Breaking

ፍሉጥ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ቶም ሃንክስን ሰበይቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም።

ቶም ሃንክን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮረና ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ።

Tom Hanks and his wife Rita Wilson have tested positive for coronavirus.

Tom Hanks and his wife Rita Wilson have tested positive for coronavirus. Source: AAP

ኣመሪካዊ ኣክተር ቶም ሃንክን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮረና ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ።

እቲ ወዲ 63 ተኦኣዋቲ ኦስካር ብዛዕባ ህይወት አልቪስ ፕሪስሊ ክትስራሕ ተሃሲባ ዘላ ፊልም ንቕድመ ስራሕ እታ ፊልም እዩ ናብ ጎልድ ኮስት መጺኡ።

"ቅሩብ ድኻም ተሰሚዑና፥ ሰዓል ከምኡ ድማ ርእስና ሓሚምና። ሪታ ቅሩብ ቅልውሉው ኣቢልዋ ኔሩ። ቅሩብ ረስኒውን ኔርዋ," ብምባል ቢንስታግራም ጽሒፉ።
"ከምቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ሕጂ፡ ቅኑዕ ነገር ንምግባር መርመራ ኮሮናቫይረስ ተመርሚርና እወታዊ ውጽ ኢት (ተለኺፍና) ኮይኑ።"

" መጻኢ እንታይ ኢና ክንገብር? ሰብ መዚ ሕክምና ክንክተሎ ዝግበኣና መምርሒ ኣለዎም። ተመርሚርና፥ ክሳብ እቲ ህዝባዊ ጥዕና ዝሓቶ ናይ ድሕነት ረቛሒታት ክንግለል ኢና። "]

ብመሰረት እቲ ዝጸሃፎ ኢንስታግራም ቅድሚ 4 መዓልታት ኣብ ሲድኒ ቦንዳይ ቢች ከምዝነበረዩ ዝገልጽ።

ዛጊት ኣብ ኣውስትራሊያ 128 ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዘለዉ ተረጋጊጹ፡ ካብ ኣቶም እቶም 21 ክሃውዩከለዉ፡ ሰለስተ ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለዉ።



Share
Published 12 March 2020 1:04pm
Updated 18 March 2020 10:04am
By Nick Baker


Share this with family and friends