ኣውስትራሊያ ድሕሪ 30 ዓመታት ኣጋጢምዋ ካብዘሎ ዉድቀት ቁጠባ መውጽኢ መገዲ ኣሎ ክብል ትረዠረር ጆሽ ፍራይደንበርግ ገሊጹ።

ሎሚ ዝወጸ ጸብጻብ ናይ ጅምላ ሃገራዊ እቶት ኣውስትራሊያ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ቑጠባ ኣዕናዊ ተራ ተጻዊቱ ምዃኑ እንተገለጸኳ፡ ዓቃቢ ገንዘብ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራሊያ ጆሽ ፍርይደንበርግ ግና መንግስቲ ካብዚ መውጺኢ መገዲ ንምርካብ ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።

Treasurer Josh Frydenberg speaks to the media during a press conference at Parliament House in Canberra

Treasurer Josh Frydenberg speaks to the media during a press conference at Parliament House in Canberra. Source: AAP

ኣብዚ ን ዓሰርተታት ዓመታት ዘይተራእየ ቁጠባዊ ውድቀት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ ነዚ ንምድጋፍ ዝከኣሎ ኩሉ ጌሩ ክብል  ጆሽ ፍራይደንበርግ ገሊጹ። 

 እቲ ሎሚ ብ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ  (ABS) ዝወጸ ጽቡቕ ዘይኮነ ኣሃዝ ማለት ናይ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ ናይ ጅምላ እቶት  (GDP)  ኣብ ናይ ሰነ ጸብጻብ ርብዒ ዓመት ብ 7% ምውራዱ ሚስተር ፍራይደንበርግ ግብረ መልሲ ሂብሉ፡ 

"ሎሚ ሃገራዊ ሕሳብና ኮቪድ-19 ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ቁጠባ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘውረደ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።) ክብል ሚስተር ፍራይደንበርግ እቲ ጸብጻብ ምስቀረበ ተዛሪቡ። 

"እቲ ን 28 ዓመታት ብቐጻሊ ክር አ ዝጸንሐ ዕብየት ቁጠባ ሎሚ ብወግ ዒ ኣብቂዑ ኣሎ። እቲ ጠንቂ? ኣብ ክፍለ ዘመን ሓንሳብ ዘጋጥም ለበዳ።"
Treasurer Josh Frydenberg speaks to the media during a press conference at Parliament House in Canberra
Treasurer Josh Frydenberg speaks to the media during a press conference at Parliament House in Canberra. Source: AAP
ሓላፊ ABS ናይ ሃገራዊ ሕሳብ ማይክል ስመደስ ከምዝገለጾ፡ እዚ ናይ 7 ሚእታዊ ዉድቀት ዝመጸ በዚ ዓለማዊ ለበዳን ንዕኡ ንምምካት ዝተወስደ ስጉምቲን እዩ ኢሉ።

"እዚ ካብቲ ኣብ 1959 ኣትሒዙ ምምዝጋብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ዝዓበየ ናይ ርብዒ ዓመት ዉድቀት ሃገራዊ ናይ ጅምላ እቶት ኮይኑ ኣሎ።" ኢሉ ሚስተር ስመደስ።
ሚስተር ፍራይደንበርግ ከምዝገለጾ፡ እዚ ምስቲ ትረዠሪ ተነብይዎ ዝነበረ ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ከምቲ ብዙሓት ምዕቡላት ሃገራት ዝኾኖኦ ዘለዋ ከይንኸይድ መንግስቲ ተሪሩ ክቃለሶ እዩ ኢሉ።

"ንጥፈታት ቁጠባ ኣውስትራሊያ ነዚ ቫይረስ ንምቅላስ ሳል ጽቡቕ ናይ ጥዕናን ቁጠባን መደባትና ካብቶም ኣብ ዓለም ኣብ  ላዕለዋይ ደረጃ ቁጠባ ዘለዉ ተሰሪዑ ኣሎ።" ኢሉ።

"ከም በዓል ስዊድን ዝበላ ዉሑድ እገዳታት ዝገበራ ገጽና ኣይከድናን፡ከምቲ በዓል ፈረንሳ ዝገበራኦ ካብ ዕቅን ንላዕሊ ዝበዝሐ ክፋል ቁጠባ ምዕጻው ዝብል ነገርውን ኣይተቐበልናን።

"ኣብክንዳኡ፡ ናይ ገዛእ ርእስና መገዲ ብምኽታል ኣውስትራሊያዊያን ክንዩዚ ቅልውላው ንክሰግሩ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ደገፍ ሂብና።"
Prime Minister Scott Morrison and Treasurer Josh Frydenberg during Question Time at Parliament House in Canberra.
Prime Minister Scott Morrison and Treasurer Josh Frydenberg during Question Time at Parliament House in Canberra. Source: AAP
ሚስተር ፍራይደንበርግ ከምዝገለጾ፡  700,000 ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ስርሖም ምሰኣኑን መጠን ስራሕ ኣልቦነት ልዕሊ 5% ምዛየደ ኢሉ።

"ካብ ኮቪድ-19 ክመጽእ ዝኽእል ንቑጠባ ኣውስትራሊያ ብዝከኣለና ክንክልሎ ፈቲና ኢና።" ኢሉ።

"ቀዳምነትና፡ ዘሎን ዝቕጽልን፡ ህይወት ንምድሓን፡ ናይ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ንመርመራ፡ ዝተለኽፉ ንምርካብን ነቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ምፍዋስን እዩ"

'እቲ መውጽ ኢ መገዲ ሓርፋፍ'ዩ ክኸውን'

እዚ ወጺኡ ዘሎ ሕሳብ ብዘየገድስ፡ በቲ ናይ መንግስቲ 'ጆብሜከር" መደብ ሕውየት ቁጠባ ክህሉ ምዃኑ እቲ ትረዠረር ገሊጹ።

ገለ ካብቲ ቁተባዊ መደባት፡ $1 ቢሊዮን ንመሰልጠኒ ስራሕ (JobTrainer ) ምወላ ተጌሩ 340,700 ሓደሽቲ ናይ መሰልጠኒ ማእከላት ክትከል እዩ፡ ካብዚ ብትወሳኺ  ነኣሽቱን ማእከሎትን ቢዝነሳት ሰራሕተኛታቶም ንምምላስ ክኽእሉ ምእንቲ $1.5ቢልዮን ዶላር  ምወላ ክግበር እዩ።
"ሎሚ ወጺኡ ዘሎ ዘሕዝን ቁጽሪ ዘረጋገጾ ሓቂ፡ ኮቪድ-19 ቅድሚ ሕጂ ኣብ ህይወትና ዘይተሞከርናዮ ኣብ ቁተባናን ኣብ ህይወትናን ዕንወት ዘውረደ ኩነት እዩ"

"እንተኾነ ተስፋ ኣሎ፡ ካብዚ መውጽኢ መገዲ'ውን ኣሎ።" ኢሉ።

እቲ ትረዠረር ከምዝገለጾ፡ ናይ መንግስቲ መደብ ሕውየት፡ ኣማኢት ኣሻሓት ኣውስትራሊያዊያን ናብ ስርሖም ምምላስን ኣሻሓት ቢዝነሳት ማዕጾኦም ከምዝኸፍቱ ምግባርንዩ።

ንሱ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ። 

"ኣብዚ ቅልውላው ምሳኹም ኣለና፡ ካብዚ ቅልውላው ኣብ ንወጸሉ እዋንውን ምሳኹም ኣለና።"

Additional reporting by AAP. 


Share
Published 2 September 2020 5:07pm
By Emma Brancatisano


Share this with family and friends