ኣመሪካን ብሪጣኒያን ፡ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ እዋን ፡ ሩስያ 'ሃሳዪ ማዕቀብ ክግበረላ 'ዩ' ኢለን ኣጠንቂቐን

ምዕራባውያን መራሕቲ ፡ ካሮትን በትሪንን ሒዞም ፡ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ብምብርካት ፡ ነቲ ቅልውላው ንምውጋድ እውን ናይ ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ ።

AsRussian military forces continue to mobilize on the Ukrainian border, Ukrainian reservists and civilians take part in training with "Territorial Defense Forces just outside the capital city of Kyiv. (Photo by Michael Nigro/Sipa USA)

Ukrainian reservists and civilians take part in training with "Territorial Defense Forces just outside the capital city of Kyiv. Source: Michael Nigro/Sipa USA

ኣመሪካን ብሪጣንያን ብሰንበት ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ከቢድ" ቊጠባዊ እገዳ ክገብራ ምዃነን ኣፈራሪሐን ፣ ዋሽንግተንን መሻርኽታ ሃገራት ኔቶን ንዩክረይን ብራሻ ዝግበር ምውራር ንምግታእ ጻዕርታት ይገብራ ኣለዋ ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ፡ ሞስኮ እንተኸሓደቶን ነቲ ኣብ ዶብ ሩስያ ዝቐርብ ዘሎ ሰፊሕ ሰራዊት ሩስያ "ህዝቢ ከይስንብድ" ፕረዚደንት ዩክረይን እኳ እንተ ገለጸ ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝግበር ወራር ግና ዘይተርፍ ምዃኑ ተፈሪሑ ኣሎ ።

ኣብ ዋሽንግተን ፡ ኣቦ መንበር ኮሚተ ርክባት ላዕለዋይ ባይቶ ፡ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሓያል መልእኽቲ ብምስዳድ ፡ ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ ከም ዝመጽእ ምግላጻ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ ።

ሰነተር ቦብ መነንደዝ ኣብ ሲ.ኤን. ቀሪቡ "ዳግማይ ሙኒክ ኽትህልወና ኣይንደልን ኢና።" ኢሉ።

"ፑቲን ኣብ ዩክረይን ጥራይ ኣይክሕጸርን እዩ ።"
ሩስያ ኣቐዲማ ኣብ ዩክረይን ካብ ዝወሰደቶ ተግባራት ፡ እንተላይ ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ፡ መቕጻእቲ ከም እትቕበል ሓቢሩ ነይሩ እዩ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ሞስኮ እንተ ወሪራ ፡ "እቲ ንሩስያ ኺጭፍልቓ ዝኽእል ኣዝዩ ኣዕናዊ እገዳ" ከም ዝመጽእ ሓቢሩ ነይሩ እዩ ።

ናይ ኣመሪካ ኣንደርሰክረታሪ መንግስቲ ቪክቶሪያ ኑላንድ ፡ ዋይት ሃውስ ምስ ላዕለዋይ ባይቶ ብቐረባ ይዓዪ ከም ዘሎን ዝዀነ ይኹን እገዳ ፡ ምስቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሳነ ከም ዝኸውንን ሓበራ ።

ሚስተር ፑቲን ፡ "ኸምኡውን ናይ ሩስያ ህዝቢ ፡ እዚ ኣጸቢቑ ኺስምዖም እዩ" በለት ።

ኣብ ለንደን ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትሩዝ ፡ ብሪጣንያ ነቲ "ዝሰፍሐ" ቊጠባዊ ሩስያ ዒላማ ዝገብር ሕጊ ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከተፍልጥ ምዃና ገሊጹ ።

"There will be nowhere to hide for Putin's oligarchs," Ms Truss told Sky News.
ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብ ባንክታት ሩስያን ኣብ ቊጠባዊ ትካላትን ዝወርድ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ማዕቀብ ፡ ኣብ መላእ ሩስያ ንመዓልታዊ ህይወት ሰባት ዝጸሉ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ካልእ ቦታታትን ንዘሎ ዓበይቲ ቊጠባ እውን ዝጸሉ እዩ ።

ካሮትን በትርን

ምዕራባውያን መራሕቲ ፡ ካሮትን በትርን ከምዝጥቀሙ ፡ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ምብርካት በቲ ሓደ ወገን ድማ ፡ ነቲ ቅልውላው ንምውጋድ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ ።

ብሪጣንያ ፡ ሰራዊት ፡ ኣጽዋር ፡ መራኽብ ውግእን ነፈርቲ ውግእን ድሉው ብምግባር፡ ኣብ ኔቶ "ዓብዪ" ስርሒት ከተካይድ ትዳሎ ከም ዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ፡ ብቀዳም ኣፍሊጡ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምስ መራሒ ራሻ ፑቲን ክዘራረብ ትጽቢት ይግበረሉ ።

