ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ፡ እቲ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝወሰደ ምዕጻው ፡ ረቡዕ ለይቲ ከም ዝውዳእ ምስ ኣረጋገጸ ፡ ቪክቶርያውያን እፎይታ ኽስምዖም እዩ ።
ሚስተር ኣንድሪውስ ነዚ መግለጺ 'ዚ ዝሃበ ፡ እቲ ግዝኣት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዜሮ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምምዝጋቡ ብረቡዕ ንግሆ እዩ ።
"እዚ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ሓጹርን ተሪር ዕጽዋን ሎሚ ምሸት ፍርቂ ለይቲ እቲ ቀይድታት ከም ዚለዓል ክነግር ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ" ድማ በለ ።
እዚ ውጽኢት እዚ ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብዝተገብሩ ዝበዝሐ መርመራታት ማለት 40,000 ዝኸውን መርመራታት ተጌሩ ባዶ መልከፍቲ ምስተመዝገበ ።
ሚስተር ኣንድሪውስ እቲ ቀይዲ ከምዝዛዘም እኳ እንተገለጸ ፡ ገለ ካብቲ ቀይድታት ግን ኣብ ቦትኡ ክቕጽል ከድልዮ እዩ ኢሉ ።
"እዚ ዝተገብረ ናይ ሕጹር ቀለበት ሰሪሑ እዩ ፣ እዚ ግና ኣይተወድአን ፣ እቲ ቫይረስ እውን ኣይጠፍአን ። ስለዚ ፡ ንገለ ካብዚ ኣገባባት እዚ ኽንዕቅቦ ኣሎና "ኢሉ ።
ቪክቶርያውያን ሎሚ ለይቲ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?
• እቲ ካብ ገዛ ንኽትወጽእ ዝፍቀድ ኣርባዕተ "ኣገዳሲ" ምኽንያታት - ንኣብነት: ንዕዳጋ: ናብ ስራሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ: ንምእላይ ወይ ኣካላዊ ምውስዋስ ንምግባር ተላዒሉ እዩ ።
• እቲ ናይ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ናይ ጕዕዞ ደረት ተኣልዩ ኣሎ ።
• ሸቐጥን ኣገልግሎታት እንግዶትን እንደገና ብናይ ጻዕቂ ደረታት እንደገና ክኽፈት ክፍቀድ እዩ ።
• ሰባት ናብ ናይ ህዝቢ ወይውን ናይ ግሊ ቦታት ስራሕ ክምለሱ ይኽእሉ ፤ ግን ክሳብ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ዓቕሚ ክኸውን እዩ።
• ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን ጽምብላትን ከም ቀደሙ ዝምለስ ኮይኑ ግና በቲ ዝተወሰነ ጻዕቂ ክኸውን እዩ ።
• ስፖርት ከምኡ 'ውን ምዝንጋዕ ክፍቀድ እዩ ፤ እዚ' ውን ኣብ ሓደ ቦታ ዝእከብ ጻዕቂ በቲ ዝተወሰን ሕጊ ክኸውን እዩ ።
• ዝግበር ጽምብላት ናይ መርዓ'ውን ብናይ ጻዕቂ ደረት ክቕጽል ይኽእል እዩ ።
• ቀብሪ ኣብ ቍጽሪ ብዘይገደብ ክቕጽል ይኽእል እዩ ።
• መዘናግዒታትን ህዝባዊ ኣጋጣሚታትን እንደገና ክቕጽል ይኽእል እዩ ።
• ቤት-ትምህርታት ዳግማይ ክኽፈት እዩ ።
ኣብ ቪክቶርያ እዚ ዝስዕብ ክሳዕ 27 ለካቲት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ ፦
• ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክግበር ኣብ ዘይክእለሉ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ግዳም ማስኬራ ክግበር የድሊ ።
• ህዝባዊ ኣኼባታት ካብ 30 ሰባት ናብ 20 ሰባት ክወርድ ተጌሩ ኣሎ።
• ናብ ኣባይቲ ክበጽሑ ዝፍቀደሎም ብዝሒ ሰባት ካብ 15 ናብ 5 ወሪዱ ኣሎ ።
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ናይ ሆቴል ሆሊደይ ኢን ቀለበት ዝተሓሓዝ መልከፍቲ 19 ዝበጽሐ ኮይኑ ፡ ኩሉ እቲ ቫይረስ እቲ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝተራእየ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ከምዝኾነ ይእመነሉ ቫይረስ እዩ ።
እቲ ግዝኣት ሙሉእ ብሙሉኡ ናብ ሳልሳይ ቀይዲ ኮሮናቫይረስ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ኣትዩ ፡ ኣብቲ እዋን ሚስተር ኣንድሪውስ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ማሕበረሰብ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ርሕቀት ተጓዒዙ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይተፈልጠን ኢሉ ኔሩ ።
ድሕርቲ ዝተኣወጀ ቀይዲ ቀጺለን ዝነበራ መዓልትታት ፡ ትሑት ቁጽሪ መልከፍቲዩ ተራእዩ።
ኣቶ ኣንድሪውስ ነቲ ቀይዲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ደው ንምባል "ግድን" ዩ "ብምባል ተጣቢቑ ።
"ሓሙሽተ መዓልቲ ፡ ዋላ እውን ዘጕሂ ይኹን ፡ ካብ ምጥላዕ ን ብሰንኪ ዝፍጠር ምስፍሕፋሕ ናይ ሓሙሽተ ሰሙን ዕጽዋ ወይ ካብኡ ዝገደደ ነገር ካብ ምግባርን ይበልጽ" ኢሉ ።
If you are experiencing cold or flu symptoms, stay home and arrange a test by calling your doctor or contact the Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080. News and information is available in 63 languages at .
Please check the relevant guidelines for your state or territory: , , , , , , , .