ዩክሬን ትውንና ሓንቲ ቦይንግ 737 ኣህጉራዊ ነፋሪት 180 ሰባት ጽዒና ካብ ናይ ኢራን መዓርፎ ነፈርቲ ኢማም ሆሚኒ ምስተበገሰት ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገም ከምዝወደቐት ወኪል ዜና ፋርስ ብትዊተር ጽሒፉ።
ናይ አድሕን ጉጅለ ናብቲ ቦታተላኢኹ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ኢራን ራዛ ጃፋርዳዛህ ገሊጹ።
ጃፋርዳህ ኣብታ ነፋሪት 170 ሰባት ከምዝነበሩ እዩ ነቲ ቁጽሪ ኣውሪድዎ።
ማዕከን ዜና IRNA ከምዝጸብጸቦ እታ ነፋሪት 180 ተጓዓዝቲን ሰራሕተኛታትን ሒዛ ናብ ኬቭ እያ ተበጊሳ ኔራ።