ቀይድታት ጉዕዞ ድሕሪ'ዞም ተረኽቦታት መልከፍቲ ኣብ ከተማ ሲድኒ ይቕየሩ ኣለው። እዚኦም እቶም ክትፈልጥዎም ዝግበኣኩም እዮም።

ኣብ'ዞም በዓላት ኣብ መንጎ ግዝኣታት ክትጓዓዙ ንእትደልዩ ኩሉኹም፡ ብዛዕባ ኣብ'ዚ እዋን ዘለው ቀይድታት ጉዕዞ ክትፈልጥዎ ዝግባኣኩም ኣብ'ዚ እነሆ።

በዓል ልደት ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መራሕቲ ግዝኣታትን ዶባዊ ምምሕዳራትን፡ ካብ'ቶም ሓደ እኩብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ዝኸደሎም ዘለው፡ ከባቢታት ኖርዘርን ቢችስ ከተማ ሲድኒ፡ ዝመጹ ተጓዓዝቲ ሓደስቲ ቀይድታት ኣብ ምውጻእ ተቐላጢፎም ይሸባሸቡ ኣለው።

"ብመሰረቱ ናብ'ቶም ኣብ ወርሒ መጋቢት ተነቢሮም ዝነበሩ ቀይድታት ክንምለስ ኢና፡ እዚ ንከባብያዊ መንግስታዊ ምምሕዳር ኖርዘርን ቢችስ ጥራይ ማለት'ዩ፡" ኢላ ንሳ።

እዚ ዘሰንብድ ምጥቀት ኣብ ቁጽሪ መልከፍትታት ነቶም ናብ ካልኦት ግዝኣታት ኣውደ ዓመት ንምሕላፍ ክጓዓዙ ተስፋ ገይሮም ዝነበሩ ደቂ ሲድኒ (ሲድኒሳይደርስ)ን ነበርቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን ሓደስቲ መምርሒታት ክወጻሎም ኣገዲዶም ኣለው።

ቪክቶርያ

ነበርቲ ከተማ ሲድኒ ብዓቢኡ (ግሬተር ሲድኒ)፡ ንሰንትራል ኮስትን ብሉ ማውንተይንስን ወሲኽካ፡ 

ዝኾነ ድሕሪ'ዚ እዋን ናብ'ዚ ግዝኣት ዝኣቱ ሰብ ናይ 14 መዓልታት ውሸባ ኣብ ሆቴል ምግባር ክምልከቶ'ዩ።

ተመለስቲ ቪክቶርያውያን ከኣ ነዚ ጉዕዞ ናብ'ቲ ን14 መዓልታት ነብሰ-ምውሻብ ክገብርሉ ትጽቢት ዝግበር ገዝኦም መታን ክፍጽሙ ተወሰኽቲ 24 ሰዓታት ኣለውዎም። 

እቶም ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ሶኑይ ዝበጽሑ ብተወሳኺ ናይ'ቶም ስርርዓት ውሸባ ኣብ ሆቴል ተገዛእቲ ክኾኑ'ዮም።
Premier Daniel Andrews of Victoria
ፕሪምየር ቪክቶርያ ዳንኤል ኣንድሪውስ ተረርቲ ቀይድታት ዶብ ኣብ ልዕሊ'ቶም ካብ ሲድኒ ዝመጹ ተጓዓዝቲ ኣተኣታትዩ ኣሎ። Source: AAP
ሚስተር ኣንድሪውስ እዚ ኣገዳሲ ሓድሽ ስጉምቲ "ኣጸጋሚ ውሳነ'ዩ ኔሩ፡ ግን እቲ ግቡእ ውሳነ'ዩ።" ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ እቶም መዕጸውቲ ዶባት "ኣድለይቲ ክሳብ ዝኾኑ" ኣብ ቦትኦም ክጸንሑ'ዮም፡ ፍርቂ ለይቲ ሮቡዕ እቶም ኣብ ኖርዘርን ቢችስ ዘለው መዕጸውቲ ግዚኦም ምስ ሓለፎም'ውን እንተኾነ ኣይክለዓሉን እዮም ኢሉ።