ዋና ፀሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብሰንበት ነቲ ሎንደን ዝወሰደቶ "ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ" ብሓጎስ ብምቕባል ካብ ብሪጣንያ ተወሳኺ ወታደራዊ ሓገዝ ተቐቢሎምዎ ።

ሩስያ ፡ ኣብ ልዕሊ "ታ ሓንቲ ክፋል ናይ ሶቭየት ሪፑብሊክ ነበር ሃገር ስግኣት ከም ዘይኮነት ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ሰንበት ምስ ዋሽንግተን" ኣኽብሮት "ዘለዎ ርክብ ክትገብር ከም እትደሊ ገሊጻ እያ ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭ ንሩስያ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ልክዕ ከም ምስ ኵለን ሃገራት ዓለም ጽቡቕን ማዕረን ዕቱብን ዝዀነ ኣኽብሮት ክህልወና ንደሊ ኢና" ኢሉ ።

ወሲኹ ግን ፡ ሩስያ "መዓልታዊ ጸጥታና ኣብ ሓደጋ ዘለወሉ" ኩነታት ሱቕ ኢላ ክትጸንሕ ከም ዘይትደሊ ገለጸ ።

ሩስያ ፡ ናቶ ኣብ ጥቓ ምብራቓዊ ዶባታ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ፡ ንጸጥታ ዋሽንግተንን ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳንን ትጠልብ ኣላ ።

ሩስያ ፡ ሓይልታት ናቶ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳን ናብተን ድሕሪ ዝሑል ኲናት ምስ ኪዳን እተጸንበራ ሃገራት ሶቭየትን ሰራዊታ ኣዋፊርዎ ዘሎ ሰራዊት ስሒቦም ክኸዱ ጠለብ ኣቕሪባ እያ ።

'ምስንባድ ኣየዋጽኣናን'ዩ'

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ሩስያ ወተሃደራዊ ሓይላ ኣብ ተዳልወሉ ዘላ እዋን ፡ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ረጽሚ ከዝሕላኦ ጸዊዑ ኣሎ ።

እዚ ምሕጽንታ እዚ ፡ ብፍላይ ሞስኮ ንክሪምያ ብ2014 ካብ እትቈጻጸራን ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ናይ ምፍላይ ኩነታት ዝፈጥር ግጭት ካብ እተለዓዕልን ኣትሒዛ ፡ ኣብ ዋሽንግተን ጥርጣረታት ከሕድር ጸኒሑ እዩ ።

ኣምባሳደር ዩክረይን ኦክሳና ማርካሮቫ ፡ ብሰንበት ንሲ.ቢ.ኤስ ከምዝሓበሮ፡ ዩክረይን "ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተመስግን" ምዃና ድሕሪ ምግላጻ ፡ ንሸሞንተ ዓመት ምስቲ ካብ ሩስያ ዝመጽእ ዘየቋርጽ ስግኣት ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ፡ "ክንፈርሕ ኣየዋጽኣናን'ዩ" ኢሉ እዩ ።
Ukrainian President Volodymyr Zelenskyy speaks with U.S. President Joe Biden over the telephone in his office in Kyiv, Ukraine, Friday, Jan. 28, 2022.
Ukrainian President Volodymyr Zelenskyy speaks with U.S. President Joe Biden over the telephone in his office in Kyiv, Ukraine, Friday, Jan. 28, 2022. Source: Ukrainian Presidential Press Off
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኪየቭ ፡ ዲሚትሮ ኩለባ ፡ ሩስያ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከተፍኩሶ እንተ ኰይኑ ፡ ሓይልታታ ንድሕሪት ክትስሕብን "ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ክትቅጽልን" ተማሕጺንዋ ።

ኣብ መንጎ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት: ሚስተር ፑቲን ምስ ናይ ኣመሪካ ጸሓፊ ኣንቶኒ ብሊንከንክዘራረብ ሚስ ከምዝኽእል ሚስ ኑላንድ ሓቢራ: ዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ብተለፎን ከምዝተዘራረበት ገሊጻ ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ፡ ጀርመንን ፖላንድን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናብ ዩክረይን ክበጽሑ ትጽቢት ይግበረሎም ። ሚኒስተር ምክልኻል ካናዳ ኣኒታ ኣናንድ ፡ ሰንበት ናብቲ ቦታ በጽሐ ።

ንሰሙናት ዝኣክል ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ድሕሪ ምግባር ፡ ዋሽንግተንን ኔቶን ንሞስኮ ፡ ነቲ ንጠለባት ጸጥታ ዝምልከት ጕዳይ ብጽሑፍ ምላሽ ክትህበሉ ሓቲቶም ኣለዉ ።

ሩስያ ፡ እቲ ብወግዒ ዘይገለጸቶ ምላሽ ፡ እቲ ጠለብ ነቲ ቀንዲ ጉዳይ መፍትሒ ዘይብ ምዃኑ ብምግላጽ ፣ ተወሳኺ ዘተ ምግባር ግን ኣድላይነቱ ኣይከሓደቶን ።


Share
Published 31 January 2022 11:02am
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends