Breaking

ቪክቶሪያ ንውሑድ መዓልታት ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ሎሚ ለይቲ እቲ ቀይዲ ተላዒሉ። ካብ ሎሚ ለይቲ ኣትሒዙ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን እንታይ እዮም?

እዚ መግለጺ ዝወጸ ኣብታ ግዝኣት ሎሚ ረቡዕ ባዶ መልከፍቲ ኣብዝተራእየሉ እዩ።

Premier Daniel Andrews has announced that Victoria's lockdown restrictions will ease from midnight on Wednesday.

Premier Daniel Andrews has announced that Victoria's lockdown restrictions will ease from midnight on Wednesday. Source: Getty Images AsiaPac

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ፡ እቲ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝወሰደ ምዕጻው ፡ ረቡዕ ለይቲ ከም ዝውዳእ ምስ ኣረጋገጸ ፡ ቪክቶርያውያን እፎይታ ኽስምዖም እዩ ።

ሚስተር ኣንድሪውስ ነዚ መግለጺ 'ዚ ዝሃበ ፡ እቲ ግዝኣት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዜሮ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምምዝጋቡ ብረቡዕ ንግሆ እዩ ።

"እዚ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ሓጹርን ተሪር ዕጽዋን ሎሚ ምሸት ፍርቂ ለይቲ እቲ ቀይድታት ከም ዚለዓል ክነግር ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ" ድማ በለ ።

እዚ ውጽኢት እዚ ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብዝተገብሩ ዝበዝሐ መርመራታት ማለት 40,000 ዝኸውን መርመራታት ተጌሩ ባዶ መልከፍቲ ምስተመዝገበ ።
ሚስተር ኣንድሪውስ እቲ ቀይዲ ከምዝዛዘም እኳ እንተገለጸ ፡ ገለ ካብቲ ቀይድታት ግን ኣብ ቦትኡ ክቕጽል ከድልዮ እዩ ኢሉ ።

"እዚ ዝተገብረ ናይ ሕጹር ቀለበት ሰሪሑ እዩ ፣ እዚ ግና ኣይተወድአን ፣ እቲ ቫይረስ እውን ኣይጠፍአን ። ስለዚ ፡ ንገለ ካብዚ ኣገባባት እዚ ኽንዕቅቦ ኣሎና "ኢሉ ።

ቪክቶርያውያን ሎሚ ለይቲ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?


• እቲ ካብ ገዛ ንኽትወጽእ ዝፍቀድ ኣርባዕተ "ኣገዳሲ" ምኽንያታት - ንኣብነት: ንዕዳጋ: ናብ ስራሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ: ንምእላይ ወይ ኣካላዊ ምውስዋስ ንምግባር ተላዒሉ እዩ ።

• እቲ ናይ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ናይ ጕዕዞ ደረት ተኣልዩ ኣሎ ።

• ሸቐጥን ኣገልግሎታት እንግዶትን እንደገና ብናይ ጻዕቂ ደረታት እንደገና ክኽፈት ክፍቀድ እዩ ።

• ሰባት ናብ ናይ ህዝቢ ወይውን ናይ ግሊ ቦታት ስራሕ ክምለሱ ይኽእሉ ፤ ግን ክሳብ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ዓቕሚ ክኸውን እዩ።

• ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን ጽምብላትን ከም ቀደሙ ዝምለስ ኮይኑ ግና በቲ ዝተወሰነ ጻዕቂ ክኸውን እዩ ።

• ስፖርት ከምኡ 'ውን ምዝንጋዕ ክፍቀድ እዩ ፤ እዚ' ውን ኣብ ሓደ ቦታ ዝእከብ ጻዕቂ በቲ ዝተወሰን ሕጊ ክኸውን እዩ ።

• ዝግበር ጽምብላት ናይ መርዓ'ውን ብናይ ጻዕቂ ደረት ክቕጽል ይኽእል እዩ ።

• ቀብሪ ኣብ ቍጽሪ ብዘይገደብ ክቕጽል ይኽእል እዩ ።

• መዘናግዒታትን ህዝባዊ ኣጋጣሚታትን እንደገና ክቕጽል ይኽእል እዩ ።

• ቤት-ትምህርታት ዳግማይ ክኽፈት እዩ ።

ኣብ ቪክቶርያ እዚ ዝስዕብ ክሳዕ 27 ለካቲት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ ፦

• ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክግበር ኣብ ዘይክእለሉ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ግዳም ማስኬራ ክግበር የድሊ ።

• ህዝባዊ ኣኼባታት ካብ 30 ሰባት ናብ 20 ሰባት ክወርድ ተጌሩ ኣሎ።

• ናብ ኣባይቲ ክበጽሑ ዝፍቀደሎም ብዝሒ ሰባት ካብ 15 ናብ 5 ወሪዱ ኣሎ ።
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ናይ ሆቴል ሆሊደይ ኢን ቀለበት ዝተሓሓዝ መልከፍቲ 19 ዝበጽሐ ኮይኑ ፡ ኩሉ እቲ ቫይረስ እቲ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝተራእየ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ከምዝኾነ ይእመነሉ ቫይረስ እዩ ።

እቲ ግዝኣት ሙሉእ ብሙሉኡ ናብ ሳልሳይ ቀይዲ ኮሮናቫይረስ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ኣትዩ ፡ ኣብቲ እዋን ሚስተር ኣንድሪውስ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ማሕበረሰብ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ርሕቀት ተጓዒዙ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይተፈልጠን ኢሉ ኔሩ ።

ድሕርቲ ዝተኣወጀ ቀይዲ ቀጺለን ዝነበራ መዓልትታት ፡ ትሑት ቁጽሪ መልከፍቲዩ ተራእዩ።

ኣቶ ኣንድሪውስ ነቲ ቀይዲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ደው ንምባል "ግድን" ዩ "ብምባል ተጣቢቑ ።

"ሓሙሽተ መዓልቲ ፡ ዋላ እውን ዘጕሂ ይኹን ፡ ካብ ምጥላዕ ን ብሰንኪ ዝፍጠር ምስፍሕፋሕ ናይ ሓሙሽተ ሰሙን ዕጽዋ ወይ ካብኡ ዝገደደ ነገር ካብ ምግባርን ይበልጽ" ኢሉ ።

If you are experiencing cold or flu symptoms, stay home and arrange a test by calling your doctor or contact the Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080. News and information is available in 63 languages at .

Please check the relevant guidelines for your state or territory: .


Share
Published 17 February 2021 11:58am
By Jarni Blakkarly


Share this with family and friends