ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሩስያ ካብ ዩክረይን ክትስሕብ ተማሕጺና ኣላ ፣ ዲፕሎማሲያዊ መስርሕ እንተተሓሲማ ግና ምስ ጂ7ን መሻርኽታን ተሪር ስጕምቲ ክወስዳ ምዃነን ተጠንቅቕ ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስቴት ደፓርትመንት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እትርከብ ከተማ ሊቨርፑል ዝርከቡ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት እቲ ጕጅለ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ፡ ሞስኮ ኣካይዳ ክትቅይር ግዜ ከም ዘለዋ ገሊጹ ።
እቲ ብዓል ስልጣን ፡ "ነታ መገዲ እቲኣ ኸይስዕቡ እንተ ወሲኖም ግና ፡ ብዙሕ ሳዕቤናትን ከቢድ ዋጋ ክኸፍሉ እዮም ፣ ጂ7 እውን ኣብዚ መዳይ እዚ ምሉእ ሓድነት ኣለዎም" በለ ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ብዙሓት ዴሞክራስያውያን ሃገራት ፡ ኣብ ልዕሊ ራሻ ዝወርድ ዋጋ ምኽፋል ኺሓብራና እየን" ኢሉ ።
እዚ መጠንቀቕታ እዚ እተዋህበ ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትወረሉ ዘላ እዋንን ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኣብታ ኣብ ብሪጣንያ እትርከብ ከተማ ንክልተ መዓልቲ ኣብ እተገብረ ኣኼባ G7 ብዛዕባ ቻይና ትገብሮ ዘላ ዝዓብለለ ዛዕባ እዩ ኔሩ።
ነቲ ኣኼባ ዝኸፈተት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩዝ ነቶም ኣኼበኛታት ከምዚ ኢላቶም: - "ነቶም ደረት ናጽነትን ደሞክራስን ኪድርቱ ዝደልዩ ዓመጽቲ ንምቅዋም ኣጸቢቕና ሓቢርና ኣሎና ።"
"ነዚ ንምግባር: ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ዘለዎ ድምጺ ክህልወና ኣለዎ ። ቊጠባውን ጸጥታውን ኣቃውማና ኣብ መላእ ዓለም ከነስፍሕ ኣሎና "በለ ።
ሚስ ትሪዩስ ኣብቲ ካብ መስከረም ጀሚሩ ዝተኻየደ ስራሕ ፡ ሩስያ ንዩክረይን እንተ ወሪራታ ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ እገዳታት ክግበር ከም ዝከኣል ብምጕላሕ ፡ ነቲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ብረቡዕ ኣብቲ ኣኼባ ተዛሪባ።
ብመሰረት ክረምሊን፡ ወተሃደራት ራሻ ኣብ ዶብ ዝጽግዑ ዘለዉ ናብቲ NATO ናይ ቀደም ሃገረ-ሶቭየት ምብራቓዊት መከላኸሊ፡ ንምዕራባዊያን ኣሻቒልዎም ኣሎ።
ሚንስተራት G7 ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ስግኣታት ንምግታእን ሓሊፎም ንክብርታቶም ንምዕቃብ ከምዝተሰማምዑ ይገለጽ።
እቲ ኣኼባ ዝመጸ: ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ደው ንምባል ድሕሪ ምዝታዩ እዩ ።
ናይ ዋሽንግተን ላዕላወይቲ ዲፕሎማሰኛ ንኤውሮጳን ጉዳያት ዩሮፓኤሽያንን ዝኾነት ካረን ዶንፍ ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ራሻ ንምርኻብ ናብ ኬቭን ሞስኮን ከተምርሕ እያ።
ብድሕሪ 'ዚ ምስ ኔቶን ምስ ሕብረት ኣውሮጳ መሻርኽታን ተወሳኺ ምይይጥ ንምግባር ናብ ብራስለስ ከተምርሕ እያ ።
ትኹረት ኣብ ቻይና
ናይ ኣመሪካ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ፡ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዑደት ብምግባር ፡ ኣብቲ ዋሽንግተን ኣንጻር ቻይና እተካይዶ ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ ፡ "ሰላም ፡ ቅሳነትን ብልጽግናን" ንምጕላሕ ፡ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ገጻ ተምርሕ ኣላ ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ፡ ኣብ ለንደን ዝተኣከቡ ጕጅለ ጠበቓታትን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላትን ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ውሑዳን ኡግሁር ፡ ከም መከላኸሊ ጥንሲን ኣስገዳድ መሊስትን ዝኣመሰለ ናይ ህዝቢ ቀይድታት ብምእዋጅ ጀኖሳይስ ከም ዝፈጸመት ደምዲሞም ።
ቻይና ነቲ ናይቲ መጋባእያ ርኽበት ነጺጋቶ ።
ሚስተር ባይደን ን G7 ኣብ ሩስያን ቻይናን ብዝሓየለ ሓባራዊ መርገጺ ክግበር ከምዝደፍኣሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ዋሽንግተን ፡ ለንደንን ካንቤራን ናይ 2022 ኦሎምፒክ በይጂንግ ዊንተር ዲፕሎማሲያዊ ማዕቀብ ከምዝወሰና ይፍለጥ።
With Reuters