እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተኸስተ ብርቱዕ ናይ ምልባዕ ባህርይ ዘለዎ ፍሉይ ዓሌት ክሮና ቫይረስ ኣብ ማሕበረሰብ ከምዝ ኣትወ ድሕሪ ምፍላጡ፡ እቲ ቫይረስ ከይላባዕ ቪክቶርያዊያን ንሳልሳይ እዋን ኣብ ዕጽዋ ኣትዮም።
ኣብያተ ትምህርቲን ኣዚዮም ዘየድልዩ ዱኳናትን ተዓጽዮም ኣለዉ፡ በዚ ድማ መልበርን ካምቲ ናይ ዝሓለፈ እዋን ምሉእ ብምሉእ ተዓጽያ ኣላ።
ነበርቲ ካብ ገዛኦም ክወጹ ዝኽእሉ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያት ጥራይ እዮም።
ን ኣድላዪ ሸመተ፡ ንምእላይ ጽጉማትን ሕሙማትን፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰዓታት ስፖርት፡ ኣብ ገዛ ኮይንካ ክስራሕ ዘይከኣል ንምስራሕ።
ንፍሉይ ጉዳይ ዝፍቀደሎም እንተዘይኮይኑ፡ ነበርቲ ካብ ገዛኦም ልዕሊ 5 ኪሎመተር ክጓዓዙ ኣይፍቀድን እዩ።
"ቅድሚ ሕጂ ቪክቶሪያዊያን በዚ ኩነታት ሓሊፎም እዮም፡ እዚ ኣሰራርሓ ከምዝጠቐመ ድማ ንፈልጥ ኢና። " ክብል ፕሪሜር ቪክቶሪያ ዳኒኤል ኣንድሪውስ ብዓርቢ ተዛሪቡ።
ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብን ኣገልግሎትን ኣይፍቀድን እዩ፡ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ 10 ሰባት ክሳተፉ ዝፍቀድ ኮይኑ፡ መርዓ ኣይፍቀድን እዩ።
እዚ ዉሳነ ዝተወሰነ ናይ ቪክቶሪያ ካቢኔ ብዓርቢ ንግሆ ተኣኪቡ እቲ ኣብ ሆሊደይ ኢን ሆቴል ዝተኸስተ ለብዒ 13 ሰባት ድሕቲ ምልካፎም ዘተ ድሕሪ ምግባሩ እዩ።
እቶም ኣብ ሆቴል ሆሊደይ ኢን (the Holiday Inn) ኣብ 6 ሰባት ዝተራእየ እቲ ኣዚዩ ብፍጥነት ዝላባዕ ናይ UK ዓሌት ቫይረስ ኮይኑ ኩሎም እቶም 13 ሰባት ኣብ ቪክቶሪያ ተለኺፎም ዘለዉ እዚ ዓይነት ቫይረስ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣስታት 905 ቪክቶሪያዊያን ምስዞም ተለኺፎም ዘለዉ ብቐረባ ዝተራኸቡ ተባሂሎም ተፈልዮም ኣለዉ።
"

Quarantining hotel guest at the Holiday Inn near the Airport are moved to a new location in Melbourne. Source: AAP