ኣብ ትሕቲ'ዚ ኣሰራርሓ ወይ ስርዓት መብራህቲ ትራፊክ፡ ኩለን ካብ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) ዘለዋ ዞባታታት 'ሓምላይ ዞን' ተባሂለን ተመዲበን ኣለዋ፡ ነበርተን ግን ሕጂ'ውን እንተኾነ ናብ ቪክቶርያ ክኣትው እንተኾይኖም ንናይ ይሕለፍ ፈቓድ ከመልክቱ ኣለዎም።

እቶም ካብ ታሕሳስ 11 ኣትሒዞምን ኣብ'ቲ መዓልቲን ኣብ ኖርዘርን ቢችስ ዝነበሩ ግን ድሮ ኣብ ቪክቶርያ ተመሊሶም ዘለው ነብሶም ከግልሉን ክምርመሩን ኣለዎም። 

ኲንስላንድ

ሰበመዚ ጥዕና ኲንስላንድ ብተመሳሳሊ ንብሙሉኣ ከተማ ሲድኒ ውዑይ ነቑጣ ለበዳ ኢሎም ድሕሪ ምምዳቦም እታ ግዝኣት ዶባታ ንነበርቲ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) ዓጽያ ከምዘላ ኣፍሊጦም ኣለው።

ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ ኣብ ሲድኒ፡ ብሉ ማውንተይንስ፡ ሰንትራል ኮስትን ኢላዋራ ሾልሃቨንን ዝነበረ/ዝጸንሐ ሕድገት ከይተገብረሎም ናብ'ዛ ግዝኣት ኣይክኣትውን'ዮም። እቲ ሕድገት እንተተፈቒድዎም'ውን ናብ መወሸቢ ሆቴል ን14 ክጸንሑ ክኸዱ የድልዮም።
Queensland Premier Annastacia Palaszczuk speaks during a press conference in Brisbane, Sunday, 20 December, 2020.
ፕሪምየር ኲንስላንድ ኣናስታሻ ፓላሸይ ሰንበት ኣብ ከተማ ብሪስበን ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበት Source: AAP
ኲንስላንዳውያን ክሳብ ሰዓት 1 ቅ. ቀ. ሰሉስ ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ገዝኦም/ግዝኣቶም ክምለሱ ተወሰኽቲ 24 ሰዓታት ኣለውኦም፡ ግን መርመራ ቫይረስ ክገብሩን ን14 መዓልታት ነብሰ-ምውሻብ ክገብሩን የድልዮም።

"ካብ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) እንተኾይንኩም ናብ ኲንስላድ ትጓዓዝሉ እዋን ሕጂ ኣይኮነን።" ክትብል ፕሪምየር ኲንስላንድ ኣናስታሻ ፓላሸይ ሰንበት መኺራ።

ኲንስላንድ ብተወሳኺ ነዞም ሓደስቲ መምርሒታት ንምኽባር ኣብ ዶብ ኒው ሳውዝ ዌልስ መቆጻጸሪ ኬላታት መንገዲ ደጊማ ከተተኣታቱ እያ።

ኣውስትራልያን ካፒታል ቴሪቴሪ

ኤሲቲ (ኣውስትራልያን ካፒታል ቴሪቴሪ) ዝኾነ ካብ ሲድኒ፡ ሰንትራል ኮስት፡ ኢላዋራ-ሾልሃቨንን ኔፒያን ብሉ ማውንተይንስን ዝመጹ ሰባት ን14 መዓልታት ኣብ ውሸባ ክኣትው ትጠልብ።

