Breaking

ሓንቲ 180 ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ናይ ዩክሬን ነፋሪት ኣብ ኢራን ወዲቓ።

180 ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ናይ ዩክሬን አህጉራዊ ነፋሪት ኣብ ኢራን ወዲቓ።

Wreckage left by the crashed passenger jet on the outskirts of Tehran, Iran.

Wreckage left by the crashed passenger jet on the outskirts of Tehran, Iran. Source: AP

ዩክሬን ትውንና ሓንቲ ቦይንግ 737 ኣህጉራዊ ነፋሪት 180 ሰባት ጽዒና ካብ ናይ ኢራን መዓርፎ ነፈርቲ ኢማም ሆሚኒ ምስተበገሰት ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገም ከምዝወደቐት ወኪል ዜና ፋርስ ብትዊተር ጽሒፉ።

ናይ አድሕን ጉጅለ ናብቲ ቦታተላኢኹ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ኢራን ራዛ ጃፋርዳዛህ ገሊጹ።

ጃፋርዳህ ኣብታ ነፋሪት 170 ሰባት ከምዝነበሩ እዩ ነቲ ቁጽሪ ኣውሪድዎ።
ማዕከን ዜና IRNA ከምዝጸብጸቦ እታ ነፋሪት 180 ተጓዓዝቲን ሰራሕተኛታትን ሒዛ ናብ ኬቭ እያ ተበጊሳ ኔራ።


Share
Published 8 January 2020 3:46pm
Updated 8 January 2020 4:35pm
By SBS News
Source: SBS


Share this with family and friends