ዶናልድ ትራምፕ ፕረሲደንት ኣመሪካ ካብዝኸውን ንደሓር ዝምድና ኢራንን ኣመሪካን ሓርፊፉ ድሕሪ ምጽናሕ ሒዘናዮም ዝጸንሓ እሱራት ተለዋዊጠን ኣለዋ።
ኢራን ነቲ ብክሲ ስልያ ንሰለስተ ዓመታት ሒዛቶ ዝጸንሐት ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ዚዩ ዋንግ ካብ ማእሰርቲ ክትፈትሖ ከላ፡ ኣመሪካ ብወገና ነቲ አብ ል ዕሊ ተሂራን ዝተነብረ ማዕቀብ ኣፍሪሱ ብምባል ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ኢራናዊ መስ ዑድ ሱሌማን ፈቲሓ ኣላ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኣመሪካ ከምዝገለጾ ኣመሪካ ናይ ዎንግ ምፍታሕ ካልኦት ብ ኢራን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣመሪካዊያን ንኽፍትሑ ተስፋ ብምግባር ተሂራን ምስ ዋሽንግቶን ብዛዕባ ካል እ ጉዳያትውን ክትዝቲ መገዲ ክኸፍት ተስፋኡ ገሊጹ።

Freed US prisoner Xiyue Wang (R) and US State Department's Special Representative for Iran Brian Hook in Zurich, Switzerland. Source: US DEPARTMENT OF STATE
ነቲ ምቅይያራት እሱራት ስዊዘርላንድ እያ ኣሳሊጣቶ። ናይ ኢራን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ጃቫድ ዛሪፍ ን መስ ዑድ ሱሌማን ኣብ ዙሪክ ከምተራኸቦን ድሒሩ ናብ ኢራን ከምዝ ኣተወን ወኪል ዜና IRNA ገሊጹ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ብትዊተር "ርት ዓዊ ድርድር" ብምባል ን ኢራ ኣመስጊኑ። አዚ ምቅይያር እሱራት ኢራንን ኣመሪካን "ብሓባር ስምምዓት" ክገብራ ከምዝኽእላ ዘመልክት እዩ" ኢሉ።
ዛርፍ ብወገኑ ምስ ሱሌማን እናተዘራረቡ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ኣየር እናተጓዕዙ ብትዊተር መልእኽቲ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ኔሩ። "ፕሮፌሰር መስዑድ ሱሌማንን ሚስተር ዙንግ ዋንግ ኣብዝሓጸረ እዋን ምሥድራኦም ክራኸቡ ምኽኣሎም ሓጎስ ይስመዓኒ"
እቲ ናይ ስተም ሰል ኪኢላ ፕሮፌሰር ሱሌማን ኣብ ተሂራን ምስበጽሐ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ሒዞሞ ዝጸንሑ ኣመሪካዊያን " ክሓስቡ ኣይክ እሉንዮም" ብምባል ገሊጽዎም።

Iranian Foreign Affairs Minister Mohammad Javad Zarif (L) and Iranian researcher Masoud Soleimani sitting inside an airplane in Switzerland. Source: IRANIAN FOREGIN MINISTRY
"ሓገዘይ ዝደልዩ ሕሙማት ኣለዉኒ ኢለዮም፡ "ኣይግድሰናንዩ ዋላ ይሙቱ' ኢሎሙኒ። "እዚ ማለት ኣመሪካዊያን ምስ ኢራናዊያንዩ ጉዳዮም"
IRNA ከምዝጸብጸቦ ዋንግ ዝተፈትሐ ብ"እስላማዊ ምሕረት" እዩ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ ከምዝገልጽዎ እቲ ምቅይያር እሱራት ዝተገበረ ድሕሪ ሰለስተ ኣርባዕተ ሰሙን ዝርርብ እዩ። ክብል ሓደ በዓል መዚ ኣመሪካ ገሊጹ።
"እዚ ናብ ዝለዓለ ዓወት ምስ ኢራን ክመርሓና ተስፋ ንገብር።" ብምባል ድማ ንሪፖርተራት ገሊጹ።
ዋሺንግቶንን ተሂራንን ድሕርቲ ኣብ 1979 ዝተገብረ እስላማዊ ሰውራ ዝምድናኤን ድሕሪ ምብታኽ፡ ስዊዘርላንድ ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማሲያዊ ድልየት ምስ ኢራን ወኪላ ክትሰርሕ እያ ጸኒሓ፡፤
ዋንግ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሪስቶን ድሕረ ምረቓ ተመሃራይ ኮይኑ ኣብ ኢራን ብኽሲ ስለያ ኣብ 2017 ን 10 ዓመታት ክ እሰር ተፈሪድዎ ኔሩ፡፤ ስድራኡን ዩኒቨርሲቱን ግና ንሱ ኣብ ኢራን ዝነበረ ክስሊ ዘይኮነስ ነቲ ዘጽን ዖ ናይ ታሪኽ ዲግሪ ምርምር ንምግባር እዩ።
ብመሰረት ፕሪስቶን፤ ዋንግ ኣብ 1980 ኣብ በይጂንግ ዝተወልደ ኮይኑ ኣብ 2001 ናብ ኣመሪካ ከይዱ፤ ኣብ 2009 ድማ ዜግነት ኣመሪካ ረኺቡ፡፤ ሰበይቱን ውሉዱን ናይ ቻይና ዜግነት ዘለዎም እዮም፡፤
ሱሌማን ነቲ ዋሽንግቶን ኣብ ል ዕሊ ተሂራን ብጉዳይ ኑክሌስ ዘንበረቶ ማዕቀብ ብምጥሓስ ስነህይወታዊ ነገራት ናብ ኢታን ክሰድድ ፈቲኑ ብዝብልዩ ኣብ 2018 ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ቺካጎ ተታሒዙ፡፤
ድሕሪ ምፍታሕ ሱሌማን፤ ዋሽንግቶን ንኹሎም ኣብ ኢራን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣመሪካዊያን ክፍትሑ እያ ትጠልብ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ኢራን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣመሪካዊያን፡ ኣቦን ወዲን ዝኾኑ Siamak and Baquer Namazi; ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣስረ ባሕረኛ Michael R. White,ከም ኡውን ካብ 2007 ኣትሒዙ ደሃይ ዘጥፈአ ናይ FBI ኣባል Robert Levinson, ይርከብዎም።
ብዙሓት ኢራናዊያንውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ፡ መንዛሕት ኦም ብኽሲ ምጥሓስ ማዕቀብ እዩ ክሶም።