ካብ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ምዝጉብ ኣድማጺ፡ ወግዓዊ መጠን ብዝሒ ናይ’ቲ ድምጹ ክህብ ዝወጸ ህዝቢ 97 ወይ 98% ኔሩ ክብል መምህር ሙሉወርቅ ንመራኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ። ኣብ 2,672 መድመጺ ነቑጣታት 625 ሕጹያት ንመረጻ ቀሪቦም ኔሮም። ክልላዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ 190 ወናብር ዘለዎ ኮይኑ ኣብ’ዚ መረጻ 152 ካብኦም ንውድድር ቀሪቦም።
እቶም ዝተረፉ 38 ወናብር ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ’ቲ መረጻ ዝተወዳደሩ ሓሙሽተ ሰልፍታት ዝርርብ ምስ ተኻየደ ብኸመይ ክመቓርሑ ወይ ክዕደሉ እዮም ክውሰን እዩ።
እዚ ማለት ከኣ እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት ገለ ወናብር ክረኽቡ ዕድል ኣሎ ክብል እቲ ኮሚሽነር ገሊጹ። እቲ ቀጺሉ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ግን እቲ 80% ወናብር ድሮ ረኺቡ ዘሎ ህወሓት ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ 20% ወናብር ክጫረት ድዩ ዝብል እዩ።
ብመሰረት ኮሚሽን መረጻ ዝዘርግሖ ኣሃዛት ህወሓት 98.2% ክረክብ እንከሎ ባይቶና 0.8%፡ ሰልፊ ነጻነት ትግራይ 0.71%፡ ሳልሳይ ወያነ 0.27%፡ ዓሲምባ ኸኣ ዝተሓተ 0.01% ድምጺ ረኺቦም።
እንተኾነ ግን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ነዊሕ ታሪኽ ኣብ ምምራሕን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ንህወሓት ክድፈር ዘይክእል ዝለዓለ ረብሓ ፈጢርሉ ክብሉ ይገልጹ። ኣቦወንበር ባይቶና ትግራይ ኪዳነ ኣመነ “እቲ ጸገም ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ዘይምህላው እዩ። ኣብ መንጎ ገዛኢ ሰልፊ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይን ክልልን ንጹር ዝኾነ ኣፈላላይ የለን።” ክብል ሓቢሩ።
መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ገለ ዘይንቡር ነገራት ኣብ መድመጺ ወረቓቕትን ተዓዘብቲ መረጻ ናብ ገለ መድመጺ ነቑጣታት ክኣትው ወይ ክበጽሑ ዘይምኽኣሎምን ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ’ቲ መስርሕ መረጻ ገለ ምዕዝምዛማት የስምዑ ኣለው።
ኣቦ ወንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሃያሉ ጎደፋ ተኽእሎ ምትላል ከምዝነበረ ኣልዒሉ’ኳ እንተነበረ እቲ መረጻ ከመይ ከምዝኸደ ግን ገና ሓበሬታታት ንእክብ ኢና ዘለና ክብል ሓቢሩ።
“ኣብ ገለ ከባቢታት ካብ ዝርከቡ ኣባላትና ምጭብርባር መረጻ ከምዘሎን ህወሓት ድምጽና ከምዝሰረቖን ሓበሬታት ይመጻና ኣሎ። ግን ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩኹም ገና ኣብ’ዚኦም ነገራት ጭብጥታት ክንእክብ ንፍትን ኢና ዘለና። ህወሓት ከምኡ ክገብር ምዃኑ ትጽቢት ኔሩ’ዩ። ግን ምሉእ ሓበሬታ ክሳብ ዝህልወና ንጸበ’ሞ ክንርእዮ ኢና።” ኢሉ።
(ጸብጻብ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት)