ንጥምየት ብምቅላስ ነቲ ብግጭት ዝተሃስየ ከባቢ ሰላም ክዓዝዝ ብዝገበሮ ጻዕሪ ናይ ዉሕሃ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናይ ሎሚ ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ኮይኑ።
እቲ ኣብ ሮም ዝመደበሩ ትካል ከምዝገለጾ፡ ንልዕሊ 97 ሚልዮን ኣብ 88 ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ በብዓመቱ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ እዚ ህዝቢ ሓደ ካብ 9 ህዝቢ ዓለም ሕጂውን ዝበልዖ ብዘይምርካብ ኣብ ጥምየት ይርከብ ኢሉ።
"ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ብዙሕነት ዘለዎ ምትሕግጋዝ ምግባር ካብዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ዘድልየሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና" ክትብል ኣደ መንበር ኖርወጃዊ ኮሚተ ኖበል በሪት ረኢስ ኣንደርሰን ገሊጻ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ጥምየት መሳርሒ ኲናትን ግጭትን ከይከውን ኣብ ምክልኻል ዓቢ ግደ ዝጻወት ዘሎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምኽሳት ኮቪድ-19 ኣድላይነቱ ዓዚዙ ክትብል ገሊጻ።
"ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብጥምየት ዝጥቅዑ ብዝሖም ከምዝዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ።" ክብል እቲ ናይ ንበል ኮሚተ ገሊጹ።
"ክሳብ ሕክምናዊ ክታበት ዝርከብ፡ ነዚ ጸገም እቲ ዝበለጸ ፍታሕ መግቢ እዩ።"
"ብግምት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ... ኣብ ዉሽጢ ሃደ ዓመት 265 ሚልዮን ብጥምየት ክሳቐ እዩ። ስለዚ እዚ ዝግበር ዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ምወላ ከይቆርጸሎም ተባሂሉ እዩ።"
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ሽልማት "ዘሐብን ህሞት ... " ክብል መልሱ ሂቡ ኣሎ።
ኣቲ ሽልማት 10 ሚልዮን ናይ ስዊድን ክሮውንስ ወይ ኣስታት $1.1 ሚልዮን ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ 10 ታሕሳስ ኣብ ኦስሎ ክወሃብ እዩ።