እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ነዳዲ ትልእኽ ስዑዲ ዓረብ ፡ ኣብ 2060 ናብ ኣየር ዝትፋእ ካርቦን ዜሮ ከምትገብሮ ኣፍሊጣ።

ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝኾነት ሱዕዲ፡ ቅድሚ እቲ ናይ COP26 ዓለምለኻዊ ዋዕላ ክሊማ ምጅማሩ፡ ናይ ነዳዲ ዕዳጋ ምርግጋእ ብምርግጋጽ ፡ ንለውጢ ክሊማ ንምብዳህ ዒላማ ከም ዘለዋ ገልጻ ።

Saudi Crown Prince Mohammed bin Salman

Crown Prince Mohammed bin Salman said Saudi Arabia would tackle climate change, but also stressed the continued importance of hydrocarbons. Source: Anadolu

ናይ ስዑዲ ዓረብ ዘውዳ መስፍን ኣብ ዓለም እታ ዝለዓለ ናይ ነዳዲ ለኣኺት ናብ ኣየር ዝትፋእ ጋዝ ናብ 'ዜሮ' ናይ ምውራድ ዕላማ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ብዘይካዚ ፡ ነቲ ኣብ 2030 እቲ ናብ ኣየር ዝትፋእ ጋዝ ብዕጽፊ ከም ዝጎድል ገሊጹ እዩ ።

ዘውዳዊ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ሚኒስተርጸዓትን ፡ ስዑዲ-ዓረብ ንለውጢ ክሊማ ክትፈትሖ ምዃና ፡ እንተኾነ ንቐጻሊ ኣገዳስነት ሃይድሮካርቦንስ ከምተተኩረሉን ፡ ብተመሳሳሊ ርግኣት ዕዳጋ ነዳዲ ከተረጋግጽ ምዃና ገለጹ ።

ንሳቶም ኣብቲ ኣብ ስዑዲ ግሪን ኢንስቲቱት (SGI) ነዚ ዝገለጹ ቅድሚ COP26 ዋዕላ ክሊማ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ኣብ ግላስጎው ዝግበር ናይ ው.ሕ.ሃ. ዋዕላ ክሊማ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ሙቐት ዓለም ንምብዳህ ፡ ብዝያዳ ናብ ኣየር ዝትፋእ ጋዛት ንምጉዳል ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ተስፋ ይግበር።

እታ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየት ናብ ኣየር ጋዝ ትፍኑ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ኣብ 2050 'ዜሮ " ዒላማ ንኽትወቅዕ ዓሊማ ኣላ ። እንተዀነ ፡ እተን ኣብ ዓለም ዝዓበያን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስርዓ ዘለዋን ቻይናን ህንድን ፡ ነዚ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክትግብራኦ ኣይደልያን።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ስዑዲ ዝርከብ ዓርሞሸሽ ናይ ኣራምኮ ነዳዲ ዝዀነ ኣሚን ናስር ፡ ንሃይድሮካርቦንስ ከም ዝጻረሮ ገለጸ ። ንሱ ከምዝብሎ ኣራምኮ ነዳዲ ዘይቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ንምስፋሕ ዝዓለመ ኰይኑ ፡ ኣብ 2050 ድማ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዜሮ ናይ ጋዝ ምትፋእ ዒላማ ክገብርዩ ኢሉ።

እኹል ቀረብ ዘይቲ ንምርግጋጽ ፡ ዓለምለኻዊ ወፍሪ ክግበር ጻውኢት ኣቕረበ ።

ልኡል መሓመድ ብዝተመልአ ድምጺ ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ እታ ንግስነት ኣብ ትሕቲ እቲ ብከቢብ ካርቦን ዝቘመ መደብ ቁጠባ ፡ ናብ ዜሮ ንምውራድ ዝዓለመ ፡ "ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋታት ነዳዲ ዓለም መሪሕ ግደ እናበርከተት" እያ ኢሉ።

ንሱ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ካብ 2020 ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ብ30 ሚእታዊት ካብ ሚተይን ዝወጽእ መጠን ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ክተጉድል ምዃና ሓበረ: ነዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ጸቕጢ ይገብራሉ ኣለዋ ።


Share
Published 25 October 2021 9:57am
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends