ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናይ 2020 ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ኮይኑ።

ኣድላይነት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዓዚዙ ዝወጸ እዩ ክትብል ኣደ መምበር ኮሚቴ ኖርወጂያዊ ኖበል ገሊጻ።

The United Nations World Food Programme won the Nobel Peace Prize on Friday.

The United Nations World Food Programme won the Nobel Peace Prize on Friday. Source: Website

ንጥምየት ብምቅላስ ነቲ ብግጭት ዝተሃስየ ከባቢ ሰላም ክዓዝዝ ብዝገበሮ ጻዕሪ ናይ ዉሕሃ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናይ ሎሚ ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ኮይኑ።

እቲ ኣብ ሮም ዝመደበሩ ትካል ከምዝገለጾ፡ ንልዕሊ 97 ሚልዮን ኣብ 88 ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ በብዓመቱ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ እዚ ህዝቢ ሓደ ካብ 9 ህዝቢ ዓለም ሕጂውን ዝበልዖ ብዘይምርካብ ኣብ ጥምየት ይርከብ ኢሉ።

"ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ብዙሕነት ዘለዎ ምትሕግጋዝ ምግባር ካብዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ዘድልየሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና" ክትብል ኣደ መንበር ኖርወጃዊ ኮሚተ ኖበል በሪት ረኢስ ኣንደርሰን ገሊጻ። 



ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ጥምየት መሳርሒ ኲናትን ግጭትን ከይከውን ኣብ ምክልኻል ዓቢ ግደ ዝጻወት ዘሎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምኽሳት ኮቪድ-19 ኣድላይነቱ ዓዚዙ ክትብል ገሊጻ።

"ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብጥምየት ዝጥቅዑ ብዝሖም ከምዝዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ።" ክብል እቲ ናይ ንበል ኮሚተ ገሊጹ።

"ክሳብ ሕክምናዊ ክታበት ዝርከብ፡ ነዚ ጸገም እቲ ዝበለጸ ፍታሕ መግቢ እዩ።"
"ብግምት ፕሮግራም መግቢ ዓለም  ... ኣብ ዉሽጢ ሃደ ዓመት 265 ሚልዮን ብጥምየት ክሳቐ እዩ። ስለዚ እዚ ዝግበር ዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ምወላ ከይቆርጸሎም ተባሂሉ እዩ።"

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ሽልማት  "ዘሐብን ህሞት ... " ክብል መልሱ ሂቡ ኣሎ።

ኣቲ ሽልማት  10 ሚልዮን ናይ ስዊድን ክሮውንስ ወይ ኣስታት $1.1 ሚልዮን ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ 10 ታሕሳስ ኣብ ኦስሎ ክወሃብ እዩ።

 


Share
Published 10 October 2020 1:20pm
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends