ኣመሪካዊ ኣክተር ቶም ሃንክን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮረና ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ።
እቲ ወዲ 63 ተኦኣዋቲ ኦስካር ብዛዕባ ህይወት አልቪስ ፕሪስሊ ክትስራሕ ተሃሲባ ዘላ ፊልም ንቕድመ ስራሕ እታ ፊልም እዩ ናብ ጎልድ ኮስት መጺኡ።
"ቅሩብ ድኻም ተሰሚዑና፥ ሰዓል ከምኡ ድማ ርእስና ሓሚምና። ሪታ ቅሩብ ቅልውሉው ኣቢልዋ ኔሩ። ቅሩብ ረስኒውን ኔርዋ," ብምባል ቢንስታግራም ጽሒፉ።
"ከምቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ሕጂ፡ ቅኑዕ ነገር ንምግባር መርመራ ኮሮናቫይረስ ተመርሚርና እወታዊ ውጽ ኢት (ተለኺፍና) ኮይኑ።"
" መጻኢ እንታይ ኢና ክንገብር? ሰብ መዚ ሕክምና ክንክተሎ ዝግበኣና መምርሒ ኣለዎም። ተመርሚርና፥ ክሳብ እቲ ህዝባዊ ጥዕና ዝሓቶ ናይ ድሕነት ረቛሒታት ክንግለል ኢና። "]
ብመሰረት እቲ ዝጸሃፎ ኢንስታግራም ቅድሚ 4 መዓልታት ኣብ ሲድኒ ቦንዳይ ቢች ከምዝነበረዩ ዝገልጽ።
ዛጊት ኣብ ኣውስትራሊያ 128 ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዘለዉ ተረጋጊጹ፡ ካብ ኣቶም እቶም 21 ክሃውዩከለዉ፡ ሰለስተ ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለዉ።