ኣብ ምርጫ ኢራን ብዙሓት ተነሓናሕቲ ከይወዳደሩ ድሕሪ ምግታኦም፡ ሕሉፍ ዓቃባዊ መራሒ ሃይማኖት ተዓዊቱ።

ኣብዚ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ኢብራሂም ረይሲ ነዚ ስልጣን ዝጨበጠ ኢራን ብዛዕባ ስምምዕ ኑክሌስ ምስ ሓያላት ሃገራት ትደራደረሉ ኣብ ዘላን ነቲ ቁጠባኣ ንቑልቁል ዘውረደ ማዕቀብ ኣመሪካ ክትምሕራ ኣብትሓተሉ ዘላ እዋን'እዩ።

Ebrahim Raisi, a candidate in Iran's presidential elections, waves to the media after casting his vote at a polling station on 18 June, 2021.

Ebrahim Raisi, a candidate in Iran's presidential elections, waves to the media after casting his vote at a polling station on 18 June, 2021. Source: Getty Images

ብቐዳም ኣብዝተገብረ ናይ ኢራን ምርጫ፡ ብዙሓት ክዕወቱ ዝኽእሉ ተናሓናሕቲ ኣብቲ ዉድድር ከይሳተፉ ድሕሪ ምእጋዶም፡ ሕሉፍ ዓቃባዊ መራሒ ሃይማኖት ኢብራሂም ሬሲ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ ኣሎ።

ሚስተር ራሲ ካብ ዓርቢ ምርጫ ካብ ዝተቘጽረ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ድምጺ፡ ብ 62 ድምጺ ተዓዊቱ: ሰብ መዚ ምርጫ ከምዝሓበርዎ እዚ ዝተገልጸ ሰለስተ ተነሓናሕቲ ካብቲ ምርጫ ገዛእ ርእሶም ምስ ኣግለሉ እዩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብወግዒ ስልጣኑ ዝለቅቕ፡ ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ናይ ኣኣርባዕተ ዓመታት ዘመነ ስልጣን ዘገልገለ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ሓሳን ሮሓኒ ፡ "ነቶም እዚምርጫኦም ዝኾኑ ህዝቢ እንቋዕ ሓጐሰኩም" ኢሉ።

ወዲ 60 ዓመት ሚስተር ራሲ ፡ ኢራን ነቲ ምስ ዓበይቲ ሓይልታት እተካይዶ ዝጸንሐት ንኑክልየሳዊ ንጥፈታት ደው ከተብሎን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ከቢድ ቊጠባዊ ቅልውላው ዘስዓበ እገዳታት ኣመሪካ ከተልዕሎ ኣብ ትሓተሉ ዘላ ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን ስልጣን ክሕዝ ተዳልዩ ኣሎ ።

ሓላፊ ናይ ኢራናውያን ፍርዳዊ ኣካል ፡ እቲ ጸሊም መጠምጠምያኡ ካብ ናይ እስላም ነብዪ መሓመድ ቀጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዘመልክት ክኸውን ከሎ ፡ ሚስተር ራሲ ምስቲ ወዲ 81 ዓመት ኣብ ኢራን ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘለዎ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝለዓለ ቅርበት ዘለዎ እዩ ።
gettyimages-1233528098.jpg
40 ኣንስቲ ዝርከብኦም 600 ዝዀኑ ተስፋ ዝነበሮም ሰባት ካብቲ ውድድር ምስወጹ ናብ ሸውዓተ ሕጹያት ወረዱ ፡ እዚኦም ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ኣቐዲሙ ኣፈጉባኤ ኣባል ባይቶ ዝነበረንውን ኣብዚ እትዋት ኣይነበሩን።

ህዝበኛ ዝነበረ ፕረዚደን ነበር ማሕሙድ ኣሕመዲነጃድ ፡ በቶም ብናይ ጋርድያን ቤት ምኽሪ ቀክለሪክ ኣብዚ ምርጫ ከይወዳደር ዝተኣገደ ኮይኑ ፡ "ኣብዚ ሓጢኣት እዚ ኢደይ ከእቱ ኣይደልን" ዝብል ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ብምግላጽ ፡ ድምጹ ከም ዘይህብ ገሊጹ ።

ብቐዳም ዓወት ናይ ሚስተር ራሲ ብወግዒ ዝተገልጸ፡ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረሲደንትን ሰለስተ ተወዳደርቱን ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ምስረኸበዩ። እቶም ሰለስተ መወዳድርቱ፡ ሕጹያት ማለት ናይ መወዳእታ ዲረክተር ሞሴን ረዛይን ኣሚርሆሴን ቃዚዛደህ ሓሸሚን ዓብዱልኖልነር ሔማቲን እዮም ።
Ebrahim Raisi gives a news conference after voting in the presidential election, at a polling station in the capital Tehran, on 18 June.
Ebrahim Raisi gives a news conference after voting in the presidential election, at a polling station in the capital Tehran, on 18 June. Source: AFP

'ምድሓን ህዝቢ'

ኣብ መዓልቲ ምርጫ ፡ እቶም ብዙሓት ባንዴራ ዘውለብልቡ ዝነበሩ ኣድመጽቲ ዘርኢ ስእልታት ንቴለቪዥን እታ ሃገር ዓብሊልዎ ነይሩ እዩ ፣ ካብቲ መደበራት መድመጺ ወጻኢ ፡ ነቲ ዝከየድ ምርጫ እቲ ናይ ሕሉፍ ኣኽራርነት ዝድልድለሉ ሃዋህው ይፍጠር ከምዘሎ ገይሮም ይርእይዎ።

ኣብ ቴህራን በዓል ድኳን ሰይድ ዛሬ ፡ "ድምጸይ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ፡ ሓደ ሰብ ንኽምረጽ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክወዓዋዕ ወዲቦም እዮም።"

ናህሪ ዋጋታት እናወሰኸ ብምኻዱን ስራሕ ብምጥፍኡን ፡ ከምኡውን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኢራን ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ክፋል እቲ ዞባ ንላዕሊ ቀታሊ ኰይኑ ኣሎ ፡ በቲ ወግዓዊ ቈጸራ ልዕሊ 80,000 ሰባት በዚ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

ካብቶም ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ፡ መሳጊድን ማእከላት ማሕበረሰብን ድምጺ ምሃብ ተሰሪዖም ዝነበሩ ሰባት ፡ ብዙሓት ነቲ ንብልሽውና ከም ዝቃለስ ቃል ዝኣተወ ፡ ንድኻታት ከም ዝሕግዞምን ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ስድራ ቤታት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መጽለሊ ከም ዝሰርሑን ቃል ብምእታዉ ንሚስተር ራሲ ከም ዝድግፉገሊጾም ።
Two Iranian women check their ID papers to cast their votes at a polling station during the presidential election in Tehran, Iran.
Two Iranian women check their ID papers to cast their votes at a polling station during the presidential election in Tehran, Iran. Source: AAP
ሓንቲ ሳሀቢያን ዝስሙ ነርስ ፡ ነቲ ጸረ-ምትፍናን ዝዀነ ሓቅታቱን "ነታ ሃገር ንቕድሚት ከሰጕማ እዩ... ንህዝቢ ድማ ካብ ቊጠባዊ ፡ ባህላውን ማሕበራውን ምትፍናን ከድሕኖ" ተስፋ ብምግባር ከም ዝድግፎ ገሊጹ።

ሚስተር ራሲ ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ ጉዳያት ፡ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ህይወት እውን ዘጠቓልል ድሑር ኣረኣእያ ዘለዎ እዩ ።

ንተቓወምቲን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን: ስሙ ምስቲ ብ1988 ብፖለቲካውያን እሱራት እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት እተተሓሓዘ እዩ ። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ተሳቲፍዎ ዝበለቶ ገበን ኣብ ልዕሊ ሚስተር ራሲ እገዳ ገይራትሉ እያ።


Share
Published 20 June 2021 11:35am
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends