ኣብቲ ብዙሕ ኮሮናቫይረስ ዝተራእየሉ ከባቢታት ናይ ቪክቶሪያ ዝርከብ ህዝቢ ን 4 ሰሙን ካብ ገዝኡ ከይወጽእ መምርሒ ወጺኡ።

እቲ ምዕጻው ን 10 ከባቢታት (postcodes) ምዕራባዊን ሰሜናዊን መልበርን ኮይኖም በዚ መምርሒ ልዕሊ 300,000 ህዝቢ ክትንከፍ እዩ።

Covid-19 testing

Victoria has been ramping up COVID-19 testing in hotspots. Source: AAP

ኣብቲ ከምብሓድሽ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ደጊስዎ ዝርከብ ከባቢታት ዝነብሩ ቪክቶሪያዊያን ካብ ረቡዕ ምሸት ጀሚሮም ን ኣገደስቲ ንጥፈታት እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛኦም ክወጹ ኣይክፍቀደሎምን እዩ።

ፕሪሜር ዳኒኤል ኣንዲውስ ሎሚ ኣብዝመሓላለፎ መግለጺ፡ ን 14 መዓልታት ብተራ ናይ ድርብ ኣሃዝ ሓድሽ ለበዳ ድሕሪ ምኽሳቱ ኣብቲ ብብዝሒ እቲ ለበዳ ተራእይሉ ዘሎ ከባቢታት ንወርሒ ክዕጾ እዩ።

በዚ ዕጽዋ መሰረት ህዝቢ ን ኣርባዕተ ምኽንያታት ጥራይ እዩ ካብ ገዛኡ ክወጽእ ዝኽእል፡ ንምውስዋስ ኣካላት፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ወይ ናብ ስራሕ ንምኻድ፡ ናይ ምእላይ ስራሕ ንምስራሕ፡ ከምኡውን ንመግቢን ኣድለይቲ ነገራት ንምዕዳግን።

ቪክቶሪያ ብሰሉስ 64 ሓደሽቲ ዝተለኽፉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ፡ ብድምር ኣብታ ክፍለግዝኣት 2,159 ሰብ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ ኣሎ።

ሚስተር ኣንድሪውስ ከምዝገለጾ፡ እዚ ቁጽሪ "ዘይቅቡል ብዙሕ ቁጽሪ" ብምባል "ንኹላትና ስግኣትዩ" ክብል ገሊጽዎ።
“ኩላትና በዚ ጉዕዞ ሓሊፍና ኢና፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ መስርሕ ከምብሓድሽ  መስርሕ ምኽፋት ከምንጅምር ፍሉጥ እዩ"

እዚ ምዕጻው ዝምልከቶም10 ከባቢታት (postcodes)

እዚ ምዕጻው ን 10 ከባቢታት ምዕራባዊን ሰሜናዊን መልበርን ኮይኑ፡ እቲ ናይዚ ከባቢ ፖስትኮዳት፥  3012, 3021, 3032, 3038, 3042, 3046, 3047, 3055, 3060 ከምኡውን 3064. 

በዚ ምዕጻው ልዕሊ 300,000 ህዝቢ ዝትንከፍ ከምዝኸውን ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ ይሕብር።

ህዝቢ ነዚ መምርሒ የኽብር ምህላዉ ንምርግጋጽ ሓይሊ ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ክዋፈር እዩ።

"ንስራሕ እንተዘይኮይኑ እቲ ስራሕ ድማ ብ ኣካል ከይድካ ዝግበር እንተዘይኮይኑ ንዝመጽእ 4 ሰሙናት ናብቲ ከባቢ ክትከዱ የብልኩምን፡" ክብል ገሊጹ።

"ናብዚ ከባቢታት ዝ ኣቱን ዝወጽእን ክንቆጻጸሮ ኣለና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነዞም ዝተጠቕሱ ኣርባዕተ ምኽንያታት እንተዘይኮይኑ ኣብዚ ፖስትኮዳት ዝነብሩ ሰባትን ስድራቤታትን ካብ ገዛኦም ክወጹ የብሎምን።"

ቀዳማይ ሚኒስተር በረራታት ናብካልእ ክዕጸፍ ቪክቶሪያ ሓቲታ

ሚስተር ኣንድሪውስ ከምዝገለጾ ኩሎም ኣህጉራዊያን በረራታት ካብ መልበርን ክርሕቁ ንቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ሓቲቱ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ዝግበር ናይ ምውሻብ መስርሕ ጽዕነት ንምፍዃስ ተባሂሉ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።

"ነዚ ኩነታት ንምግላን ነቲ ተወሳኺ ጽዕነት ንህቦም ኣቐዲመ ንምምስጋንን ምስ መራሕቲ ክፍለ ግዝ ኣታት ተዘራሪበ ኔረ" ኢሉ።
Victorian Premier Daniel Andrews arrives to announce the new lockdown on Tuesday afternoon.
Victorian Premier Daniel Andrews arrives to announce the new lockdown on Tuesday afternoon. Source: AAP
ብመሰረት መግለጺ ሚስተር ኣንድሪውስ ብዙሕ ካብቲ ሰሜን መልበርን ዝተረኽበ መልከፍቲ ምስቶም ናይ ሆቴል ሰራሕተኛታት እሞ መምርሒ ምውሻብ ዘይተኸተሉ ዝተሓሓዘ እዩ።

"እዚ ነዓይ ቅቡል ኣይኮነን," ክብል ንሪፖርተራት ገሊጹ።

"እዚ ነቶም ዳግም እዚ መምርሒ ዳግም ዝጸዓኖም ዘለዉ ሰባትውን ዝቕበልዎ ጉዳይ ኣይኮነን"

ካብዞም ሓደሽቲ ዝተለኽፉ እቶም 6 ምስቲ ኣብ ዉሸባ ዝኣተወ  ናይ Stamford Plaza ለበዳ ዝተተሓሓዘ እዩoutbreak and were already in quarantine.
በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈ ምስተረኽቡ ሓሙሽተ ማእከላት መውዓሊ ቆልዑ ኣብ ዕሙቕ ምጽራይ ክኣትዉ እዮም።
ሚስተር ሞሪሰን ነቲ ኣብ ናይ መልበርን ሳብበርብታት ዝግበር ምዕጻው ከምዝድግፎ ገሊጹ ኔሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነተን 10 ከባቢታት መሳርሒታት ኮመንወልዝ ከምዝወፈየውን ገሊጹ።

ናይ ፈደራል ቤት ጽሕፈት ሕክምና ምክትል ሓልፊ ማይክል ኪድ ብወገኑ፥ “ብመንግስቲ ቪክቶሪያ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ብዙሕ ህይወት ከድሕን እዩ" ክብል ኣብ ካንበራ ንሪፖርተራት ገሊጹ።

 

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም።  ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናን ሓበሬታን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 


 

Additional reporting by AAP.


Share
Published 30 June 2020 7:00pm


Share this with family and friends