባር ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝማዕበለ ክታበት እዩ ኢሉ።
"እቲ ንዓና ኣገዳሲ ነቲ ክታበት ምውሳድ ፈጺሙ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ዉሑስ ምዃኑ እዩ፡ ንመጻኢውን ኣድማዒን ዉሑስን እዩ።"
ሚኒስተር ጥዕና ሚካሄል ሙራሽኮ ብወገኑ እቲ ናይ ክሊኒካዊ ፈተነ ኣብ ኣሻሓት ሰባት ክቕጽል እዩ።
ዉዱብ ጥዕና ዓለም ራሻ ነቲ ግቡእ መስርሕ ክትክተልን ዉሑስ ዝኾነ ክታበት ንምርካብ ብኹሉ ደረጃታት ክትሓልፍ ዝሓለፈ ሰሙን ኣተሓሳሲቡ ኔሩ እዩ።
ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 100 ክታበት ክኸውን ዝኽእል ድሮ ማዕቢሉ ኣብ ፈተነ ይርከብ። ብውሕዱ እቶም ኣርባዕተ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ገጽ ናይ ኣብ ሰብ ፈተነ ከምዝበጽሑ ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ሓበሬታ ይገልጽ።
ፊሊፒንስ ነቲ ክታበት ካብቶም ቀዳሞት ተጠቀምቲ ከምትኸውን ኣፍሊጣ ኣላ። ናይታ ሃገር መራሒ ሮድሪጎ ዱተርተ ብሰኑይ " Iእቲ ክታበት ምስመጸ ኣነ ናይ ፈለማ ዝፍትኖ ሰብ ክኸውንየ፡ ኣባይ ጽቡቕ እንተሰሪሑ፡ ንኹሉ ጽቡቕ ክሰርሕ እዩ" ኢሉ ኔሩ።
A