"ነበርቲ ኤሲቲ እንተዘይኮይንኩምን ኣብ ዝኾነ ካብ'ዚኦም ቦታታት እንተነይርኩምን መልእኽትና ቀሊል'ዩ... ናብ ኤሲት ኣይትምጽኡ/ኣይትጓዓዙ።" ክትብል ዋና ሓላፊ ጥዕና ናይ'ቲ ምምሕዳር ኬሪን ኮልማን ሰንበት ንጋዜጠኛታት ገሊጻ።

ንሳ ኣብ ሓደ ስድራ ምስ'ቶም ተጓዓዝቲ ዝኾኑ ሰባት'ውን ምውሻብ ከድልዮም እዩ ኢላ።

ዶክተር ኮልማን ብተወሳኺ ብዘይካ ኣብ ኣመና ዝበኣሱ፡ ኣጸገምቲ ኩነታት እንተዘይኮይኑ ካብ'ዚኦም ከባቢታት ንዝመጹ ነበርቲ ዘይኮኑ ሰባት ጥርዓናት ወይ ሕቶታት ሕድገት ክፍሊ ጥዕና ኤሲቲ ኣይክቕበልን'ዩ ኢላ።

"ኣነ እዚ ንብዙሓት ሰባት ኣጸጋሚ ምዃኑ ይርደኣኒ'ዩ፡ ብርግጽ ከኣ ነዞም ውሳነታት ኣቃሊልና ኣይንርእዮምን ኢና።

"ዋላ'ኳ እዞም ቀይድታት ካብ'ቲ ዘድልየና እዋን ንላዕሊ ኣብ ቦትኦም ኣይክጸንሑን እንተኾኑ፡ እቲ ማሕበረሰብ ክዳሎ ንደልዮ ኢና፡ እዚ ኸኣ ኣብ'ዚ ግዜ በዓል ልደት ዝቕጽል ይመስል፡ ምናልባት'ውን ከም ተኽእሎ ክሳብ በዓላት ሓድሽ ዓመት።"

ዌስተርን ኣውስትራልያ

ዌስተርን ኣውስትራልያ ብምኽንያት መጠን እቲ ኣብ ኖርዘርን ቢችስ ዝተቐልቀለ ለበዳ ተሪር ምዕጻው ዶባታ ንብሙሉኡ ኒው ሳውዝ ዌልስ ደጊማ ኣተግቢራቶ'ላ ክብል ፕሪምየር ማርክ ማ'ጋውን ኣፍሊጡ።

ቀዳም በታ ግዝኣት ተቐሚጡ ዝነበረ 'ትሑት ተኽእሎ ሓደጋ' ዝብል መዐቀኒ ንኒው ሳውዝ ዌልስ ናብ 'ማእከላይ ተኽእሎ ሓደጋ' ዝብል ከምዝልዕል ተገይሩ፡ እዚ ማለት ከኣ እቶም ኣቐዲሞም ኣብ'ዚ ዓመት ዝተራእዩ ተመሳሰልቲ ተረርቲ ስጉምቲታት ክትመልሶም እያ ማለት'ዩ።

ድሕሪ ታሕሳስ 20 ናብ'ዛ ግዝኣት ካብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብነፋሪት ክመጹ ዝኽእሉ እቶም ፍሉያት ሕድገታት ዘለዎም ጥራይ ክኾኑ'ዮም።

ሚስተር ማ'ጋውን እዚ ክትውስኖ "ኣጸጋሚ ስጉምቲ" እዩ ኔሩ ብፍላይ ከኣ ኣየናይ ግዜ ናይ'ዚ ዓመት ምዃኑ ርኢኻ።

"ነቶም ኣብ በዓል ልደት ምስ ቤተሰቦም ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክራኸቡ ተሃንጥዮም ዝነበሩ ሰባት ተስፋ ዘቑርጽ ዜና ክኸውን ምዃኑ ይርደኣኒ እዩ።" ኢሉ እቲ ፕሪምየር።  

ዘ ኖርዘርን ቴሪቴሪ

ግዝያዊ ዋና ሚኒስተር ኒኮል ማኒሰን ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ከምገለጸቶ ዘ ኖርዘርን ቴሪቴሪ ንተጓዓዝቲ ካብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዶባታ ብቕጽበት ዓጽያቶ ኣላ። 

ካብ ሲድኒ፡ ዘ ብሉ ማውንተይንስ፡ ዘ ሰንትራል ኮስትን ኢላዋራ ዝኾኑ ሰባት ምስ በጽሑ ናብ 14 መዓልታት ውሸባ ክኣትው ክእዘዙ እዮም።

"ንሕና እቲ ቁጽሪ ሓደ ቀዳምነትና ድሕነት ህይወት ቴሪቶሪያውያን ምሕላው'ዩ ኢልና ኢና፡ ዘድልየና እንተኾይኑ'ውን ኣትሪርና፡ ኣስፊሕናን ኣቐዲምና ከምእንገብሮ ሓብሪና ኢና።" ወይዘሪት ማኒሰን ንጋዜጠኛታት ሓቢራ። "ቀዲምና ኢና ስጉምቲ ንወስድ፡ ሎሚ መዓልቲ ከኣ ደጊምና ከምኡ ጌርና ኣለና።"

ታዝመንያ

ሰብ መዚ ጥዕና ንከባብያዊ መንግስታዊ ምምሕዳር ዘ ኖርዘርን ቢችስ ልዑል-ተኽእሎ-ሓደጋ ዘለዎ ኢሎም መዲቦሞ ኣለው፡ ካብ ታሕሳስ 11 በዚ ከባቢ ዝሓለፉ ኩሎም ተጓዓዝቲ ታዝመንያ ከይኣትው ተኸልኪሎም ኣለው፡ ብዘይካ'ቶም ኣድለይቲ/ኣገደስቲ ተጓዓዝቲ።

እቲ ዝተረፈ ክፋል ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) "ማእከላይ ተኽእሎ ሓደጋ" ዘለዎ ተባሂሉ ተመዲቡ'ሎ፡ ካብ'ዚኦም ከባቢታት ዝመጹ ኩሎም ተጓዓዝቲ ኣብ ታዝመንያ ምስ በጽሑ ን14 መዓልታት ክውሸቡ የድልዮም።

ኣዳለውቲ በቲ ኣብ ሲድኒ ተቐልቂሉ ዘሎ ለበዳ ተገዲዶም ዝተኣታተው ቀይድታት ዶብ ነቲ ውድድር ከካይድዎ ዘይከኣል ጌርዎ ኣሎ ኢሎም ኣሚኖም።

ሳውዝ ኣውስትራልያ

ፕሪምየር ሳውዝ ኣውስትራልያ ስቲቨን ማርሻል ግዝኣቱ ካብ ፍርቂ ለይቲ ሰንበት ንብሙሉኡ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) ክትዓጽውን ኣብ መገድታት መሳገሪ ዶብ ኒው ሳውዝ ዌልስን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣደላይድን ሰባት ኮቪድ-19 ዝምርምሩ ነቑጣታት ሓለዋ (ኬላታት) ክህልውን እዮም ክብል ሰንበት ኣፍሊጡ።

ኩሎም ካብ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) ዝኾኑ ሰባት ናይ 14 መዓልታት ግዴታዊ ውሸባ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራልያ ምስ በጽሑ ክፍጽሙ እዮም፡ ኩሎም ነበርቲ ኖርዘርን ቢችስ ዝኾኑ ኸኣ ክምለሱ ክግበር እዮ።

 


 

  • ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።  
  • ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም/ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ናብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
  • ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም ። ነቶም ኣገደስቲ መምርሒታት ንግዝኣትኩም ወይ ምምሕዳራዊ ዶብኩም ብኽብረትኩም ኣብ'ዚ ተመልከቱ፡   

Share

Published

Updated

Presented by Yang J. Joo
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends