እቲ ኣብ ቱርኪ ብዘጋጥም ዘሎ ቀታሊ ባርዕ ፡ ብዙሕ ህዝቢ ይሃድም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ይበዝሕ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ሓዊ ካብ ዚባራዕ ኣትሒዙ: ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም: ልዕሊ 330 ድማ ሕክምናዊ ክንክን ረኺቦም ኣለዉ ።

Wildfires near Manavgat at Antalya, Turkey on July 30, 2021.

Wildfires near Manavgat at Antalya, Turkey on July 30, 2021. Source: ABACA

ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ዘጋጠመ ባርዕ በረኻ፡ መንግስቲ ነቲ ብሰንኪ ባርዕ ጫካ ዝመጽእ ዘሎ ሞት ዝሃቦ ምላሽ ትሑት ብምዃኑ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ብሰንበት ብዙሓት ሰባት ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።

ቱርኪ እንተ ወሓደ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት እዚ ናይ ሎሚ ዝኸፍአ ባርዕ'ዩ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ፡ ዳርጋ 95,000 ሄክታር ብሓዊ ነዲዱ እዩ። እዚ ከኣ ካብ 2008 ክሳዕ 2020 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ፡ ብገምጋም 13,516 ነይሩ ።

እቲ ሓዊ ረቡዕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ: ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም: ልዕሊ 330 ድማ ሕክምናዊ ክንክን ረኺቦም ኣለዉ ።

ኣብ ጥቓቲ ባርዕ ተኸሲትዎ ዘሎ ትርከብ ናይ ቱሪስት ከተማ ቦድሩም ህዝቢ ክወጽእ ተገዲዱ ከምዘሎ ፡ ናይ ሲ.ኤን.ኤን. ቱርኪ ሪፖርተር ካብቲ ኣብ ጥቓኡ ትርከብ ኣውራጃ ሚላስ ብርቱዕ ንፋስ ነቲ ባርዕ የቃጻጽሎ ከምዘሎ ሓቢሩ ።

እቶም 540 ዝዀኑ ሰባት ብመገዲ ኣቢሎም ክኸዱ ስለ ዘይከኣሉ ፡ ብጃላቡ ናብ ሆቴላት ከምተወስዱ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ።
A view of a wildfire burning at a rural area of Marmaris district of Mugla, Turkey, 31 July 2021
A view of a wildfire burning at a rural area of Marmaris district of Mugla, Turkey, 31 July 2021 Source: EPA
ኣብታ ኣብ ኣንታልያ ኣውራጃ እትርከብ ከተማ ሲርትኮይ ናብ እትርከብ ቊሸት ዝገዓዙ ሰባት ምንባሮም ናይ ሓሙኽሽታይ ትኪ ደበናታት ከም እተራእዮ ናይ NTV ጋዜጠኛ ጸብጻብ ሓቢሩ ።

ሚኒስተር ሕርሻን ዱርን በኪር ፓክደሚርሊ 107 ካብቲ 112 ባርዕ ጫካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዉ ገሊጹ ፡ ኣብ በዓል ኣንታልያን ሙግላን ግን እቲ ባርዕ ቀጺሉ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ኣብቲ ዞባ ልዑል ኮይኑ ክቕጽል እዩ ።

ሓፈሻዊ ዳይረክቶሬት ሜትሮሎጂ ብ20 ሓምለ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ሲዝረ 49.1 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ኣመዝገበ ።

ኣብ ኣንታልያ ፡ ሰኑይ ፡ ሜርኩሪ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ ፡ ኣብ ዱር ዝወረደ ጕድኣት ክሳዕ ክንደይ ጸሊምን ትክን ከም ዝዀነ ዘርኢ ስእልታት ሳተላይት ኣውጺኡ እዩ ።
Burned remains at the Ulukapi Sulek village near the Manavgat region in Antalya.
Burned remains at the Ulukapi Sulek village near the Manavgat region in Antalya. Source: ABACA
ፕረዚደንት ረሲብ ጣይብ ኤርዶጋን ብቀዳም ፡ እቲ መራሒ ኣብቲ ብሓዊ እተጐድአ ከባቢ ንነበርቲ ሻሂ ኽሰቲ ዘርኢ ቪድዮ ምስ ረኣየ ን ተቓወምቲ ኣጥቂዑ ።

ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ፡ እቲ ፕረሲደንት ካብ ኣውቶቡስ ኣብ ወሰን መገዲ ንዝነበሩ ህዝቢ ሻሂ ክኹዑ ይረአ።

"ሻሂ!" ዘይእመን እዩ ። እቶም ሕፍረቶም ዘጥፍኡ ፡ ልቦም እውን ይስእኑ እዮም "ይብል ኣፈኛ ሰልፊ ሪፓብሊካን ህዝቢ (CHP) ፋይክ ኦዝራክ ።

እቲ መንግስቲ ፡ ነፈርቲ መጥፋእቲ ሓዊ ብዘይምህላወን ተወቒሱ፡ በዚ ድማ ቱርኪ ካብ ኣዘርባጃን ፡ ኢራን ፡ ሩስያን ዩክረይንን ሓገዝ ክትቅበል ተገዲዳ እያ ።

ክኢላታት ፡ ለውጢ ኵነታት ኣየር ኣብ ቱርኪ ተወሳኺ ጕድኣት ከምጽእ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ እዮም ፣ እዚ ከኣ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ስጕምትታት እንተ ዘይተወሲዱ ፡ ዝኸፍአ ዕንወት ከምጽእ እዩ ።

ኣሃዛት ኤውሮጳዊ ኅብረት ከም ዝሕብሮ ፡ ቱርኪ ኣብ 2021 ብገምጋም 133 ባርዕ መሮር ተጠቒዓ እያ ፣ እዚ ከኣ ኣብ ዓመተ 2008 ክሳዕ 2020 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ፡ 43 ብገምፋም በጺሑ እዩ።


Share
Published 1 August 2021 11:02pm
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends