ናይ ስዑዲ ዓረብ ዘውዳ መስፍን ኣብ ዓለም እታ ዝለዓለ ናይ ነዳዲ ለኣኺት ናብ ኣየር ዝትፋእ ጋዝ ናብ 'ዜሮ' ናይ ምውራድ ዕላማ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ብዘይካዚ ፡ ነቲ ኣብ 2030 እቲ ናብ ኣየር ዝትፋእ ጋዝ ብዕጽፊ ከም ዝጎድል ገሊጹ እዩ ።
ዘውዳዊ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ሚኒስተርጸዓትን ፡ ስዑዲ-ዓረብ ንለውጢ ክሊማ ክትፈትሖ ምዃና ፡ እንተኾነ ንቐጻሊ ኣገዳስነት ሃይድሮካርቦንስ ከምተተኩረሉን ፡ ብተመሳሳሊ ርግኣት ዕዳጋ ነዳዲ ከተረጋግጽ ምዃና ገለጹ ።
ንሳቶም ኣብቲ ኣብ ስዑዲ ግሪን ኢንስቲቱት (SGI) ነዚ ዝገለጹ ቅድሚ COP26 ዋዕላ ክሊማ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ኣብ ግላስጎው ዝግበር ናይ ው.ሕ.ሃ. ዋዕላ ክሊማ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ሙቐት ዓለም ንምብዳህ ፡ ብዝያዳ ናብ ኣየር ዝትፋእ ጋዛት ንምጉዳል ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ተስፋ ይግበር።
እታ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየት ናብ ኣየር ጋዝ ትፍኑ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ኣብ 2050 'ዜሮ " ዒላማ ንኽትወቅዕ ዓሊማ ኣላ ። እንተዀነ ፡ እተን ኣብ ዓለም ዝዓበያን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስርዓ ዘለዋን ቻይናን ህንድን ፡ ነዚ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክትግብራኦ ኣይደልያን።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ስዑዲ ዝርከብ ዓርሞሸሽ ናይ ኣራምኮ ነዳዲ ዝዀነ ኣሚን ናስር ፡ ንሃይድሮካርቦንስ ከም ዝጻረሮ ገለጸ ። ንሱ ከምዝብሎ ኣራምኮ ነዳዲ ዘይቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ንምስፋሕ ዝዓለመ ኰይኑ ፡ ኣብ 2050 ድማ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዜሮ ናይ ጋዝ ምትፋእ ዒላማ ክገብርዩ ኢሉ።
እኹል ቀረብ ዘይቲ ንምርግጋጽ ፡ ዓለምለኻዊ ወፍሪ ክግበር ጻውኢት ኣቕረበ ።
ልኡል መሓመድ ብዝተመልአ ድምጺ ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ እታ ንግስነት ኣብ ትሕቲ እቲ ብከቢብ ካርቦን ዝቘመ መደብ ቁጠባ ፡ ናብ ዜሮ ንምውራድ ዝዓለመ ፡ "ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋታት ነዳዲ ዓለም መሪሕ ግደ እናበርከተት" እያ ኢሉ።
ንሱ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ካብ 2020 ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ብ30 ሚእታዊት ካብ ሚተይን ዝወጽእ መጠን ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ክተጉድል ምዃና ሓበረ: ነዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ጸቕጢ ይገብራሉ ኣለዋ ።